ንመርዚ ዘይተገዳስነትን ትዕቢትን፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ስስዕቲ መኽሰብን ዘምክን ቅዱስ ቊርባን እዩ! ር.ሊ.
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ነዚ በዓል እዚ ንምኽባር ብልማድ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንስ ብምቅዳስን ክሳብ ባዚልካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ዑደት ብምግባርን እንክኸውን ቅዱስነቶም ግን ሎምዘመን ንካልኣይ ጊዜ ናብ ሻውላት ሮማ ውጽእ ብምባል ከብዕልዎ መሪጾም። ዓሚ ኣብ ኦስትያ ዝበሃል ክፍሊ ሮማ ኣብ ቊምስና ቅድስት ሞኒካ ከምዘብዓልዎ እንክዝከር ሎምዘመን ከኣ ኣብ ካዛለ በርቶነ ቊምስና ቅድስት ድንግል ማርያም ናዛዚተ ኅዙናን ብብዙሓት ሕጻናትን ሽማገለታትን ብካሮሶታት ዝመጹ ሕሙማን ኣብ ዝተረኽቡሉ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። እዚ ከባቢ እዚ ኣብ ውሽጢ 75 ዓመት ራብዓይ ግዜ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ከምዝረኸበ እንክምልከት ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ተኣምር ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝተራእየሉ ግዜ ሓምለ 1943 ዓምፈ ፕዮስ መበል 12 እንክኾኑ ድሕሪኦም እውን ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብ1964 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1995 ከምኡ እውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2005 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ይዝከር።
በዓለ ጥቀ ቊርባን ኩላ ቤተክርስትያን ሃቢኡ ዘሎ ኅብስቲ!
ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም በዓለ ቅዱስ ቊርባን ቡራኬ እንመሃረሉ እንባረኸሉን እንባርኸሉን ቤተትምህርቲ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እቲ ዓቢ ምሥጢረ ናይዚ በዓል እዚ ከኣ ኣብ ቊራስ እንጌራ ኩላ ቤተክርስትያን ተሓቢኣ ትርከበሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ቅዱስ ቊርባን ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም ንናይዘመንና መርዝታት ጸረ መርዚ ኰይኑ ከግልግል ዝኽእል ቅዱስ ቊርባን ጥራይ ምዃኑን ካብዚ ከቢቡ ሒዙና ዘሎ ግዜ የብልየን ኣይክእልን ኣይምልከተንን ዝብል ሸለልትነትን ንብጻይካ ዋጋ ዘይምንሃብን ንዝኣመሰሉ መርዝታት ከም ጸረ መርዚ ኮይኑ ዝፍውሰና ቅዱስ ቊርባን እዩ እንክብሉ ነዚ ኩሉ መርዝታት ንምምካን ኣዘውቲርካ ምቚራብ ከምዘድሊ ገሊጾም።
ኣብ ዕለቱ ካብ ዝቀረቡ ንባባት ቀዳማይ ካብ ዘፍ 14.18 እቲ ንክርስቶስ ዘመልክት ዘለዓለማዊ ካህን መልኪጸደቅ ንኣቦና ኣብርሃም ብኅብስትን ወይንን መሥዋዕቲ ቊርባን ከምዘቅረበን ብእምነት ኣቦና ኣብርሃብ ከኣ ዕሽር ይህቦ ከምዝነበረ ዝገልጽ ነበረ። መልኪጸደቅ ንኣብርሃም ይባርኽ ብኣብርሃም ኩሎም ዘመደ ኣዳም ከምዝባረኹ ጐይታ ዝሃቦ ቃል እዩ።
ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል እውን ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚአብሔር ከምዝገልጽናዮ ሉቃስ 9.11 ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ንሓሙሽተ ሽሕ ከምዝመገበን ተረፍ ከኣ 12 መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ነበረ። ኣብዚ እውን ጐይታና ኢየሱስ ከምቲ ናይ መልከጼደቅ ይባርኽ። ንሕና እውን ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተባረኽና ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ንባረኽ ቡራኬ ንቅበል። እዚ ንማለቱ ዝበሃል ጥዑም ቃላት ዘይኮነ ናይ ፍቅሪ ስለዝኾነ ተጠንቂቅና ኣነጺርና ብፍቅሪ ክንደግሞ ኣሎና ኢሎም።
ትዕቢት ከይለኽፈኩም ተጠንቀቁ!
ቅዱስነቶም ነቶም ቡራኬ ዝህቡ ጓሶትን ካህናትን ብጥንቃቄን ብፍቅርን ክገብርዎ ሓደራ ምስ በሉ ትዕቢትን ብደዔን ከየሸንፎም ነቲ ሓደራ ዝተዋህቦም መጓሰ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብትሕትና ከገልግሉን ክባርኹን ሓደራ ኢሎም።
ቊጠባ ወንጌል - ቊሩብ ቊራቦ’ውን ይኹን ሃብ!
ቡራኬ ብቃል እንክኸውን ነዚ ብተግባር ዝስዕብ ዘላትካ ምውፋይ ምሃብ እያ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሪኹ ቈሪሱ ኣሽሓት ዘጽገበ ቊሩብ እንጌራ ተኣምራታዊ ዝገበሮ ምውፋዩን ምስ ካልኦት ንክተካፍሎ ፍቃደኛ ብምዃኑን እዩ።