ዜና ዕረፍት ካርዲናል ኦርተጋ፥ ኣብ ኵባ ናይ ሃቫና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሃቫና ዜና ዕረፍት ካርዲናል ኦርተጋ፥ ኣብ ኵባ ናይ ሃቫና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሃቫና 

ዜና ዕረፍት ካርዲናል ኦርተጋ፥ ኣብ ኵባ ናይ ሃቫና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሃቫና

ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ክዋፈሩ ተገዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1967 ዓ.ም. ናጻ ምስ ተለቁ ኣብ ዝተወልዱሉ ዞባ ቆሞስ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ንኽልተ ዓመት ናይ ካቴድራል ማታንሳዝ ቆሞስ ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ናይ ሃቫና ሰበኻ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር

ኣብ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ን34 ዓመታት ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን ናይ በነዲክቶስ መበል 16ን ኣብ መወዳእታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘእንገዱ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ሉካስ ኦርተጋ ዕለት 26 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ሽዱስሽተ ከምዝዓረፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵባዊ ናይ ርእሰ ከተማ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ዘገልገሉ ካርዲናል ኻይመ ሉካስ ኦርተጋ ይ ኣላሚኖ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሳን ክሪስቶባል ዘሃቫናን ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉ ናይ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኽዋንደ ላ ካሪዳድ ግራሲያ ሮድሪገዝ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝጠቐሳ ማሶቲ ኣስዒበን ብፁዓን ጳጳሳት ኵባ ናይ ካርዲናል ኦርተጋ ሰብኣዊ ጥበብን እምነት ቀናእነት ሓውርያዊ ግብር ኖልዎን ኣብነትን ዝነኣድ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ ዝብል ከምኡ እውን ጸጋይ ይኣኽለካ ዝብል ካብ ካልአይቲ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ፍቕዲ 7 ኣብ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ 9 ዘሎ ክልተ ቃላት ክህነት ክቕበሉን ደሓር እውን ማዕርገ ጵጵስና ምስ ተቐበሉን ከም መርሕ ሕይወቶም ገይሮም ዘቃልሕዎን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ብቓልን ሕይወትን ዝነበርዎ ምዃኑን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵባ ኣብ ጥበብን እምነት ዝሓነጹ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ዅዋን ደ ላ ኮሪዳድ ግራሲያ ሮድሪገዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ማሶቲ ገሊጸን።

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ኦርተጋ

ነፍሰ ሄር ኦርተጋ ኣብ ኩባ ሰበኻ ኹዋገይ ግራናዳ ዕለት 18 ጥቅምት 1936 ዓ.ም. ከምእተወልዱን፡ ኣብ ቅዱስ ኣልበርቶ ማኞ ብካናዳውያን ካህናት ዝምራሕ ኣብ ዝነበረ ቤት ምትህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮምን ብስነ ሰብኣዊ ስነ ምርምርን ፍልስፍናን ምስ ተመረቑ ብናይ ሰበኻኦም ጳጳስ ናብ ካናዳ ተላኢኾም ኣብ ከበክ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ናብ ኵባ ተመሊሶም ዕለት 2 ነሓሰ 1964 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ዘማታንዛስ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም፡ ኣብ ሰበኻ ካርደናስ ተራዳኢ ጳጳስ ኰይኑ ኣብ ምግልጋል እንከለው ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ 1966 ዓ.ም. ብመንግስቲ ተታሒዞም ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ክዋፈሩ ተገዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1967 ዓ.ም. ናጻ ምስ ተለቁ ኣብ ዝተወልዱሉ ዞባ ቆሞስ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ንኽልተ ዓመት ናይ ካቴድራል ማታንሳዝ ቆሞስ ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ናይ ሃቫና ሰበኻ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ውዕዉዕን ንጡፍን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ዕለት 4 ታሕሳስ 1978 ዓ.ም. ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኵባ ናይ ፒናር ደል ሪዮ ጳጳስ ተሰምዮም ዕለት 20 ሕዳር 1981 ዓ.ም. ናይ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ተሰምዮም ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ንልዕሊ ሳላሳን ኣርባዕተ ዓመት ብዝድነቕ ውዕዉዕን ንጡፍን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዘገልገሉ ዝፍለጥ ኰይኑ ንዓለማውያን ምእመናን ንመንእሰያትን ፍይሉ ቆላሕታ ዝገበሩን ናይ ርክብን ሕንጸትን መደባት ብምዝርጋሕ ዝተሓንጸ ዓለማዊ ምእመን ንዝተሓንጸ ውሉደ ክህነት መሰረት እዩ ቢሎም ዝኣምኑ ከምዝነበሩ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ዘቖሙን ናይ ሰበኻ ቤት ምኽሪ ዝመስረቱን፡ ኣብ 1991 ዓ.ም. ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ሃቫና መሰረት ዘትሓዙ ምዃኖም ማሶቲ ገሊጸን፡ ኣብ ኵባ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘይነበራ እውን እንተነበረት ድምጾም ኣብ መላእ ኵባ ዘስምዑ ተጓዓዚ ጓሳ ብምዃን ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን መስካሪ ከይኖም ብዝተፈላለየ መገዲ ቃል ኣምላኽን ድምጺ ቤተ ክርስቲያንን ዘብጽሑ ምዃኖም ታሪኽ ሕወቶም ጠቒሰን ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵባ ዘአንገዱ

ነርባዕተ ግዜ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ኰይኖም እውን ከምዘገልገሉን፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ታሪኻዊ ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኵባ ዘአንገዱን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም. ናይ በነዲክቶስ መበል 16ን ደሓር እውን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 12, 2016 ዓ.ም. ምብጻሕ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘአንገዱን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምብጻሕ ኵባ ታሪኻዊ ርክብ ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ሰበኻኦም ሃቫና ከምእተፈጸመን፡ ዕለት 26 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ዝተሰምዩን፡ ኣብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2005 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብቲ  ኣብ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓረየ ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዋዕላ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሳተፉ ከምዝዀኑን ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና መሰረት ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሃቫና ንኽዀኑ ዕለት 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.  ዘቕረብዎ ሕቶ ዕለት 26 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ከምዝሃብሉን ማሶቲ የዘኻኽራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ብፁዕ ካዲናል ኦርተጋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ብይብጻሕ ናብ ናይ ሃቫና ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹኣን ደ ላ ቻሪዳድ ግራሲያ ሮድሪገስ  ከምዘመሓላለፉ፡ ንስድራ ቤት ንፍሰ ሄር ኦርተጋን ንሰበኻ ሃቫና ምእመናንን ውሉደ ክህነት ምጽንናዕ ካብ ጐይታ ተመንዮም እግዚኣብሔር ንፈሰ ሄር ኦርተጋ ኣብ መንግስቱ ክቕበልን ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ዕረፍት ካርዲናል ኦርተጋ፥ ኣብ ኵባ ናይ ሃቫና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሃቫና
27 July 2019, 18:33