ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሩመኒያ ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሩመኒያ ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሩመኒያ ኣትዮም

ካብ ናይ ሃገረ ሩመኒያ ክቡር ዘበዐይና ድሕሪ ዝቐረበሎምናይ ክብሪ ሰላምታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሩመኒያ ናይ ኢታሊካ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ሙርይ ቡወንዲኣ ተሰንዮም ንኽብሪ ሕዝብን መንግስትን ሩመኒያ ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ከምዝኽዱን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩመኒያ ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካይድድዎ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10. 30 ደቓይቕ ቡካረስት ኣብ ዝርክበ ሀንሪ ኮኣንዳ ኦቶፐኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብምእታው ከምዝጀነሩን፡ ብናይ ሩመኒያ ርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮዋኒስን ብኽብርቲ በዓቲ በዓልቲ ቤቶምን ተሰንዮም ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሩመኒያ ኣትዮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጀካ ርእሰ ብሔር ካውስ ወነር ዮዋኒስን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ዝገበሩሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ መጻእኵም ናይ ኣቀባላ ስነ ስነ ስርዓት ክልተ ናይ ሩመኒያ ባህላዊ ኣልባሳት ብዝተኸድኑ ሕጻናት ንቕዱስነቶም ዕንባባ እውን ከዝለገሱን ኣብቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ስነ ስርዓት ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝግመት ሕዝቢ እውን ከምእተሳተፈን፡ ካብ ናይ ሃገረ ሩመኒያ ክቡር ዘበዐይና ድሕሪ ዝቐረበሎምናይ ክብሪ ሰላምታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሩመኒያ ናይ ኢታሊካ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ሙርይ ቡወንዲኣ ተሰንዮም ንኽብሪ ሕዝብን መንግስትን ሩመኒያ ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ከምዝኽዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ መራሔ መንስቲ ቫሲሊካ ቪዮሪካ ዳንቺላ ተራኺቦምን ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውና ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ሩመኒያን ተራኺቦም ድሕሪ ርእሰ ብሔር ክላውስ ዋርነር ዮኣኒስ መደረ ቅዱነቶም ዘረባ ከምዘስምዑ ካስተሊ ገሊጸን።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሩመኒያ ኣትዮም
31 May 2019, 11:01