ስለቲ ዝወረደኩም ኣድልዎን ምንጻልን ብስም ቤተክርስትያን ምሕረት ካባኹምን ካብ ጐይታን እልምን! ር.ሊ

ኣብ መርበብ ዜናታትና ከምዝተኸታተልክሙዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሃገረ ሩመንያ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ብሰላም ዛዚሞም ኣብ መንበሮም ቀቅድሚ ምምላሶም ኣብ ከተማ ብላጅ ምስ ዓሌት ሮም ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ዓለቶም ኣብ ዝወረደ ኣድልዎን ምንጻልን ክርስትያን እውን ክንዲ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ንብጻዮም ምቅባልን ዘለዎም ምሳኡ ምክፋልን ኣብ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ወዲቆም ናይዚ ሓጢኣት ተሳተፍቲ እዮም እሞ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ ብስም ቤተክርስትያን ይቅሬታን ምሕረትን ካባኹምን ካብ እግዚኣአብሔርን እልምን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን  

ቅዱስነቶም መንነት ቤተክርስትያን እንክገልጹ ‘ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ንኩሎም  ዝኸውን ቦታ ኣሎ’ ይብሉ እሞ እዚ መሠረታዊ ሓቂ እዚ ኩሎም ዝፈልጥዎን ዚኣምንዎን እኳ እንተኾነ ክንደይ ግዜ ከዝተዘንገዔ ኪሃብኡ ኣይደለዩን። ነቲ ቤተክርስትያን ክርስትያን ኩሎም ነንሕድሕዶም ዝራኸቡላ ከም ኣሕዋት ዝነብሩላ ንዝብል ኣምር ከም መፈክር ጥራይ ክንዝክሮ ዘይኮነ ክርስትያን ናይ ምዃና ታሰራና መለለዪና ናይ መንነት ወረቀትና እዩ ኢሎም። በዚ ከኣ እዮም ብስም እግዚአብሔርን ብስም ቤተክርስትያን ይቅሬታ ዝሓተቱ።

ብስም ቤተክርስትያን ዝተሓተ ይቅሬታ!

ኣብቲ ብሓቂ መንፈስካ ዝትንክፍ ርክብ ሽሕ’ኳ ቅዱስነቶም ንኩሎም በብሓደ ሰላም እንክብሉ ሕጉስ መሲሎም ብፍሽኽታን ጽቡቕ ገጽን ይዛረብዎምን የጸናንዕዎምን እንተነበሩ ኣብ ልቦም ኮይኑ ዘዕገርግሮም ግን ሓደ ነገር ነሩ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ተዘሪኦም ከም ሰበኽ ሳግም ዝነብሩ ሰባት ሎሚ እውን ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እኳ እንተሎ ብሕልፊ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብቀንዱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮም ዝወረደ ኣድልዎን ምንጻልን ይሓቅዮም ከምዝነበረ ድሕሮም ልብኻ ብዝትንክፍ መንገዲ ብስም እግዚአብሔርን ቤተክርስትያንን ዝሓተትዎ ይቅሬታን ምሕረትን ይገልጾ።

“ብስም ቤተክርስትያን ንእግዚኣአብሔርን ንዓኹምን ኣብ ጒዕዞ ታሪኽ ብዝፈጸምናዮ ማለት ኣጓኒናኩም ነጺልናኩም በደል ኣብ ልዕሌኹም ፈጺምና ክንዲ ብጠመተ አቤልን ንጥምተኩም ብናይ ቃኤል ብሕማቅ ጠሚትናኩም ክነለልየኩም ክንፈልጠኩም ኣይከኣልናን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍሉይነትኩም ርኢና ክንቅበለኩምን ክንከላኸለልኩምን ኣይከኣልናን እሞ ይቅረ በሉልና። ቃኤል ኣብ ሓው ኣቤል ዝነበሮ ጠመተ ሸለልትነትን ቅንእን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ክህልወና ቂመ በቀል ክምዝጐሃሃር ጌሩ ካብ ነንሕድሕድና ከምንረሓሓቅ ይገብረና።”

ሓደ ሰብ ንድሕሪት ሓዲግናዮ እንተተጓዓዝና ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ኣይግስግስን፥ ንወዲሰብ ተግባራቱን ኩነታቱን ከይፈልጥካ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትና እንከተቀድም ክርስትና ዕምቈት ይጐድሎ ይትረፍ ክርስትና ክትብሎ ከም ሰብ  ክንመላለስ እውን ኣይከኣልን። በዚ ከኣ መንገዲ ኣቤልን መንገዲ ቃኤልን ይፈላለያ።

መንገዲ ኣቤልዶ ቃኤል ንመርጽ!

ቅዱስነቶም ናብ ሓፈሻዊ ኩነታት ደቂሰባትን ታሪኻቶምን ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ኣቤልን ቃኤልን ጀሚሩ ወዲሰብ ወይ ከም ኣቤል ንኩሉ ክፉት ኰይኑ ብዓይኒ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ተወፋይነትን ወይውን  ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብመንገዲ ቅንእን ሽርሕን ጒርሕን ንብጻይካ ኣብ ምንጻል ክመርጽ ይረኤ። ዕለት ዕለትከስ ካብ መንገዲ ኣቤልን መንገዲ ቃኤልን ሓንቲኤን ናይ ምምራጽ ግድነት ኣሎ! ማለት መንጎ ዕርቅን ሕነ ምፍዳይን መንጎ ሥልጣኔ ፍቅርን ጽልኢ ቂመበቀልን ንመርጽ።

እቲ ሓቑ እዚ ካብ ኮነ ይብሉ ቅዱስነቶም እታ ዝበለጸት ከኣ መንገዲ ኢየሱስ እያ! ሽሕኳ መስዋዕቲ ትሓትት እንተኾነት ናብ ሰላም እተብጽሕ እንኮ መንገዲ ንሳ እያ መንገዲ ኢየሱስ ንምረጽ! ድሕሪ ቢሎም ናብ ዓሌት ሮም ብሓፈሻ ነዚ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

“ንስኹም ከም ሕዝቢ ክትፍጽምዎ ዘሎኩም ተልእኮ ስለዘሎኩም ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምሽካምን ነቲ ንስኹም ጥራይ እትውንንዎ መንነትኩምን ጒዕዞኹምን ዘመላኽት ንኣና ከኣ ብጣዕሚ ዘድልየና ሃብታት ውርሻ እዚ ከኣ ልዑል ዋጋ ሕይወትን ብሰፊሑ ትርጉም ሥድራቤት ምስ ሰፊሕ ዝምድናታቱን ምድግጋፉን ምቅባል ጋሻን ሓገዝን ምናዳ ከኣ ነቶም ኣብ ማሕበረኮምኩም ዝርከቡ ድኹማትን ዝከላኸለሎም ዘይብሎምን እትገብርዎ ደገፍ ንዝሸምገሉ እትህብዎ ፍሉይ ዋጋን ኣኽብሮን ኮይኑ ብሕልፊ ንናይ ሕይወት ሃይማኖታዊ ትርጉምን ንናይ ምንባር ሓጐስን እትህብዎ ዓቢ ግምት የድልየና እዩ። ነዚ ንምቅጻሉ ከኣ ብሓባር ክትጐዓዙ የድሊ!”

ብሓባር ምግስጋስ!

ቅዱስነቶም ዓሌት ሮም ከም ማሕበረሰብ ነዚ ሃብታም ውርሻ እዚ ከይሓድጉን ነታ እዚ ጐዲልዋ ዘሎ ክምልኡላን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ካልኦት ከወፍዩሎም ዝኽእልዎ ጽቡቅ ነገራት እውን ንምቅባል ድሕር ክብሉ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

“ብሓባር ክትጐዓዙ ክዕድመኩም እደሊ! ብሓባር ኣብ ትግስግሱሉ ክንዮ ፍርህን ምጥራጣራትን ዝኸይድ ዓለም ንምህናጽን ነቲ ካብ ካልኦት ዝፈላልዩኹም ሓጹራት ብትዕግሥቲ ምትእምማን እናሃነጽኩም ክትሓልፍዎ እምበር ከንቱነት ዝመልኦ ሕውነት ከይትደልዩ፣ ክብረትኩምን ክብረት ሥድራቤትኩም ከምኡ እውን ዕለታዊ እንጌራ ንምርካብ ዝግባእ መሰላት እናኽበርኩም ብሓባር ኣብ ምግስጋስ ተጸመዱ። እዚ ከኣ ንቅድሚት ከምእትጐዓዙ ክገብረኩም እዩ። ክብሪ ጸሎት እውን ኣይትረስዑ። እንክብሉ ሓደራ ኢሎም ብምስጋና ሩመንያን ሕዝባን ተሰናበትዎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 June 2019, 18:25