POPE-ROMANIA/ POPE-ROMANIA/ 

ብፁዕ ካርዲናል ሉቻን ሙረሻስ፥ ክዉን ዝዀነ ምልክታ

ብፁዕ ካርዲናል ሉቻን ሙረሻስ፥ ክውን ዝዀነ ምልክታን ዝተጋህደ ሕልምን እንክብሉ ገሊጾም፡ ነታ እምነት ናይ ደም ሰማዕትነት ብምኽፋል ንዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፡ እምነታን ምስክርነታን ዘድቕን ኣብነትን ምዃኑ ዝሕብር እዩ

ኣብ 1948 ዓ.ም. ካብ ዕለት 28 ሕዳር ናብ 29 ሕዳር ኣብ እተሰጋግር ለይቲ ሸውዓተ ኣብ ሩማኒያ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ክሳብ 1989 ዓ.ም. ተኣሲሮምን ንስቓይ ተዳሪጐምን እምነትና ኣይንኽሕድን ካብ ምምስካር እውን ኣይንቦክርን ቢሎም ስለ ዝመለሱ ዝተቐትሉ፡ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ብላጅ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅድሴ ብፅዕና ክምዝወጀሎምን እታ ከተማ ንፈለማ ግዜ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዝተበጽሔት እዚ ዅሉ ተደማሚሩ ነታ ካልኤይቲ ሮማ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ብላጅን ሕዝባን ዓቢይ ናይ ሓጐስ መዓልትን ናይ ምስጋናን ውዳሴን ከምዝነበረን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ሸውዓተ ናይ እምነት ሰማዕታት ካርዲናል ዩሊዩ ሆሱ፡ ኣቡነ ቫሲለ ኣፍተናይኣቡነ ዮኣን ባላንኣቡን ቫለሪዩ ትራኢኣን ፍረንቲዩን ኣቡነ ዮኣን ሱቺዩንኣቡነ ቲት ሊቪዩ ቺነዙንኣቡነ ኣለክሳንድሩ ሩሱን፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ቢላ ኣብዛ መዓልቲ ዕለት 2 ስነ 2019 ዓ.ም. ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ክትእውጆም ብሓቂ ንመላእ ሕዝቢ ብፍላይ ንብላጅ ዓቢይ ሓጐስ ምዃኑ ናይ ፋጋራስን ኣልባ ዩሊያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሉቻን ሙረሳን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝፈጸምዎ ምእዋጅ ብፅዕና፡ ዝተጋህደ ሕልሚ እንክብሉ ገሊጾም፡ ነታ እምነት ናይ ደም ሰማዕትነት ብምኽፋል ንዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፡ እምነታን ምስክርነታን ዝድነቕ ኣብነትን ምዃኑ ዝሕብር እዩ፡ ጴጥሮስ ኣብ እምነት ንኸጽንዓናን ንኽሰንየናን ኣብዛ ከተማ ይርከብ፡ ክውን ዝዀነ ምልክታ፡ ኣቑሳልና ንኽስዕምን ንኽፍውስን ኣብዚ ምሳና፡ ብሓደ እውነተይና ሕንጸት ዝነጽሔ ተዘክሮ ንምሕናጽ ኣብ እንገብሮ ዝተሓደሰ ጉዕዞ ነኸበግሱልናን ጴጥሮስ ኣብዚ ምሳና፡ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩማኒያ ስለ ዝተዓደለቶ ምብጻሕ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይቶም ሸውዓተ ሰማዕታት ቅዱሳት ትሩፋትን ቅዱስ ኣዶኣዊ ምስሎም ዝተነብሮ መቓን ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ከም ገጸ በረኸት ተቕርብ ከምዝበሉን፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ብወገኖም ብብሩር ዝተሰርሔ ጽዋዕ ገጸ በከረት ከምዝሃቡን እዛ ምብጻሕ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንብላጅ ዘይትርሳዕ ከምዝዀነት ርግጸይና እየ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ሉቻን ሙረሻስ፥ ክዉን ዝዀነ ምልክታ
03 June 2019, 10:53