ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን

ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን እታ ኣብ ኡክራይን እትርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣጽዲቓን ናታ ገይራ ዝተኸተለቶ ሕያው ቁምስና ምስቲ ህያው ዝዀነ ክርስቶስ ተራኺባን እተራኽብን እያ ዘርእስቱ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጠቒሶም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣባላት ተቐቢሎም፡ ሰላምን ውዕዉዕ ምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ብጸሎትን ብቕርበት ንድኻታትን ዝሳቐዩን ክንበር ዘተሓሳስብ ብሓባር ጉዕዞ፡ ሲኖዶሳውነትን ብልኡምነትን ጭሙት ለውሃትን ዝንበሮ ይኹን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲቻን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኡካራይን ካብ ነዊሕ እዋን ንነጀው ኣብ ጽንኩርን ስንኵፍን ኩነት ትርከብ፡ ልዕሊ 5 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ቡዙሓት ከምዝገለጽዎ ዝተሓዋወሰ ወጅሂ ዘለዎ ዓይነት ቅልውላው ዝረኣየላን ተሓተቲ ወይ ሓላፍነት ዘለዎም ዝኽወልሉን ድኻታትን ነኣሽቱን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍልሉን ብናይ ሓሶት ንዝሖ ጐስጓሳትን ዝተፈላለየዩ ምቁጽጻራትን ሃይማኖታዊ ኵነት እውን ተዋሳእነት ክህልዎ ዝፍትን ውጥረትን ግጭት ዝካየደላ ኰይና ኣላ።

ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ህልው ኩነታት ኡክራይን እንታይ ከምዝመስል ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ውጥረትን ግጭትን ኩነት ብኸመይ ክንበብ ከምዘለዎ ዘብርህ ሓሳብ ነቶም ብዓብይ ሊቀ ጳጳሳት ሃልቪች ስቭጃቶስላቭ ሸቭቹክ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ንዝተመረሑ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣባላት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣቕሪቦም፡ ቅዱስነቶም ነታ ኣብ ኡክራይን እትርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶም ንምርግጋጽ ዕለት 4 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይታ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣባላት ቀዋሚ ሲኖዶስን ኣብ ሃገረ ቫቲካብ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዓውደ ርክብ ንኸካይዱ ከምዝዓደሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓበሬታ ሂቡ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓውደ ኣኼባ ዝምልከቶም ናይ ኩርያ ሮማና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ሓለፍቲ ከምእተሳተፉን፡ እዚ ዓውደ ኣኼባ’ዚ ነቲ ህልው ኩነታት ኡክራይን ዘንብብን በዚ መናበቦ’ዚ መሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ብፍላይ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ኣብ ፍርያምን ስሉጥን ስብከተ ወንጌል ከትጽመድን ወንጌል ከተነቓቕሕን ንዝሳቐዩን ድጋፍን ኣብ ምንቕቓሕ ሰላምን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ንምትብባዕን ኣብ ኡክራይን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ካልኦት ኣባይቲ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ብምትሕብባር ክትዓዪ ዝድፍ ምዃኑ ካስተሊ ሓቢረን።

እቲ ወግእ ዶንባስ ዝብል መጸውዕ ዝተውሃቦ ኣብ ኡክራይን ኣብ 2014 ዓ.ም ወቕቲ ጽድያ ዝተበገሰን ኣብ መንጐ ናይ ኡክራይን ሓይልታትን ናይ ሩሲያ መስመር ሰዓብቲ ካብ ኡክራይን ክፍለዩ ብዝደልዩ ዕጡቓት ሓይሊ ደም ኣፋሳሲ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ከምዘመልክቶ ናይ 10 ሺሕ ህዝቢ ሕይወት ንሞት ዝዳረገን ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ዘመዛበለን ክኸውን እንከሎ፥

ንናይ ሓደ ወገን ጥቕሚ ክትብል ሰላም ምስዋእ ይኣክል

ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ንዅሎም ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ እቲ መጸናንዒ ኵሉ ዝዀነ እግዚኣብሔር ነቶም ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራን ብስጋን መንፈስን ዝቖሰሉን ከጸናንዑን ነቲ ቤቱን ንብረቱ ዛሕዚሑ ብሉጽ መጻኢ ንምንዳይ መከራን ሕሰምን ተሳጊሩ ንዝተሰደን ምጽንናዕ ተማሕጺኖም፡

ኣብ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ዘመን ክሳብ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ ንጐይታን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለኵም ተኣማንነት አመስግን፡ ናይ ኵሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ተግባራቶም ናይ ካልእ ክብሪ ዘኽፍል ንናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ዘይኰነ ንናይ ሓባር ጥቕምን ሰላምን ዝብል ክኸውን ብጐይታ እምሕጸን

ዕለታውያን ቅዱሳት ምዃን

ኣብቲ ብዓመጽ ዝተቶኻቶኸ ዝተሓላላኸ ኵነት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ፈጺሙ ናብ ቀቢጽነት ዘየብል ብዙሕ እዋን ዘይጸንዕን ዝገማምዕን ዓለም ዘቕርቦ ዓይነት ዘይኰነ ክርስቲያናዊ ተስፋ ንኽትምስክር ዝተጸውዐት ምዃና ከተሓሳስቡ እንከለዉ

ክርስቲያናዊ ተስፋ ብናይ ክርስቶስ ብርሃን ዝጉልብትን ትንሳኤን ኣብቲ ክቱር ጸላም ናይ ዓለም እውን ሕይወት ዝዅልዕ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ፍቱዋት ኣሕዋተይ ኣብ ጽንኩር እዋን ካብቲ ኣብ ሰላም እዋን ብዝያዳ ንኣመንቲ ቀዳምነት ዘለዎ ኣብቲ ተስፋና ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕቡራት ምዃን እዩ፡

ኣብቲ ነዊሕን ጽዑቕን ቃለ ምዕዳን ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቶም ዕለታውያን ጀጋኑ ቅዱሳትን ቅዱሳንን እናሓሰቡ፡ ንግብረ ክፍኣት ብግብረ ሰናይ ዝመለሹ ገርሃውያን ቅዱሳት ኣብቲ ዓውዲ ዓመጽ ናይ ታሪኽ ናይ ክርስቶስ መስቀል ዝተኸተሉ ከዘኻኽሩ እንከለዉ፥

እዞም ኣሕዋትኵምን ኣሓትኵምን መከራን ኣሳዶን ዝወረዶም ሰማዕትነት ዝተቐብሉ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ምጥባቕ ዝበሉ፡ እቲ ዓመጽ ብዓመጽ ስኒ ብስኒ ዝብል ናይ ዓለም መጐት ኣይፋል ዝበሉ፡ ሕይወቶም ኣብዒሮም  (ናብ ብዕሪ ቐይሮም) ብሩህ እምነት ዝጸሓፉ፡ ናይ ክርስትና ተስፋ ፍርያም ዘርኢ እያቶም!

ውዕዉዕን ናይ ዘንፈጥፍጥ እምነት ሓይሊ

ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን እታ ኣብ ኡክራይን እትርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣጽዲቓን ናታ ገይራ ዝተኸተለቶ ሕያው ቁምስና ምስቲ ህያው ዝዀነ ክርስቶስ ተራኺባን እተራኽብን እያ ዘርእስቱ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጠቒሶም፡ ዕለት ብዕለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ምስ ወልደ እግዚኣብሔር ዝህልወካ ምትእስሳር ምኹስኳስ የድሊ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ እዩ ቤተ ክርስቲያን ፍርያም፥ ናይ ወንጌል ተስፋ ኣብሳሪትን ናይቲ ማንም ተቕዋም ከወፍዮ ዘይኽእል ናይ ውሳጠ ሕይወት መምህር እትኸውን፡ ቢሎም እቲ ዓቢይ ኣዚዩ ዘገድስ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጸሎት እዩ።

ኣብቲ ናይ ዓመጽ ጸላም ኣብ እትሓልፍሉ እዋን፡ ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማንየ ንደቀ መዛሙርቱ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ወይ ውን ንግብረ መልስን ንምጥቃዕን ዝፈጸምዎ ዘይኰነ ክነቕሑን ክጽልዩን ከምዝሓተቶም፡ ከምቲ ዝሓተቶም ኰይንካ ምርኻብ፡ ከም ደቀ መዝሙር ኣክንዲ ዝጽልዩ ደቂሶምን ይሁዳ ምስ መጸ ሴፋቶም ዝመዘዙን፡ ኣብ ዘይምጽላይን ኣብ ናይ ዓለም ምዃን ፈተናን ወዲቖም፡ ጐናጺ ናይ ስጋ ድኻም ኣብ ልዕሊ ልኡምነትን ጭሙት ለውሃትነትን መንፈስ ነገሰ፡ ኣይፋል ንትኻስ፡ ኣይፋል ንሴፍን ኣይፋልን ንህድማን (ማቴ. 26፡ 40,52,56 ረኣ)፡ ጸሎትን ገዛእ ርእስኻ ክሳብ ፍጻሜ ምውፋይን ዝብል እዩ ናይ ጐይታ መልሲ፡ እዚ ዓይነቲ መልሲ እዚ እዩ ክርስትና፡ እዚ መልሲ’ዚ ካብቲ ኣናበኣሰ ዝኸይድን ናይ ዓለም ዓመጽን ጐነጽን የድሕን፡

ነቲ ብናይ ስቓይ ጸላም ዝሓልፍ ቀረባ ምዃን

ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ተልእዀ መሳለጢ ኣቢላ ድሕሪ ጸሎት ማለት እዩ፡ ነቶም ኣብ ናይ ስቓይ ጸላም ንዝሓልፉ ቀረባ ክትከውን ዝተጸውዔት እያ፥

ቤተ ክርስቲያን ተስፋ ዝግለለሉ ስፍራን ወትሩ ክፉት ማዕጾ ዝርከበላን ምጽንናዕን ምትብባዕን ዝርከበላ ስፍራ ክትከውን ኣለዋ፡ ፈጺማ ዘይትዕጸው፡ ንማን ይኹን ማንም በራታ ዘይትዓጽው፡ ክፉት ልቢ፡ ናይ ሰዓትን ቆጸራታትን ተርባጽ ዘይንበራ፡ ሰዓትካ እትርእየሉ ስፍራ ኣይኰነትን፡ ክስማዕ ዝደልይ ተመለስ ወይ ደሓር ዘይበሃለላ፡ ኣብ ግዜን ናይ ግዜን ኣገልገልቲ ኢና፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሰዓት ጊላዎት ኣይንዅን፡ ግዜ እምበር፡ ኣይፋል ንሰዓት!

ኣብ ኡክራይን ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ሽግር ከይፍጠር ከምቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዙሓት ኣባይቲ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳን ንሓደ ዓቢይን ጭቡጥን ናይ ምትሕብባርን ድጋፍ ናይ ምቕራብን ዘነቓቕሔ መደብ ዘኪሮም ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ብናይ ሰብኣዊ ድጋፍ መደባት ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሳልሳይ ኵርናዕ፥ ሲኖዶሳውነት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሳልሳይ ኵርናዕ ሲኖዶሳውነት ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣማእኪሎም፡ ሲኖዶስ ክህልወካ ጥራሕ ዘይኰነስ ዲኖዶሳዊ ምዃን የድሊ፡ ሲኖዶሳውነት ንምንባር ወትሩ ምጽዓር የድሊ፡ ብሓባር ምጉዓዝ እዚ ግና ምስቲ ከማኻ ዝሓስብን ልክዕ ከምቲ ናትካ ኣረኣእያን ዘለዎ ጥራሕ ሓቢርካ ምጉዓዝ ማለት ኣይኰነን፡ ምስ ኵሎም ኣብ ኢየሱስ ምስ ዝኣምኑ፡ ሲኖዶሳውነት ንምሕያው ጽን ምባል መሰረታዊ እዩ፡ ምስማዕ!

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን (ሄራርቅያ) ክብ እናበልካ ምስ እትኸይድ ኣብ ሰማዕነት እናዓበኻ ምዃድ የድሊ፡ ምስማዕ ምስትውዓል ማለት እዩ፡ ናይ ካልእ ስቓይ ናትካ ንኽትገብር ዝድርኽ ትውሳኤ ማለት እዩ፡ ንናይ ኣሕዋት ሓሳብ ክፉት ምዃን ንናይቶ ብዙሕ ተመክሮ የብሎምን ዝብሃሉ ኣዚዮም መንእሰያት ንዝዀኑ ኣሕዋት እውን፡ ጽን ምባል፡ ምስማዕ!

ተሓታትነት፥ ትሑት ኣገዳስነት ዘለዎ ኣይኰነን

ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን፡ ኣብ ቅድሚ ዝፍጸሙ ጌጋታትን ኣብ ቅድሚ ናይ ካልኦት ዘይተገዳስነትን ዘይግዱሳትን ሸለል በሃልትን ኰንና ኣይንረኸብ፡ ተማራዃሲ ሓላፍነት፡ ተሓታትነት፡ ሓሳብናን ምትብባዕናን ዘድልዮም ምዕዶናን እርምትናን ዘድልዮም፡ ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዝተጸዋዕና ስለ ዝዀንና፡ ክፍጸም ዘይብሉ ክፍጸም እናረኣኻ ዓይንኻ ዓሚትካን ወይ ዳርጋ ከምዘየለ ገርካ ምንባር ክውገድ ኣለዎ፡ ዝኸፈል ዋጋ ይከፈልን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምክልኻል!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃለ ምዕዳን፡ ምልስ ቢሎም ሲኖዶሳውነት ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ናይ ክርስቶስ ኵላዊ መርዓዊ ቤተ ክርስቲያን ምዃን መግለጺ ካብ ዝዀኑ፡ እቲ ሓደ ዓለማዊ ምእመን እዩ፡ ስለዚህ ትውሳኤ ዓለማዊ ምእመን ኣብ መዋቕራት ቤተ ክርስቲያን ክህሉ ዝሓትት እዩ፡

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ፍርያምን ጭቡጥን ዝኸውን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ጽዑቕን ጥሙርን ምስ ዝኸውን እዩ፡ ብሓጺሩ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳትን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ምርድዳእን ጥምረትን ምስ ዝህሉ እዩ፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ብርሃነ ምብራቕ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ (ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደርሰ ዕለት 2 ግንቦት 1995 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት) ኣብ ፍቕዲ 21 ተመልኪቱ ከምዘሎ ፍሉዩነት ብምኽባር እዩ፡ እዚ ግና ኣብ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝቕረጽ እምበር፡ ኣብቲ ፍሉይነታውነትን ኣብኡ ምጥባቕን ምኽራርን ቤተ ክርስቲያናዊ ፍሉይነታውነትን ብሔራውነት ፍሉይነታውነትን ፖለቲካዊ ፍሉይነታውነት ምስ ዝበሃል ኵላውነት ንሓደጋ ይቃላዕ፡ ፍሉይነት ብኣገባብ ኵላውነት ክቕረጽ ኣለዎ !

ብዝብል ሓሳብ ከምዘጠቓለሉ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን
06 July 2019, 17:26