2019.03.28 ጠፈር ዓለምና! 2019.03.28 ጠፈር ዓለምና! 

ምርምር ሥነ-ጠፈር ኣብ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት!

ካብ ምጅማር ናይ ጠፈር ምርምር፣ ኣርእስተ-ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ስራሕ ብምምጓስ፣ ቅኑዕ ዝኾነ ምርመራን ድህሰሳን ክገብሩ ብምልባው ነቶም ኣብ’ቲ ዕዮ’ቲ ዝነጥፉ ሰባት ብምትብባዕ፣ ምስ ጊዜ ብዙሕ ናይ ምዕባለ ደረጃታት ድሕሪ ሓሊፉ ኣብ መበል 50 ዓመት ምርካብ ናይ ወርሒ ብምዝካር፣ ንኣብ መንጎ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ምርምር ጠፈርን ዘሎ ግንዛቤ ክንድህስስ ግድን ይኸውን።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣሕዛብ ብፍላይ ንኡስ ወሎዶ፣ ንዘሎ ምዕባለ ናይ ምርምር ጠፈር ብሃንቀውታ ይከታተልዎን ይስዕብዎን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብኡ መጠን ነቲ ንዕኡ ዝፈጠረን፣ ብሕጊ ተፈጥሮ ኣጽኒዕዎ ዘሎን ከተምልኽን ክትሰግድን ዝሕግዝ ስነፍልጠታዊ ድህሰሳ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እዚ ድህሰሳ`ዚ ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ናይ ደቂ ሰባት፣ ሕልና ወድ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ ብዘጥረዮን ዘማዕበሎን ፍልጠት ናይ ጠፈርን ኣድማስን ተሃኒጹ፣ ቅኑዕ ዝኾነ ኣመላኻኽታ ብምውናን ፣ ድልዱል ዝኾነ ሕውነት ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ክሓንጽ ከምዝኽእል ብምምልካት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ዕለት 12 ንሓሰ 1962 ናይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ትምህርቶም ከምዝገለጹ ይዝከር። እሞ’ከ ድኣ ስለምንታይ ኢዮም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ጠፈር ሓድሽ ተረኽቦታት ብፍላይ ኣብ ጊዜ ዝሑል ኲናት፣ ምኽንያት ናይ’ዚ ዘይተገዳስነት፣ ንምዕባለ ስነፍልጠት ዝጻባእ ጥራሕ’ውን ኣይነበረን᎒ ስለምንታይ’ከ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ ነቶም 3 ጀጋኑ ናብ ወርሒ ዝበጽሑ ዝየመጎስዎም᎒ ንዝብል ብሂል ንምምላስ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ ኣብ ጊዜኦም ናብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ክንሓልፍ ‘ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ንሰብ ቅቡቕ ድላይ! ንሕና ትሑታት ወከልትን ልኡኻትን ናይ’ቲ ኣባል ናይ ቅድስቲ ስላሴ ዝኾነ’ሞ ኣብ ማእከልና ስጋ ለቢሱ ዝቖመ ክርስቶስ ምዃና እዚ እንዛረቦ ቃል ብርቱዕን ቅዱስን ከምዝኾነ እናገለጽና፣ እዚ ምድሪ’ዚ ክፉትን ደረት ዘይብሉን፣ ክሳብ ጠፈርን ኪንኡን ዝርግሐ ዘለዎ ከምዝኾነ እንዳ ገለጽና፣ ኣምልኾ ንኣምላኽ! ሞሳ ከኣ ንዓኹም ነዞም ተመራመርቲ ስነጠፈር፣ ኣፍለቕቲ ዓበይቲ ሓሳባት፣ ሓለፍቲ ናይ’ዚ ስራሕ፣ ሰራሕተይናታትን ከምኡ`ውን እቶም ብትብዓት ኣብ መንኮርኮራት ተወጢሖም ንጠፈር ዝላኣኹን ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብ’ዚ ስራሕ ዝነጥፉን፣ ንሕና መራሕቲ ቤተክርስትያን ብድምጽናን ብጸሎትናን ኣብ ጎድንኹም ከምዘሎና ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓቢርና ነረጋግጸልኩም’ ብምባል ነቲ ብሶቬት ሕብረትን ዓባይ ብሪጣንያን ካናዳን ዝተሳዕበ ናይ ኢጣልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተበግሶ ምርምር ጠፈር ክሳብ 1980 ብንጹር ናብ ሓባራዊ ሰላም ዝመርሕ ዕዮ ከምዝኾነ ብምእማን፣ ቤተክርስትያን ብመትከል ከምዝደገፈቶ ዘመልክት ኣብ ዕለት 20 ጥሪ 1960 ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ ንተመራመርቲ ጥፈር ናይ ማእከል መጽናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሮማ ከምዝገለጹ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ ሓባራዊ ተበግሶን ስራሕን ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር ጠፈር፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓባራዊ ከይዲ ብምዃኑ፣ ንዞሎካ ፍልጠትን ተመኩሮን በሓንሳብ ብምጥርናፍ ብሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኣዝዩ ዓሚቕን ውጽኢታውን ዝኾነ ፍረ ብምሃብ፣ ብሓባር ሓላፍነት ብምስካም፣ ንኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ጸገማት መፍትሒ ዝኸውን ብምምጻእ፣ ንሰብኣዊ ክብርን ሕውነትን ኩሎም ደቂ ሰባት ብምግሃድ፣ ኣብ ዓለም ኣብ ኣምልኽ ዝተሰረተ ነባሪ ሰላም ብምምስራት፣ ኣብ ባህርያዊ ሕጊ ናይ ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዘሳትፍ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ብዕለት 21 ጥቅምቲ 1955 ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ሓባራዊ ራድዮ ምጥቃም ኣመልኪቶም፣ ኣብ ዓለም ማንም ጓና ወይ መንጎመንጎ ኮይኑ ኪተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ናብ ብጻይካ ምስታፍ የድሊ ብምባል ስነፍልጠታዊ ምርምር ንረብሓ ኩላ’ታ ዓባይ ስድራ ናይ ኣምላኽ ዝኾኑ ደቂ ሰባት ከምዝኾነ ድሮ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ብዕለት 2 ጥቅምቲ 1984 ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ንተመራመርትን ሊቃውንትን ናይ ጠፈር ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነፍልጠታውን ምርመራውን ማእከል ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፣ ካብቲ ኣቊዋም ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብመጠኑ ዝዘሓለ’ኳ እንተመሰለ፣ ኮይኑ ግን ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ኣብ ጎድኒ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ምርምር ከምዝነበሩ ድሕሪ ግሊጾም፣ ማለት ቤትክርስትያን ብጸሎት ነቲ ኩሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ብመዝሙር ከተመስግን እንከላ፣ እዞም ሊቃውንቲ ጠፈር ድማ ኣብ ምርምሮም ብዝረኸብዎ ሓደስቲ ተመኩሮታትን ክውንነታትን ምሳና ሓቢሮም ነቲ ልዑል ኣምላኽን ጥበቡን የምልኹን ይዝምሩን ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕጉስ ኢዩ። ኮይኑ ግን ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ሕቶ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ጠፈር ናይ መን ኢዩ ዝብል ኮይኑ፣ ተረባሕትን ተጠቀምትን ናይ’ዚ ሓድሽ ተረኽቦ ግን ኣብ ምድሪ ዝርከቡ መላእ ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ ክስገር ዘይግብኦ ሓቂ ኢዩ ብምባል ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ኩሉ ወድሰብ ዘማእከለ ኣቍዋም ከምዝነበሮም ይዝከር።

ኣብ ዕለት21 ግንቦት 2011 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲግቶስ መበል 16 ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሊቃውንቲ ስነጠፈር ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ‘ንስኻትኩም መንጎይናታት ናይ ጠፈርን ምድርን ኢኻትኩም፣ ኣብ መንጎኹም ምርካበይ ኣዝየ ሕጉዝ ኢየ፣ ድሕሪ ምባል ሎሚ ዓለምና ኣብ ቀጻሊ ዝኾነ ሓደስቲ ምህዞታትን ምዕባለታትን ኣብ እትርከበሉ እዋን፣ ኩሉ ስርሓት ብስነፍልጠትን ሞያውያንን ተሓጊዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ምዕቡል ጊዜ ከምዘሎና ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ንስኻትኩም ብፍሉይ ትዓይሉን ትመራመረሉን ዘለኹም፣ ሓደ ክፋል ናይ’ቲ ዓቢ ከይዲ ናይ ስልጣኔ ኮይኑ፣ ኩሉ እትገብርዎ ብጽቡቕ ድላይን ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ኩሉ ወድ ሰብን ከምዝኾነ ኣብኹም ዘሎና እምነት ክንገልጸልኩም ንፈቱ ድሕሪ’ሎም፣ ንኹላቶም ኣብ’ቲ ዕዮ’ቲ ንዝነጥፉን ንሒወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ብትብዓት ንሓደስቲ ፈተነታት ዝውፈዩን ከምኡ’ውን ንኹሎም ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነዚ ዕዮ’ዚ ንኽቅጽል ዝነጥፉ ኣካላት ብምምጓስ ኣብ ጎድኖም ምህላዎም ከምዝሓበሩ’፣ ንሰንበት ዕለት 21 ሓምለ ብወግዒ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ኣቀዲሙ ብኣብ ‘ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምርምር ስነጠፈር’ ዝብል ንምግልጋል ዝተወፈየ ‘ብድምጺ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት’ ዝፍለጥ ክፍሊ ራድዮ ቫቲካን ከምዝተፈነወ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 July 2019, 19:35