ሓካይም ኣገልገልቲ ሕይወት ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት! ር.ሊ.ጳ

ኣብ መእተዊ ከምዝገልጽናዮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣደራሽ ረጅያ 500 ዝኾኑ ካብ ዕለት 21 ሰነ ኣብ ጉባኤ ንዝርከቡ ናይ ቅድስት መንበር ዓለምለኸ ፈደረይሽን ማሕበራት ካቶሊካውያን ሓካይም ነቲ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝገበርዎ ወፈያ ናብ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንምዝካር ኣብ ዝዝክሩሉ ተቀቢሎም ኣዘራሪቦምዎም። ክኽተልዎ ዘለዎም ሓኪም ነፍስን ሥጋን ዝኾነ ክርስቶስ ብምኽታል ናብ ሕሙም እንኪቀርቡ ብኩሉ ክፍውሱ ከምዘልዎም ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ርክብ ናይ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኣገልግሎት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ተርክሰን እውን ተረኺቦም ብምንባሮም ንኩሎም ወኪሎም ንቅድስነቶም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ቅዱስነቶም እውን ዓጸፌታ ሰላምታ ብምምላስ  ነቲ ቅድሚ 500 ዓመታት ናብ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝገበርዎ ወፈያ ብምንኣድ ሓኪም ኣሰር ክርስቶስ ብምኽታል ከምቲ ንሱ ዝገበሮ እናገበረ ናብቶም ሕክምና ዘድልዮም ምናዳ ከኣ ረዳኢ ዘይብሎም እሞ ኣብ ጸገም ናብ ዝርከቡ ክቀርቡን ኩለንትናዊ ፍወሳ ከወፍዩን ኣዘኻኺሮም።

“ንሕሙማት ምፍዋስ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ተልእኮ ክርስቶስ ስለዝነበረት ናይ ቤተክስትያን ቀንዲ ተልእኮ ኰይና ዝተረፈትሉ እውን በዚ እዩ። ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና ኣብ መንጎ ስብከተ ኢየሱስን ምፍዋስ ሕሙማትን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘሎ ንግንዘብ። ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 4.24 ከምዘመልክቶ ከኣ ‘ንኩሎም በብዓነቱ ሕማም ዝሓዞም ስቃይ ዝነበሮም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ወርሓዊ ሕማም ዝተላዕሎምን መጻጒኣትን ናብኡ ኣምጽእዎም ንሱ ከኣ ኣሕየዎም’ ይብለና።”

ምፍዋስ ማለት ምስቲ ሰብ ምዝታይ እዩ!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብቀጥታ ናብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጥቀሞ ዝነበረ ኣገባብ ይኸዱ እሞ ብቀንዱ ኢየሱስ ናብቶም ቈላሕታ ዝሰኣኑ ሕሙማትን ዝሳቀዩን ኣናቀረበ ይትንክፎምን ዘፈር ክዳኑ ከይተረፈ ብምትንካፍ ክሓውዩን የፍቅደሎም ነሩ። ነዚ ከኣ ቀረባኦም ብምዃን ምሳኦም ብምውሳእ ይገብሮ ነበረ። ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ወንጌል እንታይ ክገብረልካ ትደሊ እንክብል ይሓቶም።

“ሓደ ሓኪም ንሓደ ዝሳቀ ዘሎ ሕሙም እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ክብሎ እንከሎ ከደንቀና ይኽእል። ኰይኑ ግን እዚ ኣገባብ እዚ ናይ ቃል ሓይልን ናይ ዘተ ፈውስን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ይገልጸልና። ምሕካም ንኢየሱስከስ ኣብ ዘተ ምእታው ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕሙም ዘሎ ድሌት ርኢኻ ነቲ ምቑር ሓይሊ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ምግላጽ ነበረ። ምኽንያቱ ከኣ ምፍዋስ ማለት ንናይ ምጽንናዕን ራህ ዋን ዕርቅን ፈውስን ጒዕዞ ምብጋስ እዩ።”

ስለዚ ናብ ሕሙማት እንትክትቀርቡ ጥንቃቄ ኣተኩሮ ኣኽብሮ የድሊ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
22 June 2019, 08:45