ቅዱስ ኣቦና ንውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብቕንዕናን ትብዓትን ሓላፍነትን ምዕያይ

ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣተኵይሮም፡ ብዛዕባ ምቅይያር ናይ ኣየር ንብረት ዘለዎም ዓቢይ ስክፍታ ንመራሕቲ ሃገርትን ንናይ ዝተፈላለያ ዘይመግስታውያን ማሕበራትን ይገልጹ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ነው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ኣማእኪሉ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ፥ ብዛዕባ ብድሆታትን መፍትሕታትን ዘይጽኑዕ ዕዮታትን ዝምልከቱ ጉዳያት ጠቒሶም መንግስታት እንነብረሉ ዓለም ካብ ስቓይ ንምድሓን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድል ንኽንጥቀመሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ሓደገይና ክስተትን ኣዚዩ ዘሰክፍን ምቅይያር ከባቢ ናይ ኣየር ንብረት፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ሓባር መልስን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ድላይን ምስ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝመዓራረርዩ ሓደስቲ ኣገባብ ኣህላኽነት ክህሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ናብ ዝመክር ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣተኵይሮም፡ ብዛዕባ ምቅይያር ናይ ኣየር ንብረት ዘለዎም ዓቢይ ስክፍታ ንመራሕቲ ሃገርትን ንናይ ዝተፈላለያ ዘይመግስታውያን ማሕበራትን ይገልጹ።

በካሊ ኣየር ምንካይን ሓድሽ ምንጪ ጸዓት ምጥቃምን

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ እቲ ኣብ ቺለ ዝየአድ መበል 25 ዋዕላ ሃገራት ዓለም ከማዕድዎ ዘለዎ ንጭሮሓዊ ሓሳባት ዘይኰነ ተፈጻምነት ዝህልዎ ጭቡጥ መርሓ ግብርን ውሳኔታትን ከቕርብ ብፍላይ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ከምቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ፓሪስ ውዕሊ ዘመክልቶ በካሊ ከባቢ ኣየር ብ 45 ሚእታዊ ክንክይን ናይ ሓደስቲ ናይ ካርቦን ማእከል ብምዕጋትን ጸዓት ኣሰር ሕይወት ወይ ውን ቅሪት ንምጥቃም ዝፈስስ መዋዕለ ንዋይ ከብቅዕን ዝብሉ ውሳኔታት ምትግባር ይሓትት ከምዝበሉ ዝፍልፍጥ እዩ።

ናይ መንግስታት ጻዕሪ ሕጂ እውን ዘይጽኑዕ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ካብ ናይ 2015 ዓ.ም. ውዕሊ ፓሪስ ካሳብ ሎሚ መግስታት ሃገራት ዓለም ኣብዚ ዋዕላ’ዚ እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተበጽሔ ስምምዕ ንምትግባር ዝግበር ጻዕሪ ዘይጽኑዕን ካብቲ ክብጻሕ ዝተኣመተ ሸቶ ኣዚዩ ዝረሓቐ ብምዃኑ ነቲ ናይ ፓሪስ ውዕሊ ንምትግባር ናይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ውጽኢታቱ ከስተንትኑ ሓደራ ይብሉ።  ናይ 21 ዘመን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ብከላ ኪደት ተሓታቲ እየ ብምባሉ ክዝከር ግድን እዩ፡ መፍትሒ ንምኽዋን ግዜ ኣሎና፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዕንወት ቅድሚ ምህዳራውን ሰብኣውን ስነ ምግባራውን ማሕበራውን ይዅን ክፍታሕ ዘለዎ እዩ፡

ምኹስካስ ዘድልዮም ሰለስተ ግብረ ገባውያን ጽፈታት

ክሕደስ ዘለዎ፡ ናይ ኣህላኽነትን ምህርታማነትን ኣገባብ እዩ፡ ናይ ሕንጸት ከይድታትን ካልእ ዓይነት ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንሰላምን ንማዕቅን ሰብኣዊ ክብሪ ምግልጋል ዝብል መደብ ልምዓት ምንቕቓሕ የድሊ፡ አዚ ዕማማዚ እምበኣር ሰለስተ ክኽስኰሱ ዝግብኦም ግብረ ገባውያን ጽፈታት ኣገደስቲ ይዀኑ፡ ንሳቶም ከኣ ቅንዕናን ትብዓትን ሓላፍነትን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ንውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብቕንዕናን ትብዓትን ሓላፍነትን ምዕያይ
24 September 2019, 16:10