ንሃገረ ሶርያ ንጹሕን ቅኑዕን ግሉጽን ዘተ እዩ ዘገልግል! ር.ሊ.ጳ
ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሶርያ ብዝተወለዔ ውግእ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ እንክግደዱ ኣብ መንጎ እዚኦም ከኣ ብዙሓት ሥድራቤታ ክርስትያን ከምዘለው እንክግለጽ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሃገር እንኮ መገዲ ንጹሕን ቅኑዕን ግሉጽን ዘተ ምዃኑ ገሊጾም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅዳሴ ፈጺሞም ጸሎተ እግዚእብሔር ምስ ደገሙ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ምልስ ኢሎም ስለ እታ ፍቅርት ሃገረ ሶርያ ክጽለ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዜናታት ከምዝተገልጸ ልዕሊ 400 ሺሕ ሰባት ሓገዝን ጸግዕን እንከድልዮም ድሮ ኣብ ኣል ሆልን ኣሪሻን ዝርከብ መዕቆቢ ስደተናታት ዘለው ልዕሊ 82 ሺሕ ሰባት ምስቶም ኣብ ዞባ ሓሳከ ዝነብሩ ሕጽረት ማይ ከምዘለዎም ይግለጽ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝዘከርዋ ሃገር ኤኳዶር ኰይና ምስቶም ኣብ ሲኖዶስ ኣማዞን ዝሳተፉ ደቂ እቲ ከባቢ ኰይኖም ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
14 October 2019, 16:24