2019.04.11 ር.ሊ.ጳ ኣብ ዓለምለኸ ጉባኤ ንንግድ ደቂሰባት ንምግታእ 2019.04.11 ር.ሊ.ጳ ኣብ ዓለምለኸ ጉባኤ ንንግድ ደቂሰባት ንምግታእ 

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ባርነት ምንዝርና ነጻ ይኹና ! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ጳ. ፍራንቸስኮስ ʽንብኣብ-መስቀል ዝተሰቕላ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ ጎደና ዝውረ ዘሕፍር መሸጣ ደቂሰባትʼ ዝብል ኣርእስቲ ዝተሰምየ ብዛዕባ መሸጣ ደቂ-ሰባት ዝዛረብ መጽሓፍ ዝኸውን ʽመቕድምʼ ኣበርኪቶም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መጀመርያ ናይ`ቲ ብቋንቋ ጣልያንኛ ዝተደርሰ መጽሓፍ ኣርእስቲ ʽኣብ መስቀል ዝተሰቕላ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ ጎደና ዝውረ ዘሕፍር መሸጣ ደቂ ሰባትʼ ዝብል ኮይኑ ካብ ማሕበር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ብዝኾነ ኣባ ኣልዶ ቦንኣዩቶ ዝተጻሕፈ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ምብጻሕ ብመዓልቲ ናይ ምሕረት ዓርቢ

ቅድስነቶም ዝሓለፈ ግዝያት በቲ ልሙድ ናይ ምሕረት ስራሕ ዓርቢ፣ ዓርቢ-ዓርቢ ንጽጉማት ዝበጽሕዎን፣ንሓንቲ ኣብ ብማሕበር ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ መበል 23 ዝምራሕ መዕቆቢ ዝረኸብዋ ናይ ግዳያት መሸጣ ደቂ ሰባት ዝኾነት ብምዝካር ʽከምኡ ዓይነት ውርደትን ምግሃስ ክብርን ስቓይን ይበጽሐን ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፣ ንሳተን ብሓቂ ኣብ መስቀል ዝተሰቕላ ደቂ ኣንስትዮ ኢየንʼ ኢሎም ኔሮም።

ከምኡ’ውን ቅድስነቶም ኣስዒቦም ፣ንገሊኣተን ሕጻናት ሓቚፈን ንዝነበራን ካልኦትን ፣ንዘጋጠመን ሕማቕ ዕድልን ዝነብርኦ ዘለዋ ሕይወትን ድሕሪ ኣስተውዒሎም ብውሽጦም ናይ በደል ስምዒት ከምዝተሰምዖምን፣ ነቲ ብከም-ክርስትያን ዝፍለጡ ኣስራሕተን ኣብ ልዕሌአን ዘውረድዎ ውርደትን መግረፍትን ምሕረት ከምዝሓተቱወን ተፈሊጡ።

ካብ መዓት ኣውጺእካ ናብ ንቡር ምምላስ

ቅድስነቶም ነቲ ብጸሓፊ ናይ’ቲ መጽሓፍ ዝኾነ ኣባ ኣልዶ ቦንኣዩቶ ንብዙሕ ዓመታት ዝተዓየ ናይ ምድሓን ስርሒታት ብምምጓስ ማንም ሰብ ንመሸጣ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከምዘይግባእ ብትሪ ኮኒኖም። ኣስዒቦም’ውን እዚ ስራሕ’ዚ ኣዝዩ ሓድገይናን ብዙሕ ጥንቃቐ ዘድልዮን ከምዝኾነ ብምሕባር ʽምንጪ ናይ ማእለያ ዘይብሉ ዘይሕጋውን ዘሕፍርን ምኽሰብʼ ከምዝኾነ`ውን ገሊጾም።

ቅድስነቶም ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ኣመልኪቶም፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ ከመዝኾነ ብምግላጽ፣ ኩሉ ሰብ ከምብቦን፣ ቁጽሪ ግዳይ ናይ መሽጣ ደቂ ሰባት ዝኾኑን ብሰንኩ ዝሰዓበ ምዝመዛን ውርደትን፣ ብትብዓት ንኹሉ ክንነግሮን ብኡ መጠን ድማ ኩላትና ብሓባር ክንከላኸሎን ጸዊዕም።

ምንዝርናን ባርነትን

ʽብልሽውና ሓደ ዓቢ ሕማም ኮይኑ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍ ተረዲእና፣ ብዛዕብኡ ዘሎና ኣፍልጦ ብውልቅን ብሓባርን ከነዕብን፣ ኣብ ቤተክርስትያን’ውን ከይተረፈ ክንዘራረበሉ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ ዝበሉ። ቅድስነቶም ኣስዒቦም ዝኾነ ዓይነት ምንዝርና ናብ ባርያ ብምውራድ ብመግረፍቲ ናይ ንጽሕቲ ጓለንስተይቲ፣ ነቲ ባህርያዊ ናይ ፍቐሪ ኩነት ብምምዝባዕ ገበነይና ከምትኽውን ይገብር። ምንዝርና ቁስሊ ናይ ሓባራዊ ግንዛቤ ኢዩ። ምንዝርና ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ተራ ኣቕሓ ኣውሪዱ ዝድርቢ ክፉእ ልምዲን ሕማምን ድቂ ሰባት ኮይኑ ተጻይ ሕብረተሰብ ከም ትሓስብ ይገብርʼ። ስለዚ ይብሉ ቅድስነቶም ንኹሎም ባራዩ ናይ’ዚ ነገር’ዚ ሓራ ምውጻእ ማለት ናይ ምሕረት ስራሕን ግቡእ ናይ ኩሎም ደለይቲ ጽቡቕን’ውን ኢዩ፣ ብምባል ʽውልቀሰባት ኮኑ ተቊዋማት ኣብ ቅድሚ እዚ ዝተጠቕሰ ጉዳያት ዓይኖም ዓሚቶም ክሓልፉ ኣይግባእንʼ ድሕሪ’ሎም ʽኣብ ዓለም ማንም ሰብ ካብ ብኽምዚ ዝፈስስ ደም ናይ ንጹሓት ሰባት ነጻ ከምዘይኮነʼ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 July 2019, 19:44