መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዛዕባ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሩማኒያ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዛዕባ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሩማኒያ 

መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዛዕባ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሩማኒያ

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ቡካረስት ኣብ ዝርከብ ሀንሪ ኮኣንዳ ኦቶፐኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን

ብሓባር ንጉዓዝ  ናይቲ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019  መበል 30 ዓለም ለኻዊ ሓዋያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብ ሩማኒያ መርሕ ቃል ክኽውን እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1999 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሩማኒያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣሰር ዝገበረ ምዃኑን ዕለት 29 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳድሮ ጂሶቲ ንጋዜጠናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩማኒያ ዘካድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቡካሬስትን ባካውን ሱመለው ቺዩክን ያሲን ሲቢዩን ኣብ ብላዥን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ምስ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ባህልታትን ማሕበረሰብን ዓሌትን ሃይማኖትን እውን ክራኸቡን ከምዝዀኑን፡ ብዙሕ እዋን ሩማኒያ ናይ እኖ ኣምላኽ ኣታኽትል ስፍራ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ፡ እዚ እውን ኣብ ሩማኒያ ንዘሎ ብዝሓ ባህልን ዓሌትን ሃይማኖትን መግለጺ እዩ፡ ዕለት 31 ግንቦት እውን ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ማርያም ናብ ዘመዳ ኤሊሳቤጥ ዝዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ እውን ንገዛእ ርእሱ እደ ኣሰር ማርያም ዘለዎ እዩ፡ እዚ እውን ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሩማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ መለለዪ ትእምርቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጉዕዞ እተሰንይ ምስሊ ማርያም ዝተነብሮን ዝኽተሎ ብሓባር ንጓዓዝ ዝብል መርሕ ቃል ዝምስክሮ እዩ፡ እቲ መርሕ ቃል በተወሳኺ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንውህደት ዝግበር ዘተ ዘመላኽት እውን እዩ፡ ሮማኒያ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝባ 87 ሚእታዊ ሰዓቢይ ሃይማኖ ኦርቶዶክስ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ዘተ ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ቡካረስት ኣብ ዝርከብ ሀንሪ ኮኣንዳ ኦቶፐኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ኣብኡ ብናይ ሩማኒያ ርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮሃኒስን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባላ ክግበረሎምን ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ንኽብሪ ሃገረ ሩማንያን መንግስትን  ሕዝብን ምብጻሕ ከካይዱን ኣብኡ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ስነ ስርዓ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ምስ መራሔ መንግስቲ ሩመንያ ግላዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ናይ ሩመኒያ መራሔ መንግስቲ ቫሲሊካ ቪዮሪካ ዳንሲላ ናይ ሃገሮም ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሩማኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ ቅዱስነቶም መደረ ከስምዑ ምዃኖም ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ዳኒኤል ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ክራኸቡን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ክራኸቡን ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ካቴድራል ድሕንት ሕዝቢ ብሓባር ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ክደግሙን ካብኡ ተሰናቢቶም ቅዱስነቶም ኣብ ካቶሊካዊት ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ቅድስተ ማርያምን መንእሰያትን

ቀዳም ዕለት 1 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንጐሆ ካብ ቡካሬስት ናብ ባቻው ዞባ ሞልዳቪያ ክነቕሉን ሰዓት 11.30  ኣብ ሩማኒያ ተጠቃሚ ቋንቋ ቡልጋርያ ካቶሊክ ማሕበረሰብን ንናይ ካልኦት ሃገራት እውን ናይ ንግደት ማእከል ኣብ ዝዀነ ቅዱስ ስፍራ ቅዱስ ሳሙለው ቺዩክ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ድሕሪ ቐትሪ ናይ ያሲ ኣብ ዞባ ሞልዳቪያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ንግስተ ማርያም ንግደት ከካይዱን ቀጺሎም ናብ ቡካሬስት ተመሊሶም ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ፊት ሕንጻ ባህሊ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ማርያማዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ከካይዱ እዮም።

ደም ሰማዕታት

ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ሰዓት 11 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ብላይ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ናጽነት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ንሸውዓት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ደም ሰማዕትነት ንዝጠቐበሉ ሸውዓተ ጳጳሳት ብፅዕና ክእውጁ እዮም። ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ብላይ ክፍለ ከተማ ባርቡ ላኡታሩ ምስ ማሕበርሰብ ሮም ክራኸቡ ምዃኖ ጂሲቶ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዛዕባ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሩማኒያ
30 May 2019, 16:38