ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ 

ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዅሉ ጽፍሕታቱ ሲኖዶሳውነትን ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ዘተባብዕ ቅዋም

ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማ መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 25 ሰነ 2019 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ካዲናላት ብመሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምርሓሉ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ስርዓተ ሕጊ Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ናብ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ንዝተፈላለያ መንፈሳያን ማሕበራትን ወገላውያን ልኡካንን ገዳማትን ዓበይቲ ኣሕሉቕን ናብ ዝተወሰና ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበባት ተላኢኹን ርእይቶም ዝተወሃበሉን ሓርፋፍ ናይ ሕጊ ሰነድ ኣማእኪሉ ዕለት 25 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝተበገሰ መበል 30 ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራናንቸስኮ ተመሪሑ ይካየድ ከምዘሎን እዚ ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝረቐቐ ሓርፋፍ ናይ ኵሪያ ሮማና ስርዓተ ሕጊ ነቲ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎን 193 ዓንቀጽ ዘለዎን ስዒቡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ሰለስተ ዓንቀጻት ኣጽዲቖምን ኣዊጆምን ክሕደስ ከምዝገበርዎን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ብዝኣወጅዎ ሓደ ሕጊ ከምዝሓደስዎ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ናይ ሚያዝያ ዓውደ ኣኼባ

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ካዲናላት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን፡ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲና ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን፡ ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ብፁዕ ካርዲናል ሰይን ፓትሪክ ኦማለይን፡ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ናይቲ ጉባኤ መማክርት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ከምዝነበረን፡ እቲ ናይ ሚያዝያ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘርቐቖ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘማእከለ ከምዝነበረን፡ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዅሉ ጽፍሕታቱ ሲኖዶሳውነትን ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ዘተባብዕ ቅዋም ክኸውን እንከሎ፥ ብቕዓት ብዘለዎ ኣገባብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መርሕነት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍ ዝኣመተ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕማም ኣብቲ ዝሕተም ሓዋርያዊ መዋቕር ዝሃልኽ ወይ ውን ውዱእ ከምዘይከውን ምስትውዓል የድሊ።

ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ
25 June 2019, 16:42