ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ዘይበርስ እግዚኣብሔር ዝኸተሞ ጥራሕ እዩ

ገማልኤል፡ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ንቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዘበስሩ ንዝነበሩ ጴጥሮስን ንሓዋርያትን ጠበቓ ኰይኑ ከምዝቖመ

ትብዓትን ጽንዓትን ናይ ሓዋርያት እቲ ሎሚ ኣብ ናይ ደም ሰማዕትነት እውን ጽንዓትን ሓይልን ዝዀነ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 18 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፡ ኣብ ታሪኽ ስጉምቲ እግዚኣብሔር ንምልላይ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል ወሳኒ ኣዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእክል ከምዝገበሩ፡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣሞርኵይዞም ዘቕርብዎ ዘለዉ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስዒቦም፡ ሎሚ ዕለት 18 መስከረም 2019 ዓ.ም. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓትት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 34-35፡ ካብ ፍቕዲ 38-39

ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡ በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። ….  ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ።

እዚ ብዛዕባ እቲ ናይ ምልልያ ጸጋ ዝተዓደለ ፈሪሳዊ ገማልኤል፡ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ንቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዘበስሩ ንዝነበሩ ጴጥሮስን ንሓዋርያትን ጠበቓ ኰይኑ ከምዝቖመ ዝገልጽ ምንባብ ኣማእኪሎም፥

ቃል ኪዳን ምስ መንፈስ ቅዱስ

ሓዋርያት ስብከተ ወንጌል ከይፍጽሙ ኣይሁዳውያን ንዘቆምዎ ከልካሊ ውሳኔ ከይፈርሑ ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ምስ መንፈስ ቅዱስ ብዘቖምዎ ቃል ኪዳን ተበራቲዕም ኣንሕናን መንፈስ ቅዱስን፡ መንፈስ ቅዱስን ኣንሕናን ክሳብ ዝብል ዓይነት ኣገላልጻ ንኽጥቀሙ ብርታዔ ዝሓደሮም።

ዘገርም ብርታዔ ዝሓደሮም፡ ምልስ ቢልና ፈራሓት ከምዝነበሩ ንዘክር፡ ኢየሱስ ብኣኽበርቲ ሕጊ ክተሓዝ እንከሎ ዝሃደሙ፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብ ቦጅባጃት ምንባሮም ናብ ተበዓት ይቕየሩ፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ዝዀነ? መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ስለ ዝነበረ እዩ፡ ልክዕ ከምኣቶም ኣባና እውን ከምኡ ይፍጸም፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብና እንተሎ ንቕድሚት ከነብል ትብዓት ዘለዎም ንኸውን፡ ቃልስታት ሰዓርቲ ንኸውን፡ ብኣና ዘይኰነስ ኣብ መንፈስ ቅዱስ፡

ትብዓት ናይ ሎሚ መሰኻኽር

እቲ ንሓዋርያት ትብዓት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ሎሚ እውን ናይ ብዙሓት ሰማእታት እምነት ትብዓት ካብኡ ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ፥

ሰማእታት እምነት ሕይወቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ እያቶም፡ ክርስቲያን ምዃኖም ዘይሓብኡ፡ ንድሕሪት ምልስ ቢልና ዝሓለፉ ዓመታት ንዘክር፡ እርባዕተ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ንበል እሞ፡ እቶም ኣብ ገማግም ባሕረ ሊቢያ ዝተቐትሉ ምእመናን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንዘክር፡ ኵሎም ተሰይፎም፡ ክቕተሉ እንከለዉ ዘቃልሕዎ ዝነበረ ቃል፡ እየሱስ ኢየሱስ ዝብል ከምዝነበረ እውን ይንገር፡ እምነቶም ንዋጋ ዕዳጋ ዘየውረዱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ዝለ ዝነበረ፡

ክታም እግዚኣብሔር ዘለዎ ጥራሕ እዩ ናባሪ

ናይ ሓዋርያት ትብዓት እቲ ናይቲ እዋን ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ስርዓተ ሃይማኖት የናውጽ፡ ጐነጻዊ ቍጣኤ እውን የህልው፡ ሎሚ ኣውን ኣብቶም ጸረ እምነት ክርስትና ጐስጓስን ውግኣትን ኣብ ኦዘካይዱ ዝረአይ እዩ፡ ኣብ መንጐ እቶም ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ሊቀ ካህናትን ገማልኤል፡ ንብጾቱ ሊቀ ካህናት ልልያ ክገብሩ ይምዕዶም፡ … እቲ ኵሉ ካብ ላዕሊ ዝነቕል እቲ ዘይበርስ ናይ እግዚኣብሔር ክታም ዘለዎ እዩ።

መደባት ሰብ በራሲ እዩ፡ ከማና ብህርመት ግዜ ዝተወሰነ እዩ፡ ናይ ፖለቲካ ውጥናት ሕስብ እሞ ኣብሉ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርአይ፡ ስልጣናት መንግስታትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበሩ ምልካውያን ሕስብ እሞ ነብል፡ ኵሉ ጠፊኡን በሪሱን እዩ፡ እግዚኣብሔር ምሳኦም እንተድኣ ዘየለ ወደቕቲ እያቶም፡ ስለምታይ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ሓይሊ ነባሪ ኣይኰነን፡ እቲ ነባሪ ሓይሊ እግዚኣብሔር እዩ።

ሓጢኣትን ማእለያ ዘይብሎም ዕንቅፋትን ብዘየገድስ ናይ ቤት ክርስቲያን ታሪኽ እሞ ንርአይ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣይዓነወትን፡ ኣንሕና ሓጥኣን ኢና፡ ብዙሕ ግዜ እውን ዕንቅፋት ኰይንና ንርከብ፡ እግዚኣብሔር ግና ኣይሓደገናን፡ ምሳና ኣሎ፡ ንዓና የድሕን ንኻልኦት እውን፡ ወትሩ ዘድሕን ኣምላኽ።

ናይ እግዚኣብሔር ምልክታ ናይ ምልላይ ጸጋ ንለምን

ገማልኤል ሊቀ ካህናት ንሓዋርያት ንኸየሳድድዎም ንኸስተውዕሉ መታን ለብዉ ይብሎም፡ ምስ ሓዋርያት ዝቃለሱ መሲልዎም ምስ እግዚኣብሔር መታን ኸይጓነጹ፡ “እቶም ናይ ኢይሱስ ናዝራዊ ደቀ መዝሙር እቲ ዝፍጽምዎ ካብ ሰብ እንተድኣ ኰይኑ ምፍራሱ ዘይተርፎን፡ ዕጫኦም ኣውን ባዶነት እዩ ዝኽውን”  ቢሉ ይምዓዶም፡  እዘን እርሒቐን ዘማዕድዋ ቃላቱ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ናይ ወንጌል ሰናይ መምዘኒ ዝሕብራ እያተን፡ ሓደ ጥዑይ ኦም ካብ ፍሪኡ ከምዝበሃል፡ ኵላትና መንፈስ ቅዱስ ናይ ልልያ ጸጋ ክጽግወና ንለምኖ ቢሎም፡

ናይ እግዚኣብሔር ክታም ኣብ ታሪኽን ኣብቶም ኣብ ጥቓና ኣብ ዘለዉ ወጅሂ ብምልላይ ወትሩ ናይ ምድሓን ታሪኽ ንኸነማዕድው ኣብቅዓና ንበሎ፡  

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስትምህሮ ትምህርት ክርስቶስ ከምዝዛዘሙ ማሶቲ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ዘይበርስ እግዚኣብሔር ዝኸተሞ ጥራሕ እዩ
18 September 2019, 18:27