ብሕሉፍ ቊስልታት ሕውነትና ክስረቅ ኣይነፍቅድ! ር.ሊ.ጳ

ቅዱስነቶም ሎሚ ንግሆ ኣብ መካነ ንግደት ማርያም ሹመሉ ቹክ ኣብ ሩመንያ ቀዲሶም ብዛዕባ መካነ ንግደትን ትግርጉሙን ብምግላስ በቲ `መንገድን ሓቅን ሕይወትን` (ዮሓ 14,6) ዝኾነ ክርስቶስ ክንምራሕ ኣብነት ድንግል ማርያም ተኸቲልና ብዙሕ ከይተዛረብና ብሱቚታ ንጸሊ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሎሚ ቤተክርስትያና ዳርጋ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝርከብ መእለዪ ሕሙማት ኰይናትሉ ኣብ ዘላ መካነ ንግደታት ምልክትን መጋበርን ድሕነት ኮይኖም ብዙሕ የገልግሉና። መካነ ንግደታት ዝኽሪ ናይ ብዙሕ ነገራት እንክህልዎም ብቀንዱ ግን ጉዕዞ እምነት ናይ ሓደ ሕዝበ እግዚአብሔርን ተመኲሮኡን ሓቚፉ ሽሕ`ኳ ኣብ ፈተናን ጸገምን እንተተረኽበ ነቲ ተስፋኡ ሕይወት ንምዝራእ ማይ ሕይወት ሃሰስ ካብ ምባል ኣይደክምን። መካነ ንግደታት ብዙሕ ግዜ ናይ ምብዓልን ታሕጓስን ሃዋህው እኳ ዝረኣዮም እንተመሰሉ ብቀንዱ ግን ናይ ንብዓትን ምሕጽንታን ቦታታት ኮይኖም ክንደይ ንስሓን ክንደይ መብጽዓን ዝፍጸመሉ ቅዱስ ቦታታት እዮም።

ኣብዛ መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ከስ ብዙሕ ዘረባ እውን ኣይደልን። ከምቲ ብእምነት ኣቦታትናን ኣደታትናን ዝገብርዎ ዝነበሮ ብጸጥታ ኣብ እግራ ኰፍ ኢልና ትፈልጥዮ ኢኺ ናይ ልበይ ኢልና ነዕልላ ክትመርሓና ከኣ ነፍቅደላ ከመይ ብእናታዊ ፍቅራ ናብቲ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ወዳ ከም እተብጻሕና ርግጽ እዩ።

ኣብዚ መካነ ንግደት እዚ ዝግበር ዓመታዊ ንግደት ውርሻ ትራንሲልቫንያ ኮይኑ ናይ ሩመንያን ሃንጋርን ባህሊ እምነት የኽብር። ናይ ካልእ እምነታት ተኸተልቲ እውን ይነግዱ። በዚ ከኣ ምልክት ዘተን ሓድነትን ሕውነትን እውን እዩ። ኣብዚ ኣማልድነት ድንግል ማርያም ይልመን ብቀንዱ ከኣ ናይዚ ዝጠቀስናዮ መንፈስ ሓድነትን ሕውነትን ብዝኽሪ ሕሉፍ ቊስልታት ከይስረቅ እሞ እቲ ቊስልታት እዚ ዘስዓቦ ምክፍፋልን ምምቅቃልን ከይስዕርር ነዚ ኣይነፍቅድ። ርግጽ እዩ ሕሉፍ ቊስልታት ዘስዓቦ ጓህን ሓዘንን ሕልኽላኻትን ክትርስዖ ወይ ክትክሕዶ ኣይከኣልን ኰይኑ ግን ዳግም ሕውነትና ከነበራብርን ብሰላም ብሓባር ንምንባር ዳግመ ሕንጸት ንክንገብር ክዕንቅፉና የብሎምን።

መንፈሳዊ ንግደት ምፍጻምከስ ብሓባር ንክትጐዓዝ ተጸዊዕካን ብመንፈስ ተደፋፊእካን ንጐይታ ነቲ ሕሉፍን ዘሎን ቂመበቀልን ፍልልይን ኣብ ሓዲስ ናይ ሕውነትን ውህደትን ዕድል ንክልውጠልካ ጸጋ ምልማን እዩ። መንፈሳዊ ንግደት ምፍጻም ማለት ብሓባር ናይ ምንባር መንፈስ ንክትረክብን ንክተመሓላልፎን ምግዳል ኰይኑ ነዚ እንክትገብር ከኣ ምስ ካልኦት ምትሕውዋስን ምርኻብን ምትሕግጋዝን ከፍርሃካ የብሉን። ኣብዚ መካነ ንግደት እዚ መንፈሳዊ ንግደት ምፍጻም ከኣ ናብ ማርያም ቊሊሕ ኢልካ ገጽታኣ ምጥማትን ንምሥጢረ ሕርየታ ምስትንታንን እዩ። ንሳ ኣብ ገሊላ ናይ እትርከብ ንእሽቶይ ከተማ ናዝሬት ነባሪት ኮይና እዚ ቦታ ካብ ግዝኣት ሮማውያን ውስን ዝበለ ኣብ ሻውላት እስራኤል ነበረ። ንሕርየታን ተልእኮኣን እሺ ሓራይ ብምባላ ከኣ ነቲ ሰውራ ርሕራሔ ክንብሎ እንኽእል መደብ ድሕነት በሪ ከፈተት። ምሥጢረ ሕርየት ኩሉ ግዜ ካብ እግዚአብሔር እዩ ዝነቅል። ከምዘይ ኣረኣእያናን ኣተሓሳስባናን ንሱ ንሓያላት ከደናግር ንድኹማት ይመርጽ እሞ ከም እኖና ድንግል ማርያም እሺ ሓራይ ንክንብል እውን የተባብዕና እሞ ከምኣ ናይ ዕርቂ ጒዕዞ ንጅምር። ንጐይታ ኣሚኑ ጠኒኑ ዝለኣኽ ብምንም ተኣምር ኣይሓፍርን እዩ። ሃየ እምበኣር ቃለ ወንጌል ናይ ኩሉ ቀላሲ ኰይኑ ንሕዝብና ታሕጓስ ድሕነት ንምሃብ ክንዕጠቅ ብሓባር ንገስግስ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 June 2019, 17:45