ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ቪንሰንት ላምበርት ይጽልዩ፡ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ቪንሰንት ላምበርት ይጽልዩ፡ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ቪንሰንት ላምበርት ይጽልዩ፡ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ

እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቪንሰንት ላምበርት ኣብ ሕቑፎኻ ተቐበል፡ ክነብር ዘይግኦ ሕይወት ቢልና ብምፍራድ ሰባት ንሞት ዝዳረግ ስልጣነ ኣይንሕነጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ

ኣብ ፈረንሳ ብሓደጋ መኪና ምኽንያት ብዘጋጠሞ ከቢድ ማህሰይትን ነዚ ስዒቡ ብዝወረዶ ሕማም ልምሰት ዓንደ ሕቖ ንትሽዓተ ዓመት ኣብ ሕክምና ዝነበረ ፈረንሳዊ ቪንሰንት ላምበርት ኣብቲ ዝሕክመሉ ዝነበረ ቤት ክንክን ጥዕና ረይምስ  ብሕይወት ንኽጸንሕ ብሕክምና ዝወሃቦ ዝነበረ መግባውን ውህዶ - ማይን ፍወሳ ብምቁራጽ ዋላ’ኳ ኣብ ጫፍ ሞት ዘይነበረ ይኹን ኣብ ትሑት ነፍሰ ኣፍልጦ ዘለዎ ገሊኣቶም ኣውን ኣብ ዕጽዋተ ሕይወት ኣሎ እንክብሉ ዝገልጽዎ ዝነበረ ፈረንሳዊ  ወዲ 42 ዓመት ክምዝዓረፈን፡ ቪንሰንት ባህርያዊ ሞት ዘይኰነ፡ ንኽመውት መታን እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ወይ ብሕይወት ክጸንሕ ዝድግፎ ዝገብሮ ሕክምና ብምቁራጽ ክመወት ከም ዝተገብረ እዩ ዝፍለጥ።

ስምዖን ተ. ኣረኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ላምበርት ከምዝዓረፈ ምስ ሰምዑ ስሌኡ ከምዝጸለዩ ኣረጋጊጾም፡ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቪንሰንት ላምበርት ኣብ ሕቑፎኻ ተቐበል፡ ክነብር ዘይግኦ ሕይወት ቢልና ብምፍራድ ሰባት ንሞት ዝዳረግ ስልጣነ ኣይንሕነጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ ዝብል ናይ ትዊተር መልእኽቲ እውን ከምዝፈነዉን፡ ቪንሰት ዝወሃቦ ዝነበረ ሕክም፡ ሓኻይም ካብ ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ክቋረጽ ከምዝገበሩን ነዚ ስዒቡ ዕለት 11 ሓምለ ምስ ዓረፈን ነዚ ዝሰምዑ ቅዱስ ኣቦና እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ሕቖፎኡ ይቀበሎ እንክብሉ ከምዝጸለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ዝኸውን ሕይወት ምስ ዝከላኸል እዩ

ቪንሰንት ኣብ ጻዕረ ሞት እዩ ዝነበረ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዘይ ምንም ድጋፍ የስተንፍስን ህርመት ልቡ እውን ህያው እውን እንተነበረ ብናይ ሕክምና መሳርዕ ድጋፍ መሰረት ዝወሃቦ ስነበረ መግባውን ውህዶ - ማይን ፍወሳ ብምቁራጽ፡ ብጥምየትን ጽምእን ክምእተቐትለን፡ ብዙሓት ህሙማን ኣብ ገዛእ ርእሶም ተሓዲጐምን ንኽሞቱ ዝመርጽ ሕብረተሰብ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ዝኸውን ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነትን ኣበይን ብዘይገድስ ምስ ዝከናኸንን ዘኽብርን እዩ፡ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምዕቃብ፡ ሓኻይም ኣገልገልቲ ሕይወት እምበር ሕይወት ዝዀልፉን ዝቕንጽሉን ክይኰኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ ከምዝነበሩ ይዝከር፡ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ክኽበር ተተሓሳስብ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምእንቲ ቪንሰንት ላምበርት ዘቕረብዎ ጻውዒት

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕርብዎ ጻውዒት ብዙሕ እዋን ስም ኣይጠቕሱን እዮም፡ ቅዱስ ኣቦና ስም ላብነርት ከይጠቐሱ ብትኽክል ሰለስት ሳዕ ብወግዒ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 15 ሚያዝያ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖን ዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን እንግሊዛዊ ሕጻን ኣልፊየ ጠቒሶም፥ ህሙማን ብቑዕ ክንክን ጥዕና ክረኽቡን ኣባይቲ ስድራ ህሙማንን ሓኻይምን ሕብረተሰብን ሕይወት ኣብ ምክንኻን ክተግሁ፥ ጐይታ ሕይወት ጐይታ ጥራሕ እዩ፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክዕቀብን፡ ናይ ሕይወት መጀመርታን ባህርያዊ ፍጻሜን እግዚኣብሔርን ኣብ እግዚኣብሔርን እዩ፥ እዚ ኸኣ ሓላፍነትና ሕይወት ምክንኻንን ምዕቃብን ምዃኑ የዘኻኽረና ከምዝበሉ ይዝከር።

ሰብ ክም ብኹን ምሕሳብን ምስፋሕ ብሕቡእ ዝንንበር ትግባረ ስቓይ ዘይብሉ ሞትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ብዛዕባ እቲ ሰብ ከም ብዅንን ውዳቕን ከም ጓሓፍን እውን ዝርእይ ሕብረተሰብ ክዛረቡ ንሰምዕ፡ ዕለት 22 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ናፖሊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ብዛዕባ ዝድርበዩን ከም ጓሓፍ ዝሕሰቡን ዕሸላትን ኣረጋውያንን፡ ከምኡ እውን፡ ባህ ስለ ዘይብሉናን ወይ ካልእ ኣካላዊ ድዩ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ስለ ዘለዎምን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ብዕድመ ዝደፍኡ ንኽሞቱ ኣብ ገዛእ ርእሶም ንሓድጐም፡ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ንኽሞቱ ይግበር፡ ብሕክምና ዝወሃብ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ጥራሕ ዘይኰነ ዝተሓብአ ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ስቓይ ዘይብሉ ሞት እውን ኣሎ፡ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ሰማዕን ረዳእን ዘይብሎምን። ዕለት 18 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ሎሚ እቲ ዓለማውነታዊ ምዕባለ ጥራሕ ዝብል ድላይ፡ ነዚ ከም እንኰን ዓብላልን ሓሳብን መደብ ገይሮም ሰብኣዊ ሕይወት ክሳብ ዘኽፍል እውን የኽፍል ዝቅንጽልዎን፡ ሰብኣዊ ሕይወት ዘኽፍሉ ጉዳያት ማእለያ የብሎምን፡ ሕይወት ንሞት ዘሕልፍ ተግባር ብሕጊ ፍቑድን ብሕጊ ዝውሰንን ከይኑ ኣሎ፡ ጸረ ሕይወት ዝዀነ ናይ ሞት ባህሊ ኣብ ዓለም ይሰፍሕ ኣሎ ከምዝበሉ ይዝከር።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት

ዕለት 26 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘካየዱ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ሕይወት ኣብ ውሽጡ ብዘለዎ ክብሪ ዘይኰነስ ብስሉጥነትን ብምህርታማነቱን ዝመዝንን ኵሉ ዓይነት ከይዲ ፍቑድ ይኸውን፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት፡ ክብሪ ዘለዎን ክቡርን እዩ፡ ስቓይን ሕማምን ናይ ሕይወትን ናይ ሞትን ትርጉምን እዋናዊ ዓለም ጠመተኡ ኣብ ተስፋ ኣንቢሩ ንኸስተንትኖን ንኽገጥሞን ብዙሕ ዝጐድልን ዳርጋ ዘይደልን እውን ኰይኑ ኣሎ። ወይ ከኣ ብዘይ ምንም ጥማተ ናብ ተስፋ፡ ብርእሰ ብቑዕነት ኣገባብ ከስተንትኖን ክገጥሞን ይርአይ፡ እዚ ሰናይ ምንባርን ኣብ መጻኢ ኣመኤታ ብዝንብረሉ ትጽቢት መጻኢ ብተስፋ ምምዕዳው ዝብል ድላይ የሰናኽል። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት ንዝርከብ እዋናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኸተገልግል ዝተጸውዐት ምዃና ከምዘተሓሳሰቡ ይፍለጥ።

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ቪንሰንት ላምበርት ይጽልዩ፡ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ
12 July 2019, 17:12