ፍጥረት ብምሉኡ መደብ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ዝቀርብ መደብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ መስከረም ስለ ፍጥረት ኩሉ ብፍላይ ከኣ ስለ ምክልኻል ባሕርታትናን ውቃያኖሳትናን ከምዝኾነ እንክምልከት ‘ዝበዝሐ ክፋል ናይዚኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ይርከቡ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንወርሒ መስከረም ዘቅረብዎ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ይብል። ‘ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ፖሎቲካውያንን ሊቃውንቲ ሳይንስን ሥነ ቊጠባን ኩሎም ሓቢሮም ንምክልኻል ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ምእንቲ ክሰርሑ ንጸሊ።’ ዝብል ሕመረት ዘለዎ ሓሳብ ጸሎት ብቪድዮ ብዝተፈላለየ ቋንቋንታት ተተርጒሙ ተዘርጊሑ።  ቅዱስነቶም ነዙይ ዝበሉሉ ምኽንያት ንምግላጽ ዚኣክል ከኣ ‘ፍጥረት ብሙሉኡ እግዚኣአብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘወፈዮ መደብ ፍቅሩ እዩ። ኰይኑ ግን ሎሚ ከም ሎሚ እተን ዝበዝሐ ማይ ዓለምናና ዝተፈላለዩ እንስሳታትን ሒዞም ዘለው ውቅያኖሳትና ብብዙሕ ምኽንያታት ኣብ ሓደጋ ይርከቡ። ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ዘሎና ተገዳስነትን ሓልዮትን ከኣ ካብ እምነትና እዩ ዝውለድ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

‘ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ፖሎቲካውያንን ሊቃውንቲ ሳይንስን ሥነ ቊጠባን ኩሎም ሓቢሮም ንምክልኻል ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ምእንቲ ክሰርሑ ንጸሊ።’ ዝብል ሕመረት ዘለዎ ሓሳብ ጸሎት ብቪድዮ ብዝተፈላለየ ቋንቋንታት ተተርጒሙ ተዘርጊሑ።  ቅዱስነቶም ነዙይ ዝበሉሉ ምኽንያት ንምግላጽ ዚኣክል ከኣ ‘ፍጥረት ብሙሉኡ እግዚኣአብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘወፈዮ መደብ ፍቅሩ እዩ። ኰይኑ ግን ሎሚ ከም ሎሚ እተን ዝበዝሐ ማይ ዓለምናና ዝተፈላለዩ እንስሳታትን ሒዞም ዘለው ውቅያኖሳትና ብብዙሕ ምኽንያታት ኣብ ሓደጋ ይርከቡ። ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ዘሎና ተገዳስነትን ሓልዮትን ከኣ ካብ እምነትና እዩ ዝውለድ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ቀጻሊ ሓልዮት ር.ሊ.ጳ ንኣከባቢ

ንዓለም ለኸ መርበብ ጸሎት ሓሳብ ር.ሊ.ጳ ዘዋፍሩ ኣብ ፍረደሪክ ፎርኖስ ብዛዕባ ቅዱስነቶም ኣብ ተፈጥሮን ኣከባብን ዘርእይዎ ተገዳስነትን ሓልዮትን እንክገልጹ ዓሚ ከምዛ እዋን ነታ ንላውዳቶ ሲ ትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ስዒባ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ንሓለዋ ፍጥረት ክትከውን ኣብ ዝተወሰነት ዕለት ንሎምዘመን ስለ ማይ ክጽለ ኣብ ርእሲ ምምልካቶም ፍልይ ብዝበለ ከኣ ስለ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ክንጽሊ ሓላፍነት ከምዘሎና ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ዘኪሮም። ኣባ ፍረደሪክ መግልጺኦም ብምቅጻል ቅዱስነቶም ዝጠቅስዎ ዝተሓሳስብ ጉዳይ ፈቀዶኡ ዝጐሓፍ ጎማ ማለት ፕላስቲክ ኰይኑ ቅዱስነቶም ‘ባሕርታትናን ውቅያኖሳትናን ጸብለል ብዝብሉ ጎማታት ክመልኡ ክነፍቅድ ኣይንኽእልን። ነዚ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ጉዳይ ዝተኻእለና ክነበርክት ንጽዋዕ ኣሎና ብክፉት ኣእምሮ ከም ወትሩ ኩሉ ካብ ሓልዮት መለኮታዊ ኣምላኽ ከምዝኾነ ብምምእማን ክንጽሊ ንኩሉ ክነጸብቅ ንኽእል ከኣ ንሕና ምዃና ብምእማን ክንሰርሕ ኣሎና’ ኢሎም ነሮም።

ሰማያዊ ሳንቡእ ዓለምና!

ነቲ ንኣማዞንያ ከም ሳምቡእ ዓለምና ኢሎም ዝገልጽዎ እዚ ከኣ ስለእቲ ዝህቦ ኦክስጅን ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ እውን ፕላንክቶን ዝበሃል ገረብ መሳሊ ከምዘሎን እዚ ከኣ ዳርጋ ንፍርቂ ኦክስጅን ዓለምና ከምዘበርክት ብምግላጽ ምክልኻል ጥዕና ውቅያኖሳትና ምክልኻል ገዛእ ርእስና ከምዝኾነ ገሊጾም።

እቲ ዘሕዝን ግን ዓመት ዓመት ኣብ ውቅያኖሳትና ልዕሊ 8 ሚልዮን ቶን ፕላስቲክ ይጐሓፍ። እዚ ከኣ ንሞትን ሕልቂትና ናይ 100,000 ፍጥረታት ባሕሪ የኸትል። ብፕላስቲክ ኣብ ባሕርታትናን ውቅያኖሳትን ዝግበር ብከላ ንኩሉ ዝለኻኽም ኰይኑ ቅድሚ ዚዓበየ ዕንወት ምብጻሑ ብእዋኑ ክንፍውሶ ሓላፍነት ኩልና ስለዝኾነ ሓባራዊ ራእይ ሒዝና ንሥራሕ ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
31 August 2019, 15:14