ንዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ዘሰቅቕ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን

ንዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ዘሰቅቕ ሕልቂት 368 ስደተይናታት ካብ 20 ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያን ዝተዋጽኡ ዜጋታት ላፐዱዛ ከምዝኣተዉ

ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን 500 ስደተይናታት ኣሳፍሪ ናብ ኢጣሊያ ትጓዓዝ ዝነበረ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ባርዕ ተገልቢጣን 368 ስደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ዝዝከር ከይኑ ሎሚ ኣብ ላምፐዱዛ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዳግም ከይኽሰትን እቶም ዘሰቕቕ ሕልቂት ዘጋጠሞም ከይርስዑን ብዝብል መንፈስ ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ተፈጺሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ዘሰቅቕ ሕልቂት 368 ስደተይናታት ካብ 20 ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያን ዝተዋጽኡ ዜጋታት ላፐዱዛ ከምዝኣተዉን፡ ብመምሃራኖም ዝተሰንዮም 200 ተመሃሮን ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝተረፉ ስደተይናታትን ኣብቲ ተዝካር ሻድሻይ ዓመት ከምእተሳአፉ ልኡኻት ጋዜጠናታት ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤማኑኤላ ካምፓኒለን በነደታ ካፐሊን ኣፍሊጠን።

ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ከባቢ ኣፈት ባሕሪ ላምፐዱዛ 368 ስደተይናታት ኣደዳ ሓደጋ ባሕሪ ዝዀኑሉን፡ ልክዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓረዩ ቀዳማይ ሓዋያርያዊ መገሻኦም ኣብ ላምፐዱዛ ፈጺሞምን ኣብ ማየ ባሕሪ ከባቢ ላምፐዱዛ ንዝኽሪ እቶም ግዳይ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸሎት ኣዕሪጐምን ቁኑን ዕንባባ ከምዘንበሩን ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ኣደዳ ባሕሪ መዲትራኒያን እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ኣደዳ ባሕሪ መዲትራኒያን ካብ ላፐዱዛ ወጻኢ እውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢጣሊያ ብጸሎትን መዓልቲ እንገዳን ብዘነቓቕሕ መንፈሳዊ መርሓ ግብሪ ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ልኡኻት ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ይሕብራ።

ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቶም ካብቲ ናይ ዕለተ 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናይ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ዝውክሉን ኣባይቲ ስድራኦም ብጠቕላላ 37 ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ናይቲ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ዝቖመ ዕለት 3 ጥቅምቲ ናይ እተሰምየ ማሕበር ኣባላትን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣባላት ስድራ ግዳያን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ይዝከር።

ክንየው ፍልልያት ምባል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላፐዱዛ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ንመጀመሪያ ግዜ፥ ዘይምግዳስን ንሓውኻን ብጻይካን ሸለል ናይ ምባልን ጐዳኢ ባህሊ ኣብ ዓለም ይሰፍሕ ምህላዉ ገሊጾም፡ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት፡ ዝብል ቃል ብምጥቃም እዚ ከኣ ምልክታ ድንዛዜ ሰብኣውነት እዩ ቢሎም፡ ዘይነብዕ ልቢ፥ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ካልእ ዘይነብዕ ልቢ፡ ሎማዊ ሰብ ምንባዕ ስለ ስቓይ ሓው ብዝሓክሽ ባህሊ ዝተኸበ ከይኑ ኣሎ፡ ነዚ ኵሉ ዘስተንት ካብቲ ዘይተገዳስነት ባህሊ ንምልቓቕ ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ኵለንተናውነትን ዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ብሰፊሕ ይትንትንዎ።

 

03 October 2019, 17:54