ሓዳስ መጽሓፍ ዛዕባ ግደ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስተን ኢቨራይ ሓዳስ መጽሓፍ ዛዕባ ግደ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስተን ኢቨራይ 

ሓዳስ መጽሓፍ ዛዕባ ግደ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስተን ኢቨራይ

ዝቖሰለ ጓሳ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽትልወጥ ዘካይድዎ ቃልሲ ዘርእስታ መጽሓፍ ደራሲ ኢቨራይ

ዝቖሰለ ጓሳ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽትልወጥ ዘካይድዎ ቃልስ ዘርእስታ ብቋንቋ እንግሊዘይና ብኣውስቲን ኢቨራይ ዝተደርሰት መጽሓፍ ዕለት 5 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ክትበቅዕ ምዃና ክሕበር እንከሎ፡ እታ መጽሓፍ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳውነት ር.ሊ.ጳ, ፍራንቸስኮ ሕመረት ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ለውጢ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ፡ ነዚ ለውጢ’ዚ ግደ በርጎሊያ መሰረታዊ ምዃኑ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኢቨራይ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

እታ መጽሓፍ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝሕረዩ ናይ ዝሓለፉ 6 ዓመት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ጸብጻብን ሕይወት ታሪኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን እተዘንትው ዘይኰነስ፡ ባዕሎም ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ጋዜጠይናን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪክ ሕይወት ሊቅን ኣውስተን ኢቨራይ ከምዝሓበርዎ፡ ቅዱስነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን እንኰ ማእከል ክርስቶስ ምዃኑ ብምሕባር ክርስቶስ እንኰ ማእከል እትገብር ቤተ ክርስቲያን ዘተሓሳስቡን ዝምህሩን እዚ ሓሳብ እዚ ዘስሩጹን ምዃኖም እተብርህን፡ ካብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ብዛዕባ ሕቶታት ምህዳርን፡ ቁጠባን ኤኮኖምን ክሳብ ዘካይድዎ ቃልሲ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽን እትድህስስ ምዃና ናይታ Wounded Shepherd: Pope Francis and His Struggle to Convert the Catholic Church - ዝቖሰለ ጓሳ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽትልወጥ ዘካይድዎ ቃልሲ ዘርእስታ መጽሓፍ ደራሲ ኢቨራይ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደዎ ካለ መሕትት ሓቢሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘካይድዎ ዘለዎዉ ለውጢ ባዕሎም ናይቲ ለውጢ ቀንደይና ተዋስኢ ዘይኰኑስ መሰረታዊ ኣቦ ነፍሲ እዮም፡ ብዙሕ ዓይነት ጸቕጥትታትን ተጻባኦነትን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕን ዓመጽን ቅልውላውን ዝተኸቡ እውን እንተዀነ ናብ ወንጌል ምምላስ ብዝብል ሸቶ ምስ ናይ ግዜ ምልክታ እትጓዓዝን፡ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተስተውዓለ ክኸውንን ጥንቁቕን ትኵርን ኣእንጋድን ዝዀነ ተቕዋማት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ህልው ንምግባር ብትእምርቲ ምሕረት ተሰንዮም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ የረጋግጹ ከምዘለው እተመላኽት መጽሓፍ እያ ስለዚህ፡ እታ መጽሓፍ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ሽዱሽተ ዓመት ጸብጻብ እተቕርብ ዘይኰነስ፡ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽተልዎ መንፈሳዊ ባይታ እተብርህ እያ ኢሎም።

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ሕዳሴን ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ቤተ ክርስቲያንን፡ ብዛዕባ ስነ ምህዳርን፡ ሲኖዶሳውነትን፡ ቤተ ክርስቲያን ክትልወጥ ዝብል መንፈሳውነት ዘመላኽቱን ዝነብሩን እዮም፡ ስለዚህ እቲ ዝልውጥ መንፈስ ቅዱስ እውን እንተዀነ ነቲ ገባሬ ልወጢ ጽን ምባል የድሊ፡ ስለዚህ ቅዱስነቶም ናይዚ ለወጢ ኣበ ነፍስ እዮም፡ ነቲ ዝልውጥ መንፈስ ቅዱስን ኣስተንፍሶታቱን ቦታ ዘውህብ ነቲ ኣስተንፍሶ ክፉት ዝግበር መሰናኽላት ዘለልይ መንፈሳዊ ኣባ የድሊ፡ ቅዱስነቶም ነዚ እዮም ዘካይዱ ዘለዉ።

ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ከቢድ ገበን፡ ድሕሪ ሃገረ ቺለ ብዙሕ ለውጢ ከምዘምጽኡ ድሮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ይረአይ ኣሎ፡ ስለምንታይ እዩ ተሓቢኡ ዝጸንሔ፥ ዝሓለፉ በደላትን ዓመጻት ሕጂ ጋህዲ ይኸውን? ኣብ ትኽክለይና እዋን ትኽክለይና ሰብ ከምዝበሃል እዩ፡ ስለዚህ መንፈስ ቅዱስ ንእዋኑ ዝህቦ መልሲ መጋበርያ ዝኸውን እዩ ዘነቓቕሕ። ር.ሊ.ጳ. እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ለውጥትታት ርኢኻ ብሓቂ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን እዮም ትብል።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣዚዩ ዘደንቕ እዩ፡ ብዙሕ ዘይነስተባህለሉ ዝሓለፈ እትብሎ ዝነበርካ ንቕድሚት ኣምጺኦም ብኻልእ ማእዝናት ንኸተንብቦ የቕርቡልካ፡ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ፡ ሓደስቲ ማእዝናት ዘመላኽት ኣካል የድልያ፡ ቅዱስነቶም ዓቢይ መራሕን ጓሳን ትሑትን ትዕግስተይናን በዓል ዓቕልን እዮም፡ ጥልቂ መንፈሳውነት ዘለዎም ኣብ ፍጻሜ ልልያ ብመንፈስ ቅዱስ ነቕ ዘይብል እምነት ዘለዎም እዮም፡ ስለዚህ እታ መጽሓፍ ነቲ ንሶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ለውጢ መጋብርያ እምበር መሃዚ ከምዘይኰኑ ባዕሎም ዝብልዎ እዩ፡ ዝልወጥ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ናብቲ እንኰ ማእከላ ዝዀነ ክርስቶስ እትልወጥ ቤተ ክርስቲያን ብሓዋርያዊን ስልጣናዊ ትምህርቶምን ንመንፍስ ቅዱስ ጽን ብምባል ዘመላኽቱ ምዃኖን እትትንትን መጽሓፍ እያ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓዳስ መጽሓፍ ዛዕባ ግደ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስተን ኢቨራይ
23 October 2019, 16:38