ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ሞሪሸስ፥ ብዙሕ ልሳን ዘለኩም ኢኻትኩም፡ ልሳን ወንጌል ግን ፍቕሪ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ዕለት 4 መስከረም ዝጅምርዎ ኣብ ሞዛምቢክን ሞሪሸስን ማዳጋስካን ዘካየድዎ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሃገርን ሕዝብን ሞሪሸስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣብ መንጐ ሕዝብኹም ወንጌል ናይ ምብሳር ዓቢይ ሓሴት ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡ ሃገረ ሞሪሸስ ብህብረ ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ኣገባባት ዝተዓደለት ምዃና የመላኽቱ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሞሪሸስ ብዘካይድዎ ዑደት ዝጠቓለል ከምዝኸውን ዘኪሮም፡ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ድሕሪ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 9 መስከረም ኣብ ሃገረ ሞሪሸስ ዋና ከተማ ፖርት ልዊስ ክኣውትዉ መደብ ከምዘሎን፡ በዚ ምኽንያት ናብ ህዝብን ሃገርን ሞሪሸስ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሞሪሸሳውያን

ናብታ ውቅብትን ጽብቕትን ደሴት ሞሪሸስ ዝበጽሓሉ ዕለት ተቓሪቡ ኣሎ፡ በዚ ምኽንያት ድሮ ፈታው ሰላምታይ አቕርበልኩም፡ ብርግጽ ካብ ነዊሕ እዋን ምሳኻትኩም ንኽራኸብ ብዘሎኒ ድላይ ምኽንያት ንዘካይዶ ምብጻሕ ስለ እተሳልጥዎ ምድላዋት ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ የቐንየለይ ክብለኩም እፈቱ።

ኣብ መንጐ እቲ ብህብረ ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ዝተዓደለ ህዝቢ ሞሪሸስ ተረኺበ ወንጌልንኸበስር ዓቢይ ሓጐስ ከምዝኸውንን ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣናስራ ናብ ሕዝብታትን ዝተላእከትን ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ልሳን እትዛረብን እያ፡ ከምእተፈልጥዎ ናይ ወንጌል ቋንቋ ፍቕሪ እዩ፡ ብኣማላድነት ቅድስተን ድንግል ማርያም፡ ኩሉ ብውዕዉዕ ፍቕሪ ንኸስተውዕሎን ሓንጐፋይ ቢሉ ንኽቕበሎ ጐይታ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ወንጌል እዚ ንኸበስር የብቅዓኒ፡ ሓደራ ኣብዘን መዓልታት ጸሎትኵም ንኸተበርትዑ እላበው፡ ኣብ ልበይ ኢኻትኩም፡ የቐንየለይ ብሰላም የራኽበና!

ቢሎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ሞሪሸስ
03 September 2019, 17:32