ክርስትያን ዘቦኡ ወትሩ ንቅድሚት ይግስግስ! ር.ሊ.ጳ ንኮንገረስ ስብከተወንጌል ኢንዶነሽያ

ካብ ሎሚ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ ዝመጽእ ዕለት 4 ነሐሰ ኣብ ሃገረ ኢንዶነሽያ ኣብ ከተማ ጃካርታ ‘ዝተጠምቁን ዝተላእኩን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኮንግረስ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይካየድ ስለዘሎ ቅዱስነቶም ነዚኦም እውን መልእኽቲ ርእየት ማለት ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

አባ መኰንን አማኑኤል  - ከተማ ቫቲካን

ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእየት ወይ ቪድዮ ቅዱስነቶም ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

‘ኣብዚ ሃገራዊ ኮንግረስ እዚ ትሳተፉ ዘሎኹም ንዓኹም ንኩሉኹም ዝብሎ! ነታ ‘ዝተጠምቁን ዝተላእኩን’ ትብል መሪሕ ቃልኩም ኣጸቢቅኩም ኣስተንትንዋ። ምስ ተጠመቅና መንፈስ ቅዱስ ንቅበል እዚ ከኣ ዓቢ መዝገብ ወይ ሃብቲ ኮይኑ ነቲ ኣብ ውሽጥና ንዘለዓለም ዝነብር ወንጌል መልእኽቲ ኢየሱስ ንቅበል። ሓደ ሰብ ጽብቅቲ ነገር እንተወኒኑን ብኣኣ ሕጉስን ሕቡንን እንተዀይኑን ንቅድሚት ከሰጒማን ምስ ካልኦት ንክካፈላን ዓቢ ስምዒት ይስምዖ። ዝተጠምቀን ዝተላእከን ዝብላ ክልተ ጉዳያት ናይዚ ኮንግረስ ቀንዲ መሪሕ ኰይነን ክሳብ ፍጻሜ ከብጽሓኦ ኣለወን። ንጥምቀተይ ብከመይ እነብሮ ኣሎኹ! ኣብ ግላዊ ሕይወተይስ ይኹን ከም መባዅዕቲ ኮይኑ ከገልግሎ ኣብ ዘሎኒ ኅብረተሰብን ንመልእኽቲ ኢየሱስ ንቅድሚት ከገስግስዶ እቃለስ! እወ ዝተጠምቀን ዝተላእከን ፈጺምካ ክርሳዕ ዘይብሉ እዩ። ክርስትያን ወትሩ ንቅድሚት እዩ ዝግስግስ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ንሕና ንድሕሪት ክነዝልቅ ዝተፈጠርና ኣይኮናን። እንታይ ደኣ ወትሩ ንቅድሚት ገጽና ክንግስግስ ዝተፈጠርና ኢና። ክርስትያን ዘቦኡ ወትሩ ንቅድሚት ይግስግስ ትርጉም ዝተላእከ ከኣ እዚ እዩ። ንቅድሚት ገጽና ክንግስግስ ዝደፍኣና ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚኸስ ኣጆኹም ትብዓት ይሃሉኹም ወትሩ ንቅድሚት ገስግሱ ከመይ ዝተጠመቅኩምን ዝተላኣኽኩምን ኢኹም። እኖና ድንግል ማርያም ንክትሕልወኩምን ንቅድሚት ንክትግስግሱ ክትሕግዘኩምን ስለዚ ጉዳይ እዚ ጸልዩ። ንዓይ እውን ጸልዩለይ። ሕጂ ንኩልኹም ቡራኬ ክህበኩም እየ ከኣሊ ኩሉ እግዚአብሔር ይባርኽኩም ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሜን’ ክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

01 August 2019, 15:44