ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተፈጥሮ ንምክንኻን ክርስቲያናዊ መርትዖታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተፈጥሮ ንምክንኻን ክርስቲያናዊ መርትዖታት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተፈጥሮ ንምክንኻን ክርስቲያናዊ መርትዖታት

ናይታ መጽሓፍ ቀዳማይ ምዕራፍ፥ ተማላላኢ ራእይ፥ ስሙር ራእይ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተደጊፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል ዘለዎ ኣገዳስነት መሰረት ገይሮም መላእ ሰብኣዊ ስድራ ተቐባልን ኵለንተናውን ዝዀነ ምዕባለ

እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ኣብ ዝዛዘመሉ መዓልታን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ይሴባህ ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ምህዳር ዝገለጽዎ ሓሳብን ስልጣናዊ ትምህርትን ብሓደ ጠርኒፉ ተፈጥሮ ንምክንኻን ክርስቲያናዊ መርትዖታት ወይ ከኣ ክርስቲያናዊ ራእይ ዛዕባ ምህዳርን ብጥልቂ ዘነጽር ኣዴና መሬት፡ ክርስቲያናዊ ንባብ ንብድሆታት ምህዳር ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ ብቤተ ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ከምዝቐረበን ክሕበር እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይታ መጽሓፍ መቕድም ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንምክንኻን ዘፍጥረት መላእ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዘተሓባብር መደብ ምኽንያት ዝተረጋገጸ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተሓባብር ሓሳብ ምልስ ቢሉ ዘዘኻኽር ብናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝተደርሰ መቕድም ዘለዎ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማሪያ ሚልቪያ ሞርቻኖ ሓቢረን።

ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ

ናይታ መጽሓፍ ቀዳማይ ምዕራፍ፥ ተማላላኢ ራእይ፥ ስሙር ራእይ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተደጊፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል ዘለዎ ኣገዳስነት መሰረት ገይሮም መላእ ሰብኣዊ ስድራ ተቐባልን ኵለንተናውን ዝዀነ ምዕባለ ኣብ ምንዳይ ክሓብር ከምዘለዎ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብሰፊሕ ይትንትን። ካብቲ ናይ ዘመንና ዓቢይ ብድሆ ናብ ዓውሎማዊ ዕድል፡ እዚ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይን ብከላ ምህዳርን፡ ብኢደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝፍጸም መጥቃዕትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን፡ ናይ መሬት ሙቐት ክብታን ምጽናት ብዝሓ ሕይወትን ዝብሉ እቲ ሓላፍነት ዘይስምዖ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ካብ ተጠቃምነት ናብ መዝማዝነት ዝድርኽ ኣነባብራ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወልዶም ሳዕቤናት ዘርዚሮም፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከምዘድልን እዚ ኸኣ እውነተይና ዛዕባ ስነ ምህዳር ሕንጸት ብምቕራብ ብፍላይ ንመንእሰይ ወለዶ ብምቕራብ፡ ሓድሽ ምስትውዓልን ዝተሓደሰ ሕልና ክህሉ ምግባር ከምዘድሊ ዘመላኸትዎ ሓሳብ ብዕምቆት ይትንትን።

ምክንኻን/ዕቃበን ዘፍጥረትን መሰል ሕይወትን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ክንክን ምህዳር፡ ኣብ ስብከታቶምን መደረታቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት፡ ካብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም፡ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምህዳራዊ ቅልውላው ሸለል ክበሃ ዘይብሉ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ ቢሎም ጻውዒት ብምቕራብ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ እግዚኣብሔር ዝተወሃቦ፥ ተፈጥሮ ናይ ምክንኻንን ናይ ምዕቃብን ዝሃቦ ዓቢይ ሓላፍነት ነቲ እስትንፋሱ እፍ ዝበለሉ ሰብ ምዃኑ ኦሪት ዘፍጥረት መሰረት ገይሮም ኣብሪሆም፡ ተፈጥሮ ምክንኻንን ሕይወት ምክንኻን፡ ውሳጣዊ ምትእስሳር ዘለዎ ዘይነጻጸጉን ተፈላልዮም ክቖሙ እውን ዘይክእሉ ከምዝዀኑን ዘብርህ ዘንበርዎ ሓሳብ እቲ መጽሓፍ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ከም መበገሲ ገይሩ፡ መሰል ሕይወት፡ ሓላፍነትን ፍትሕን ማዕርነትን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ብዝብሉ መፍትሓውያን ቃላት ዝረጋገጽ ምዃኑ ነዚ  ምስቲ ተፈጥሮ ዝተዓደሎ ጸጋታት ኣተሓሒዞም ኩሉ ናይ ተጠቃምነት በዓል መሰልን ክብርን እዩ፡ ብዘይ ኣድልዎ፡ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናይ ኩሉን ንዅሉን እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ብሰፊሕ ይትንትን።

ናይ ምህዳር መንፈሳዊ ነባቢ/ትርጉም

እቲ መጽሓፍ፡ ኣዴና መሬት ብዝብል ኣርእስቲ ብዝቐረበ ሓሳብ ዝጠቓለል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምህዳር ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኰነስ ጠመተና ክትንስእን ኵላትና ነቲ ጠመተና ናብ ላዕሊ ክብ ንኸነብል፡ ተራ ዓለማዊ ራእይ ምህዳር ዘይኰነስ፡ ናይ ምህዳር መንፈሳዊ ነባቢ/ትርጉም ንኸንማዕብል ዝድርዅና ምዃኖን እቲ መጽሓፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ብሰፊሕ የመላኽት፡

ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ኵሉ ማእከል

ተፈጥሮ ናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ጻማ እዩ፡ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ዘለዎ ፍቕሪ … ብፍላይ ንፍጥረት ሰብ። ስለዚህ ፍጥረት ሓደ ህላዌ እነስተውዕለሉን እነለልየሉን ስፍራ ክኸውን ንዕደም፡ ማለት ሰብ ናይ ተፍጥሮ ኵነት ንኽውስን ዘኽእሎ ናይ ሱታፌ ብቕዓት ዘለዎ እዩ … ስለዚህ ናይ ሰብ ጽሕፍቶ ናይ መላእ ዓለም ጽሕፍቶ ዝውስን ይኸውን፡ ኣብ መንጐ ሰብን ፍጥረን ዘሎ ርክብ ኣብ ፍቕሪ ዝንብር እዩ፡ ነዚ ኣፍልጦ ዘይምሃብ እቲ ርክብ ይበትኽ፡ ሃብቲ ንምኽዕባትን ስስዔን ኰታ ኵሉ ብውሑዳት ሰባት ኣብ ልዕሊ ጸጋታት ተፈጥሮ ዝፍጸም ሓላፍነት ኣልቦ ምዝመዛ፡ ናይ ተፈጥሮ ሚዛን የዛብዕ ሰብን ዓለምን የዕንው። ስለዚህ ናብቲ ናይ ኩሉ ማእከል ዝዀነ ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምምላስ ከምዘድሊ ኣብታ መጽሓፍ ብሰፊሕ ይግለጽ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተፈጥሮ ንምክንኻን ክርስቲያናዊ መርትዖታት
24 October 2019, 17:19