መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ጴጥሮስ ኣብ ጐድኒ ቅድስ እንድሪያ መታን ክኸውን መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ጴጥሮስ ኣብ ጐድኒ ቅድስ እንድሪያ መታን ክኸውን 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ጴጥሮስ ኣብ ጐድኒ ቅድስ እንድሪያ መታን ክኸውን

ኣብ 1952 ዓ.ም. ጴጥሮስ ኣብዚ ኣሎ ዝብል ብግሪክ ቋንቋ ዝተጻሕፎ መትሓዚ ዓጽም እውን ተለልዩ ከምእተረኸበ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍሊ ቅዱሳት ትሩፋት (ቅዱስ ዓጽም) ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም ብምኽንያ በዓለ ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ከምዝለገሱን፡ ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. እዚ ናይቲ ገጸ በረከት ክፍሊ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽንያት ንበርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ  መልእኽቲ ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ረዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣለሳንድሮ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቅርዓት ነሮነ ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበለ ባህሊ ክርስትና ይትርዀ፡ ኣብቲ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተሓነጸሉ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር ስፍራ እውን ከም እተቐበረን እቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መቓብር ስፍራ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ መስሕብ መንፈሳውያን ነጋዶ ከምዝዀነን፡ በዚ ምኽንያት እውን ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ልዕሊ እቲ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክህነጽ ከምዝገበረ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ጠቒሶም ሓቢሮም፡

ኣብ 1939 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 12 ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ ምሕራዮም ኣብ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ስነ ቅርስን ጥንትን ናይ መጽናዕቲ ምርምር ክካየድ ገይሮም ኣብቲ ትሕቲ መሬት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መቓብር ምስ ተረኽበ ኣብ 1952 ዓ.ም. ጴጥሮስ ኣብዚ ኣሎ ዝብል ብግሪክ ቋንቋ ዝተጻሕፎ መትሓዚ ዓጽም እውን ተለልዩ ከምእተረኸበን፡ እቲ ጽሑፍ እቲ ሳጹን ዝሓዞ ዓጽም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ከምዘረጋገጸን፡ ሎሚ እዚ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር ስፍራ ከምእተነብረ ኣብ መልእኽቶም ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ትሽዓተ ዝተኽፍለ ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ናይ ግሊ ቤተ ጸሎት ክንበር ከምዝገበሩን ሓደ ክፋል ካብቲ ዓጽም ንፍቕርቲ ሓብቲ ቤተ ክርስቲያን ቁስጥንጥንያ ክልግስ ድላይ ከምዝሓደሮም እውን ገሊጾም፡ እቲ ንሓድነት ዝኣመተ ኣብ መንጐ ናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝካየድ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘበራትዕን  ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ክሊቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ እንድሪያስን ናይ ቅዱስ ጴጥሮን ተኸተልቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዘበገስዎ ናይ ሓባር ጉዕዞ  ዘለዎ ጽንዓትን ምዕባለታቱን ኣፍልጦ ብምሃብ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከምዝሓበሩ የመልክቱ።

እቲ ፓሪያርክ ኣታናጎራ ዘቁስጥንጥንያ ንጳውሎስ ሻድሻይ ዝለገስዎ፡ ክልተ ቅዱሳት ኣሕዋት ጴጥሮስን እንድሪያስን ተሓቛቝይፎም ዘርእይ ቅዱስ ምስሊ፡ ካብ ናይ ደም ሕውነት ክንየው ናይ እምነትን ንኽርስቶስ ዘለዎም ፍቕሪ ዝምስክር እዩ፡ እቲ ምስሊ እዚ ናይ ቁስጥንጥናያን ናይ ሮማን ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ተኸተልቲ ቅዱስ እንድሪያስን ቅዱስ ጴጥሮስን ዝውክልን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ዘመላኽት ብምዃኑ፡ እቲ ንውህደት ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ጭቡጥ ንኽኸውን ምእንቲ እዚ ስለ እነዕርጐ ጸሎትን ንእነካይዶ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዳግም ክሕደስ ዝብል ነመቢያዊ ምልክታ እዩ እንክብሉ መእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ጴጥሮስ ኣብ ጐድኒ ቅድስ እንድሪያ መታን ክኸውን
13 September 2019, 19:29