ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ውሁድ ጥዑም ቃና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን ሮማን ቁስጥንጥንያን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር ገሊጾም በቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣቢሎም ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ሰላምታ ኣመሓላሊፎም

ዕለት 29 ሰነ  ክብረ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ልኡካን ካብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ከምዝሓበሮ፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ነፍሲ ወከፈን ክብረ በዓል ሓላዊ ቅዱሳተን ኣብ ዘብዕላሉ እዋን ብልኡካነን ናይ ምስታፍ ሃናጺ ልሙድ ባህሊ ከምዘሎ ኰይኑ፡ ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ፥ ቅዱስ እንድሪያስ ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ቅድስቲ መንበር ብልኡካና ኣቢላ ክምእትሳተፍን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ሓለውቲ ቅዱሳት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ብወገና ብልኡካና ኣቢላ ከምእትሳተፍ ክፍለጥ እንከሎ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ከም ጳጳስ ሮማ ንኣና ካቶሊካውያን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሸቶ ምሉእ ሱታፌ ኣብ ርትዓዊ ፍልልያት ዝብል እምበር እቲ ሓደ ነት ሓደ ዘጽፍሓሉ ሓደኣውነት ወይ ውን እቲ ሓደ በቲ ሓደ ዝወሓጠሉ ማለት ኣይኰነን፡

ምግምማዕ ንድሕሪት ምሕዳግ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን ሮማን ቁስጥንጥንያን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር ገሊጾም በቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣቢሎም ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ሰላምታ ኣመሓላሊፎም፡ ንናይ ኢየሱስ ጽኑዕ ፍቃድ ተኣዘዝቲ ብምዃን ናብ ምሉእ ሓድነት ዝግበር ናይ ጻዕሪ ኪደት ክቕጽል ከምዘለዎ ክምዕዱ እንከለዉ፥

ንሕና ብሓባር ንሓድ ሕድና ብጸሎት እናተደጋገፍና ወንጌል እናበሰርናን ነቶም ኣዚዮም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ብምግልጋልን ብዝሓለፉ ቅድመ ፍርድታት ከይተጸለና ብሓባር ኣብ ምጉዓዝ እውን እንተለና እቲ ዓቢይ ዕንቅፋት ዝዀነ ገና ዘይተኣለየ ምግምማዕ ዘወግድ ጸጋ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፡ ኣብዚ ቅኑዕ ብዝዀነ ግልጽነት ጐይታ የፍቅረና ናይ ነፍሲ ወከፍና መለለዪ ነደንቕ፡ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምልላይን ፍቕርን ንዓብይ

ውሁድ ጥዑም ቅንይት ኣብ - ብዙሕነት - ፍልልይ

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቡልጋያን ሮማኒያን ዘካየድዎ ምብጻሕን ምስ ፓትሪያርክ ነኦፊትን ዳኒኤልን ምስ ናይ ፓትሪያርካቶም ቅዱስ ሲኖዶስን ዘካየድዎ ርክባት ዘኪሮም፡ እቲ ርክብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መንፈሳዊ ሃብቲ ከድንቑ ክምዝገበሮምን ኣብተን ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዶም ክምለሱ እቲ ሱታፌን ሓድነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ክህሉ ዝብል ድላይ ብዓቢዩ ከምእተሰመዖም፡ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ሓድነት መሊሱ ኣብቲ ዘሎ ብዙሕነትን ፍልልይን ብምኽባር ውሁድ ብዝዀነ ርትዓዊ ናይ ሓባር ናብራ ዳግም ክብጻሕ ዘለዎም ተስፋ ክገልጹ እንከለዉ፡

መንፈስ ቅዱስ እቲ ብዝሓ ህያባት ብመሃዝነት ዘወዓውዕን ነቲ ብዝሑነት ዘሳንይን ናብ እውነተይና ሓድነት ይምርሓና፡ ሓድነት ሓደኣውነት ማለት ዘይኰነስ በንጻሩ ውሁድ ጡዑም ቃና ኣብ ፍቕሪ ማለት እዩ፡

ፍቕሪ ሓድነት ይወልድ

ስለዚህ ናይ ሓባር ዘተ ከፍርሓና የብሉን፡ ብፍላይ ኣብዚ ተባዕ ኣብሳሪ ሓዋርያ ኣብ ዘድልዮ ዓለም፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣዋንና ብድሆታት ሓደ ካብኡ ክንክን ምህዳር ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም ናይ ክርስቶስ ደቀ መዝሙር ብሓደን እንኰን ድምጺ መልሲ ክህቡ ይጽውዑ፡

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይን እነሕልፎን ዘሎና ቅልውላው ምህዳር፡ ናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ድላይን ተግባርን ብምንቕቓሕን ንኣማንያን ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ኵሉ ሓላፍነትን፡ ንብጻይካ ብምግልጋልን ብወንጌላዊ መንፈስ ኣገባብን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዛዕባ ህልው ኩነታት ዓለም ኣብ ዝምልከት ማእለያ ዘይብሎም ጉዳያት፥ እዋናዊ ግልያነት ንምውጋእን ስደተይናታትን ተመዛበትን ንምእንጋድን ተወሃሂዶምን ንኽነብሩን ሰላም ብዅሉ ጽፍሕታቱ ክውን ክኸውንን ንምንቕቓሕን ኣብ ዝብል ጉዳያት ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምትሕብባር ዓቢይ ሓሴት እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ካስተሊ ሓቢረን።

እቲ ጉጅለ ልኡካን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ተልሚሶስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ወኪል ናይ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ጥሙር ናይ ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ድርገት ሓባራይ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆብ ዝተመርሔ ክኸውን እንከሎ፡ ብናይ ሚሊተን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማኪሞስን ብዲያቆን ቦስፍሪዮስ ማንጋፋስን  ዝተሰነዩ ምንባሮም ክስተሊ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ውሁድ ጥዑም ቃና እዩ
29 June 2019, 15:45