BELARUS-HISTORY-RIGHTS-CRIME BELARUS-HISTORY-RIGHTS-CRIME 

ምስ ተኸተልቲ እምነት መቶዲስት ሓቢርና ንስለ ውጹዓትን ድኻታትን ክንሰርሕ ንኽእል ኢና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ`ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ፐሊቸ ከተማ ቶሪኖ ዝካየድ ናብ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን መቶድስትን ቫልደንሲያንን መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ከተማ ቶሪኖ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ናይ ኣብያተ ክርስትያን መቶድስትን ቫልስደንስያንን ኣመልኪቶም ኣብ ጸሎቶም ብምዝካር፡ እቲ ሕያው ዝኾነ ተመኩሮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ንውሽጦም ብምሕዳስ፡ ሓይሊ ሂቡ ንክርስትያናዊ ምስክርነት ስንድዋት ክገብሮም ጸልዮም። ምስኡ ኣተሓሒዞም እውን፡ ነቲ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዝዓለመ ተበግስኦም ብምምጓስ፡ ንዝበለጸ ክርስትያናዊ ሕብረት ምስኦም ሓቢሮም ከምዝጽልዩ ኣብ ዝሰደድሎም መልእኽቲ ኣረጋጊጾም።

ብተወሳኺ ቅድስነቶም ኣብ’ቲ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይ ሓቀይና ምስክርነት ክርስቶስን ወንጌልን ኣተኲሮም ብምዝራብ፡ ኣብ ሕድሕዳዊ ርድኢትን ፍልጠትን ዝተሰረተ፡ ብሓባራዊ ተወፋይነትን ምትሕግጋዝን ንክርስቶስን ወንጌሉን ክንምስክር ጽውዓት ከምዝኾና ብምግንዛብ፡ እዚ ክዉን ዝኸውን ከኣ ብስሙር ዝኾነ ሓባራዊ ሓሳብን ዕዮን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ቅድስነቶም ንተሳተፍቲ`ቲ ጉባኤ ቡራኬ ቅድሚ ምሃብ ንተመኩሮ ናይ ሓዋርያት ኣልዒሎም ‘ከም`ቲ ሓዋርያት ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ጎድኒ ድኹማትን ድኻታትን ብምዃን፡ ንስለ ፍትሕን ሰላምን ዝዓዩ ዝነበሩ፡ ንሕና`ውን ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ቅዱስ ስራሕ፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዓትን ድኻታትን ብምቛም፡ ሓቢርና ንፍትሕን ርትዕን ክንዓይዪ ኣሎና’ ኢሎም።

ቤተክርስትያን ቫልደሲያን ቅድሚ ምሕዳስ ፕሮተስታንት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ካብ 1975 ጀሚራ ምስ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን መቶድስት ብምሕባር ትጓዓዝ ከምዘላ እንክፍለጥ፡ ኣስታት 50,000 ተኸተልታ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ኮይኖም፡ ዝበዝሑ ግን ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲናን ፓራጉዋይን ከምዝነብሩ ተፈሊጡ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ጉባኤ፡ ብኣምብሮ ኢድ ዝተሰነየ ኣምልኾኣዊ ኣገልግሎት ናይ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ናብ ኣገልግሎት ክወፍሩ ዝሰናደዉ ኣገልገልቲ ከምዝጀመረ እንክንገር፡ እቲ ስርዓተ-ኣምብሮ ኢድ፡ ድሕሪ መርመራ ብቕዓቶምን፡ ንኣገልግሎት ሕዝቢ ዝኣተዉዎ ቃልን ስዒቡ ኣብ ልዕሌኦም ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ።

ኣብ`ቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ናይ`ዚ ዓመት ብዙሓት ኣገድስቲ ዛዕባታት ከምዘጠቓልል እንክፍለጥ፡ ገለ ካብኣቶም ከኣ ከም ነጻነት ሃይማኖት፡ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ፡ ማሕበራውን ማሕበረ ሰብኣውን ዕዮታት፡ ዓለም ለኻዊ ኣገልግሎት፡ መሰል ወድ-ሰብ፡ ናይ ሕጅን መጻእን ምሁር ወለዶ፡ ደቀባት ኣብያተ ክርስትያን፡ ሓድነት ክርስትያን ከምኡ`ውን ዝርርብ ሓድነት ክርስትያን ዝኣመሰሉ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ’ቲ ጉባኤ፡ ንኤውጀንዮ በርናርዲኒ ተኪኡ ንኣብያተ ከርስትያን መቶድስትን ቫልደስያንን ብምውካል ኣብ (Waldensian Table) ማለት ኣብ ጉባኤ ቫልደንሳውያን ክመርሕ ዘለዎ ሓድሽ ኣውሃሃዲ ክመርጹ ከምዝኾኑ እንክሕበር፡ እቲ ዝምረጽ ወኪል ኣብ ጉዳያት ርክብ ምስ መንግስትን፡ ሓድነታውያን ተቍዋማትን ኣተኲሩ ከሰርሕ ከምዝኾነ ተሓሓቢሩ።

ብድምጺ ንምክትታል
26 August 2019, 18:28