ስለቲ ዝወረደኩም ኣድልዎን ምንጻልን ብስም ቤተክርስትያን ምሕረት ካባኹምን ካብ ጐይታን እልምን! ር.ሊ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም መንነት ቤተክርስትያን እንክገልጹ ‘ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ንኩሎም ዝኸውን ቦታ ኣሎ’ ይብሉ እሞ እዚ መሠረታዊ ሓቂ እዚ ኩሎም ዝፈልጥዎን ዚኣምንዎን እኳ እንተኾነ ክንደይ ግዜ ከዝተዘንገዔ ኪሃብኡ ኣይደለዩን። ነቲ ቤተክርስትያን ክርስትያን ኩሎም ነንሕድሕዶም ዝራኸቡላ ከም ኣሕዋት ዝነብሩላ ንዝብል ኣምር ከም መፈክር ጥራይ ክንዝክሮ ዘይኮነ ክርስትያን ናይ ምዃና ታሰራና መለለዪና ናይ መንነት ወረቀትና እዩ ኢሎም። በዚ ከኣ እዮም ብስም እግዚአብሔርን ብስም ቤተክርስትያን ይቅሬታ ዝሓተቱ።
ብስም ቤተክርስትያን ዝተሓተ ይቅሬታ!
ኣብቲ ብሓቂ መንፈስካ ዝትንክፍ ርክብ ሽሕ’ኳ ቅዱስነቶም ንኩሎም በብሓደ ሰላም እንክብሉ ሕጉስ መሲሎም ብፍሽኽታን ጽቡቕ ገጽን ይዛረብዎምን የጸናንዕዎምን እንተነበሩ ኣብ ልቦም ኮይኑ ዘዕገርግሮም ግን ሓደ ነገር ነሩ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ተዘሪኦም ከም ሰበኽ ሳግም ዝነብሩ ሰባት ሎሚ እውን ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እኳ እንተሎ ብሕልፊ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብቀንዱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮም ዝወረደ ኣድልዎን ምንጻልን ይሓቅዮም ከምዝነበረ ድሕሮም ልብኻ ብዝትንክፍ መንገዲ ብስም እግዚአብሔርን ቤተክርስትያንን ዝሓተትዎ ይቅሬታን ምሕረትን ይገልጾ።
ሓደ ሰብ ንድሕሪት ሓዲግናዮ እንተተጓዓዝና ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ኣይግስግስን፥ ንወዲሰብ ተግባራቱን ኩነታቱን ከይፈልጥካ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትና እንከተቀድም ክርስትና ዕምቈት ይጐድሎ ይትረፍ ክርስትና ክትብሎ ከም ሰብ ክንመላለስ እውን ኣይከኣልን። በዚ ከኣ መንገዲ ኣቤልን መንገዲ ቃኤልን ይፈላለያ።
መንገዲ ኣቤልዶ ቃኤል ንመርጽ!
ቅዱስነቶም ናብ ሓፈሻዊ ኩነታት ደቂሰባትን ታሪኻቶምን ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ኣቤልን ቃኤልን ጀሚሩ ወዲሰብ ወይ ከም ኣቤል ንኩሉ ክፉት ኰይኑ ብዓይኒ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ተወፋይነትን ወይውን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብመንገዲ ቅንእን ሽርሕን ጒርሕን ንብጻይካ ኣብ ምንጻል ክመርጽ ይረኤ። ዕለት ዕለትከስ ካብ መንገዲ ኣቤልን መንገዲ ቃኤልን ሓንቲኤን ናይ ምምራጽ ግድነት ኣሎ! ማለት መንጎ ዕርቅን ሕነ ምፍዳይን መንጎ ሥልጣኔ ፍቅርን ጽልኢ ቂመበቀልን ንመርጽ።
እቲ ሓቑ እዚ ካብ ኮነ ይብሉ ቅዱስነቶም እታ ዝበለጸት ከኣ መንገዲ ኢየሱስ እያ! ሽሕኳ መስዋዕቲ ትሓትት እንተኾነት ናብ ሰላም እተብጽሕ እንኮ መንገዲ ንሳ እያ መንገዲ ኢየሱስ ንምረጽ! ድሕሪ ቢሎም ናብ ዓሌት ሮም ብሓፈሻ ነዚ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብሓባር ምግስጋስ!
ቅዱስነቶም ዓሌት ሮም ከም ማሕበረሰብ ነዚ ሃብታም ውርሻ እዚ ከይሓድጉን ነታ እዚ ጐዲልዋ ዘሎ ክምልኡላን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ካልኦት ከወፍዩሎም ዝኽእልዎ ጽቡቅ ነገራት እውን ንምቅባል ድሕር ክብሉ ከምዘይብሎም ገሊጾም።