ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ ፈጣሬ ገባሬ እከይ ኣይኮነን

ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ኣብቲ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ኣብ ዘሎ ናይ ልመና ጸሎት ካብ ዝምደብ ክፍሊ ኣብ ዝዀነ ናብ ፈተና ኣተእትወና ዝብል ካብ ቋንቋ ግሪክ ክትርጐም እንክሎ ብትኽክል ዘይተተርጐመ ምዃኑ

ሎሚ ዕለት 1 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መፍነሳውያን ነጋዶ ነቲ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፡ ብፍሉይ ናብ ፈተና ኣይተእትወና  ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም ከምዘቕረቡን፥ እዚ ካብ ግሪክ ቋንቋ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ክትርጐም እንከሎ ብትኽክል ዘይተተርጐመ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን፡ ዝዀነ ኰይኑ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ጉዕዞ መሰናኽል ድዩ ፈተና ዘቕውም ፈጣሬ ኣከይ ከምዘይኰነ ምስትውዓል የድሊ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ኣብቲ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ኣብ ዘሎ ናይ ልመና ጸሎት ካብ ዝምደብ ክፍሊ ኣብ ዝዀነ ናብ ፈተና ኣተእትወና  ዝብል ካብ ቋንቋ ግሪክ ክትርጐም እንክሎ ብትኽክል ዘይተተርጐመ ምዃኑ ዝገለጽዎን፡ ኣብ ፈተና ኣትይሕደገና ዝብል ትርጉም ክህልዎ ከምዝግባእን ነዚ ማእከል ገይሮም፡ እግዚኣብሔር ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣጋጣሚ ይኣትው፡ እዚ ኸኣ ኣብ ምድራዊ ሕይወት ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ናጽነትን ውዲት መንፈስ ክፍኣትን ምፍሕፋሕ ከምዘሎ ዝገልጽ ምዃኑ ይሕብሩ።

እግዚኣብሔር ኣቦ ናይ ክፍኣት ፈጣርን ደራስን ኣይኰነን

እቲ ካብ ቋንቋ ግሪክ ዝተተርጐመ ነቲ ኣብቲ ቋንቋ ግሪክ ዘሎ ትኽክለይና ሓሳብ ዘይገልጽ ትርጉም መሰረታዊ ሓሳቡ እንታይ ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

ነቲ ብቋንቋ ግሪክ ዝተጻሕፈ ወንጌል ዝገልጾ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ብትኽክል ዘየቕርብ ትርጉም ዳርጋ ኣብ ክሉ ናይቲ ወንጌል ትርጉም ዘሎ እዩ፡ ሓንካስ ትርጉም እዩ፡ እንሰማምዓሉ ሓደ ማእከላዊ ሓሳብ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ዝፍተን ወይ ናይ ፈተናታት ተዋሳኢ ኣብ ጉዕዞ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰናኽል ዘንብር ከምዘይኰነ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ያዕቆብ ምዕ. 1 ፍቕዲ 13፥ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል፡ ከመይ ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ ዝብል ጠቒሶም፡ በዚ ቃል’ዚ እግዚኣብሔር ኣብ ፈተና ዘእትው ከምዘይኰነ ይገልጹ፡ ስለዚህ ኣብ ፍተና ኣይተእትወና ዝብል ትርጉም ሓንካስ ትርጉም ምዃኑ ይገልጹ።

         እግዚኣብሔር ስሌና ዝዋጋእ እዩ፡ ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ስለዚህ እዩ ኣንሕና እውን ኣቦና ቢልና እንጽልዮ፡

ኣብ ፈተና ምጽንናዕና ኣብኡን ካብኡን እዩ

ኣብ ሕይወት ወልደ እግዚኣብሔር ይብሉ ቅዱስ ኣቦና መከራን ፈተናን ብምስጢራውነት ህልዋን እያቶም።

በዚ ናይ ሕይወት ተመክሮ’ዚ ኣቢሉ ወልደ እግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉእ ሓውናን ኰነ፡ ዕንቅፋት ክሳብ ዝኸን እውን፡ እቲ ኣብቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ኣብ መዛዘሚ ዘሎ ናይ ልመና ጸሎት እቲ ከቢድን ጽንኩርን ጸሎት እዩ፡ እግዚኣብሔር ንበይንና ዘይሓድገና ብምዃኑ ከኣ ጸሎትና ድሮ ተሰሚዑ እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኢየሱስ እግዚኣብሔር ምስና ከምዝዀነ ተገሊጹልና እዩ፡ ክሳብ ሕሉፍ ሳዕቤናት ከይተረፈ።

ኣብቲ ደልሃመትን ጽንኩር ሰብኣዊ ፍጡር ነቒሑ ኣብ ዘይርከበሉ እዋንን ከይተረፈ ምጽንናዕና ካብ እግዚኣብሔር እዩ፡

ኣብ እዋን ስቓይን መከራን እግዚኣብሕሔር ብሰብ ከይሕደግ ይልምን፡ ሰብኣዊ ፍጡር ግና ይታኸስ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ክሳቐ እንከሎ ግና እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብኡ እዩ፡ ንቑሕ እዩ፡ ኣብታ ናይ ትስብእቱ ጽንኩርን ከቢድን እዋን፡ እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብቲ እንርከበሉ መዓሙቕ ስቓይን መከራን ክሳብ ኣብቲ ንታሪኽ ዝስንጥቕ ስቓይ ይርከብ፡ ናብኡ ይወርድ፡ ኣብ እዋን መከራ እቲ ምጽንናዕና ካብ እግዚኣብሔር እዩ፡ እቲ ዅሉ ሰብኣዊ ስንጭሮ ኢየሱስ ካብ ዝሓለፈል እዋን ኣትሒዙ ብህላዌ ወልደ እግዚኣብሔር ባድም ዘይኰነስ ዝተባርከ ይኸውን።

ኣመኔታ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር

ንሱ ብጥራሽ ንበይንና ኣይሓድገናን፡ እዚ ኸኣ ባዕሉ ንነፍሲ ወከፍና ዘረጋግጸልና ሓቂ እዩ፡ ኣብ እዋን ፈተናን መከራን እውን ይኹን፡ ኢየሱስ ኵሉ መከራታትናን ስቓይንና ኣብ ከበድ መስቀሉ ናቱ ገይሩዎ እዩ፡ ነታ መስቀል ተሰኪምና ክንስዕቦ እውን ይጽውዓና፡ ስለዚህ ብኣመኔታ ኣብ ፍቕሪ ኣቦ ገዛእ ርእስና ንሕደግ፥

ሕይወት ክህበናን ኣብ ጉዕዞ ሕይወትን ኣብ ሓጐስናን ኣብ ፈተናን ኣብ ጓሂናን ኣብ ውርደትናን ስዕረትናን ክንሓጥእን ንሱ ወትሩ ምሳና እዩ፡ ንበይንና ዘይሓድገና ኣቦ እዩ፡ ኣቦ ብምዃኑ  ከኣ ምጥንጣን ኣብኡ የሎን፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ ፈጣሬ ገባሬ እከይ ኣይኮነን
01 May 2019, 16:26