VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE-EUROMOOT VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE-EUROMOOT 

አመና ተነጽሎን ዘይቅርዑይ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳትን ናብ ውግእ የምርሕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ‘ላ እስታምፓ ቫቲካን ኢንሳይደር’ ዝበሃል ዕለታዊ ጋዜጣ ዓዲጣልያን ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለምልልስ ‘ኤውሮጳ ናብ ገዛእ ርእሳ ከይተዓጽወት ክብሪ ካልኦት ከተኽብር ኣለዋ።’ ድሕሪ ቢሎም ብዛዕባ ፖሎቲካን ስደተኛታትን ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣማዞንን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣከባብን ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያንን ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ንኣካይዳ ክፍለ-ዓለም ኤውሮጳ ኣመልኪቶም፣ ኤውሮጳ ነቲ ክጠፍእ ዘይክእል ውርሻ ናይ ሕሉፍ ወለዶ ኣካይዳን ኣመራርሓን ከይጠፍእ ብምዕቃብ፣ ኣብ ናይ ገዛእ ረእሳ መንነት ናይ ክርስትያናውን ሰብኣውን ክብርታት ዝተሰረተ፣ ናይ ምስማዕን ምዝርራብን መንፈስን ባህልን ክተጥሪ ኣለዋ ኢሎም። እዚ መንፈስ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ እዚ መንፈስ እዚ ካብ ዝምቡዕን መጠኑ ዝሓለፈ ልዑላውነትን ህቡብነትን ኣድሒኑ፣ ናብ ናይ ቀጻሊ ምዕባለን ብልጽግናን ጎደና ዝመርሕ እዩ፡ እንክብሉ ምስ በዓል ሞያን ኣወሃሃድን ናይ ላ እስታምፓ ቫቲካን ኢንሳይደር ዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ዓዲጣልያን ዶመኒኮ ኣጋሶ፣ ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለምልልስ ገሊጾም።

ኤውሮጳን መስረታ ዝኾኑ ኣቦታትን

ቅድስነቶም ነቲ ኣብ መስረቲ ኣቦታት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዝነበረን፣ ኣብ ታሪኽን ባህልን ዝተሰረተን፣ ብጂኦግርፍያዊ ሓድነት ዝልለ፣ ክፍሊ ዓለም ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ እዚ ዓቢ ራእን ሕልምን ናይ መስረቲ ብምዕቃብ፣ ንቕድሚት ክስጉም ተስፋ እገብር ኢሎም።

ቅድስነቶም፣ ንህሉው ኩነታት ናይ ዞባ ኤውሮጳ ኣመልኪቶም፣ ሽሕ’ኳ ናይ ምምሕዳር ሽግርን፣ ውሽጣዊ ዘይምስምማዕን እንተሎ፣ ብኣወንታዊ ዓይኒ ብምጥማት፣ ንናይ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ከም ፕረሲደንት ናይ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ኮይነን ብምስያመን፣ ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን፣ ንዘለወን ፍሉይ ሂያብ ናይ ደቀንስትዮ ብምጥቃም፣ ነቲ ካብ ኣቦታት ዝተወርሰ መሰረታዊ ራኢ ናይ ሕብረትን ሓድነትን ዳግም ከሓድስኦን ከዕብይኦን ከምዝኽእላ ኣገንዚቦም።

ኣብ ሰብኣውን ክርስትያናውን ክብርታት ዝተሰረተት ኤውሮጳ

ቅድስነቶም እንደገና ንህሉው ኩነታት ናይ ኤውሮጳ ብምምልካት፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ብድሆ፣ ቅንዕና ዘልዎ ናብ ምርድዳእ ዝመርሕ ዝርርብ ምጒዳሉ ከምዝኾነ ሓብሪሮም። እቲ እንኮ መፍትሒ ናይዚ ብድሆ ኸኣ፣ ኣብ ሕድሕዳዊ ምፍላጥ ዝተሰረተ ዝርርብን ዘተን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ እንክኸውን፣ ብድሕሪ መጋረጃ ንኤውሮጳ ቀዳምነት ዝህብ ኣተሓሳስባ ክህሉ ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ብምውጻእ፣ ንካልኦት ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ባህሊ ብምጥራይ፣ ነቲ ኣብ ሰብኣውን ክርስትያናውን ክብርታት ዝተሰረተ ኤውሮጳ፣ ማለት ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ተመሳሳሊ መሰረታውያን ክብረታት ከምዘለዎም ተረዲእና፣ ብሓባር ክንዓብን ሓድነትና ከነደልድልን ይግባእ ኢሎም።

ንዝርርብ ክፉት ዝኾነ መንነት

ቅድስነቶም ንመንነት ናይ ሰብ ኣመልኪቶም፣ ኩሉ ሰብ ክቡር’ዩ፣ ዋላ ሓደ ከም ካልኣዊ ወይ ዘይጠቅም ክሕሰብ ወይ ክውሰድ ኣይግባእን። ስለ’ዚ ኣብ ኩሉ ምስ ካልኦት እንገብሮ ዝርርብ ካብ መንነትና ክንብገስ ግድንን ቅኑዕን ኢዩ።

ንኣብነት ይብሉ ንሶም ‘ኣነ ከም ካቶሊክ፣ ምስ ካልኦት ሓድነት ክምስርት እንተኾይነ፣ ካብቲ ካቶሊካዊ መንነተይ ክብገስ ይግባእ፣ እቲ ምሳይ ንሓድነት ዝቐርብ ኦርቶዶክስ ወይ ፕሮተስታንት ከኣ ብወገኖም ካብ’ቲ ናታቶም ናይ ኦርቶዶክስ ወይ ፕሮተስታንት መንነት ክብገሱ ይግባእ’ ብምባል ናይ ዝኾነ ይኹን መንነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣተወ፣ ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ነጥብታት ሓድነት ምግባር ከምዝከኣል ኣገንዚቦም።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፣ እቲ ክንጥንቀቐሉን ክነወግዶን ዝግበኣና፣ ኣብ መጠኑ ዝሓለፈ ኣጋንኖ ናይ መንነት ተሰሪትካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተሓጺርካ ምትራፍን፣ ንኻልኦት ቦታ ዘይምሃብን ኢዩ ኢሎም። መንነት ዝበሃል ንባህሊ፣ ንሃገራውነት፣ ንታሪኻውን ስነጥበባውን ሃብቲ ዝኣመሰሉ ዘመልክት ኮይኑ፣ ነፍስ ወከፈን ሃገራት፣ ነናይገዝእ ርእሰን መግለጺ መንነት ከምዘለወን ብምግላጽ፣ ነናይ ገዛእርእሰን መንነት ሒዘን፣ ብኽፉት መንፈስ ንዘተን ዝርርብን ብምቅራብ፣ ብጽቡቕ ናይ ሓድሕዳዊ መንነት ክመላልኣ ይግባእ ኢሎም።

ቅድስነቶም ካብ ሓድነት ንዝርከብ ረብሓ ኣመልኪቶም፣ ‘እቲ ምሉእ ካብ’ቲ ክፋል ይዓቢ’፣ ግሎባላዊ ሓድነት ማለት፣ ንዘለካ ምስ ናይ ካልኦት ብምድብላቕ ዝነበረካ ምጥፋእ ዘይኮነ፣ ንዘሎካ ዓቂብካ ምስ ካልኦት ሓድነት ምግባር ኮይኑ፣ እንትርፎ መኽሰብ ክሳራ ከምዘይብሉ ኣረዲኦም።

ልዕሊ መጠን ልዑላውነትን ህቡብነትን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ፣ ንልዑላውነት ናይ ሃገር ኣመልኪቶም፣  ንመጠኑ ዝሓለፈ ልዑላውነት ናይ ሓደ ሃገር ምሕሳብን ምስራሕን፣ ናብ 1934 ናይ ሂትለር ‘ንሕና’ ዝብል ኣተሓሳስባ መሊሱ፣ ናብ ምዕጻውን ተነጽሎን ናይ ሃገር ብምምራሕ፣ ናብ ኲናትን ዕንወትን ናይ ገዛእ ሕዝብኻን ካልኦትን ከምዘስዕብ ተረዲእና፣ ነቲ ቅኑዕ ናብ ሓድነትን ምዕባለን ጎደና ዝወስድ ኣመላኻኽታ ናይ ልዑላውንት ምዕቃብን ምትብባዕን የድሊ። ሓድነት ናይ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ክዕቀብን ክተባባዕን ኣለዎ ኢሎም። ቀጺሎም’ውን ህቡብነት ናብ መጠኑ ዝሓለፈ ልዑላውነት ዝወስድ ኣተናዊ ዝምባሌ ከምዝኾነ ተረዲእና ከነወግዶ ይግባእ’ውን ኢሎም።

ስደተይናታት ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም

ቅድስነቶም ንኹነታት ስደተይናታት ኣልዒሎም፣ ኣብ 4 ዛዕባታት ኣተኲሮም ማለት፣ ኣብ ምቕባል፣ ምስናይ፣ ምትብባዕ ከምኡ’ውን ምውህሃድ ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስትታት ገሊጾም።

ካብዞም ኩሎም እቲ ዝዓበየ ናይ ምንባር መሰል ኮይኑ፣ ምስ ካብ ከም ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝኣመሰሉ ቦታታት፣ ካብ ኲናትን ጥምየትን ሃዲሞም ሕይወቶም ንምድሓን ንዝመጹ ግቡእ መሰሎም ንምርካብ ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስታትን ብምዕሩይ ምቅርሐ ዝግብኦም ክወስዱ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ብሓላፍነት ዝስራሕ ኮይኑ፣ ብሓደ ወገን ስደተይናታት መሰሎም ይረኽቡ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፣ ነቲ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ሕዝቢ ናይ ኤውሮጳ ብምትካእ፣ ነቲ ሃጓፍ ናይ ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዝንቀሳቐስ ብምግባር ኣብ ምዕባይ ቁጠባ ናይተን ሃገራት ከበርክቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

ንጉዳይ ኲናት ኣመልኪቶም’ውን ኩልና ገዛእ ርእስና ብምውፋይ ንሰላም ክንቃለስ ኣሎና፣ ድሕሪ’ሎም ነቲ ከም መርገም ዕጫ ናይ ምዝመዛ ዝተፈርደላ ክፍሊ-ዓለም ኮይና እትፍለጥ ኣፍሪቃ፣ ብፍሉይ ጠመተ ተራእያ፣ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሽግራት ንምፍታሕ ወፍሪ ብምግባር፣ ኣብ ሃገሮም ንምንባር ዝሕግዞም ዕድላት ክኽፈተሎም ኣለዎ ኢሎም።

ሕጹጽ ናይ ኣማዞን ሲኖዶስ

ብዛዕባ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2019ዓምፈ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ናይ ኣማዞን ሲኖዶስ ኣመሊኪቶም፣ እቲ ዛዕባ ከም መቐጸልታ ናይ ላውዳቶሲ (Laudato Si) ዝብል ዓዋዲ መልእኽቶም ከምዝኾነን፣ እቲ ሰነድ ንርእሱ ልሙዕ ሰንድ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልሙዕ ክውንነት ናይ ምዕቃብ ተፈጥሮ ዝተሰረተ ሕብረተ-ሰብኣዊ ሰነድ ኢዩ ኢሎም።

ቅድስነቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 29 ሓምለ፣ ብዛዕባ ሃልኪ ልዕሊ ዓቕሚ መሬት (Earth OverShoot Day) ዝተዘርግሐ ሓቤሬታ ኣዝዮም ክምዝሰንበዱ ብምግላጽ፣ በቲ ዝተገልጸ ሓቤሬታ መሰረት፣ ደቂ ሰባት ነቲ ክትካእ ዝኽእል ባህርያዊ ሃብቲ ናይ’ዚ ዓመት ድሮ ክምዝወድእዎ፣ ብተወሳኺ’ውን ቅልጡፍ ምምካኽ ናይ ኣብ ንፍቀክቢ ዝርከብ በረድ፣ ምውሳኽ ማይ ውቅያኖሳት፣ ፕላስትካዊ ብከላ ባሕርታት፣ ምብራስ ኣግራብ ከምኡ’ውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ንዓለምና ኣብ ሓደጋ ዘእትውዋ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ዝግበር ሲኖዶስ ናይ ህጹጽ ሲኖዶስ ከምዝኸውን ሓቢሮም፣

ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ሲኖዶስ ስብከተ-ወንጌል ሲኖዶስ

እቲ ዝግበር ሲኖዶስ ብተመራመርቲ ስነፍልጠትን፣ ፖሎቲካውያንን ፓርላማን ዘይኮነ፣ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዕላማ ዝገበረ ብቤተከስትያን ዝካይድ ኮይኑ፣ ኣብ ኣገልግሎት ስብከተወንጌልን ዝተፋላለዩ ዓይነታት ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ፣ ብመንፈስቅዱስ ዝተማእከለ ሓባራዊ ስራሕ ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ኣማዞን ሕመረት መጻኢ ናይ ፕላኔትና ኢዩ

ቅድስነቶም ነዚ ቦታ ከም ዛዕባ ሲኖዶሶም ዝመረጽሉ ምኽንያት፣ እቲ ቦታ ን 9 ሃገራት ዘካተተ ስለዝኾነ፣ ምስ ውቅያኖሳት ተደሚሩ፣ ንኻልኦት ዝተረፉ ቦታታት ብዝበልጸ ክውክለና ስለዝኽእልን፣ ኣብ ዓለምና ወሳኒ ተራ ስለዘለዎን ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ እቲ ዝበዝሐ እነተንፍሶ ኦክስጅን ዓለምና ካብኡ ከምዝመጽእን፣ ነዚ ምብራስ ማለት ከኣ ንደቂሰባት ምቅታል ማለት ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ። 

ፖሎቲካ

ብዛዕባ ፖሎቲካ ብዝተሓተትሉ ቅድስነቶም፣ ኣብ ሕዝብን ቦታታትን ዓለምና ዝኽሰቱ ሽግራት ብሰንኪ ካብ ዓብለልቲ ሕብረተሰባት ዓለምና ዝመጹ ናይ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ጥቅምታት ከምዝኾኑ ብምግላጽ፣ ንብልሽውናን ዘይምዕሩይ ኣካይዳን ወጊድ ብምባል፣ ዝግባእ ግብራዊ ሓላፍነት ብምስካም ከም ኣብ ቃልዕን ክፉትን ዝግበሩ ዕደናዊ ንጥፈታት ብከላ ማያዊ ክፍልን ካልእ ሕማማት ከስዕቡ ካብ ዝኽእሉን ምጥንቅቕ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ንኡስ ወለዶ ዘሎ ተስፋ

ቅድስነቶም ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ንኡስ ወለዶ ዘለዎም ተኣማማንነት ብምግላጽ፣ በቲ ኣብ ምዕቃብ ተፈጥሮ ዘለዎም ሓድሽ ዝምባሌን ምንቅስቓስን ብምንኣድ፣ ነቲ ከም ግረታ ቱምበርግ ዝተባህለት ንጥፍቲ ስዊዲናዊት መንእሰይ ዝተመርሐ፣ ኣንጻር ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዝቕንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘመጎሱን፣ በቲ ንሳ ‘ንሕና መጻኢ ኢና’ ዝበለቶ ጭርሖ`ውን ከምዝተሓጎሱን ብምግላጽ፣ ነቶም ንባህልና ዝትንክፉ፣ ኣብ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና እንፍጽሞም ናእሽቱ ግብራውያን ነገራት ብምስትውዓል ክንገብሮም ይግባእ ብምባል መግለጺኦም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 August 2019, 18:14