ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ  

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያ ሃገራዊ ናጽነት ኤስቶኒያ ኣብታ ሃገር ኣካይዶምዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታትን ኣብ ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ግደ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምክንኻን ፍጥርትን ኣብ ዝምልከቱ ...

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮዕለት 28 ሓዳር 2019 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዋ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ኣካይዶምዎ ዝነበረ ወግዓዊ ምብጻሕን ናይ ሓባር ረብሓታትን ናይ ከባቢ ምስራቅ ኤውሮጳን ብጠቕላላ ናይ ኤውሮጳን ዓለም ሓቆፍ ህልው ኩነታን፡ እዋናዊ ጉዳይ ኡክራይንን ብድሆታት ንመጻኢ ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ከርስቲ ካልጁላይድ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ኤስቶኒያ ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ም ር.ሊ.ጳ. ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ከምእተራኸባ ዝሓበረ ናይ ቅድስ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኤስቶኒያን ዘሎ ሰናይ ርክብን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ሃገራዊ ናጽነት ኤስቶኒያ ኣብታ ሃገር ኣካይዶምዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታትን ኣብ ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ግደ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምክንኻን ፍጥርትን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ስዒቡ እውን ብዛዕባ ኤውሮጳን ዓለም ለኻውን ጉዳያትን ሰላምን ጸጥታን ደሕንነትን ብደረጃ ብዝሓ ጐናዊ ግጭትን ምስሕሓባት ብዓንተዉ መፍትሒ ምርካብ ብዝብል ሜላ ውሑስ ምግባርን፡ ሰላማዊ መፍትሒ ነቲ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውጥረትን ዛዕባ ብድሆታት ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ኣብ ዝብምልከቱ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኤስቶኒያ ርእሰ ብሔር ካልጁላይድ
29 November 2019, 10:54