ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋሪያ ንሕውነታዊ ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ነኦፊት ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋሪያ ንሕውነታዊ ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ነኦፊት 

ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋሪያ ንሕውነታዊ ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ነኦፊት

ኣብ ቡልጋሪያ ይብሉ ፕሮፈሰር ዲያቆን ኢቫን ስቶያኖቭ ኢቫኖቭ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ኣባይቲ ሃይማኖትን ናይ ሓባር ዘተ ካብ ጥንቲ ዝጸንሔን ዝቕጽልን ዘሎ ባህሊ

ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ዝኩር ኰይኑ፡ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ክራኸቡ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓደ ክዀና ናይ ኢየሱስ ጸሎት ናብ ኣቡኡ ክኸውን እንከሎ ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን እውን ኣብነት እያቶም፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሶፊያ ቅዱስ ቀለመንጦስ በዓል ኦህሪድስኪ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሊጡርጊያ መምህር ፕሮፈሰር ዲያቆን ኢቫን ስቶያኖቭ ኢቫኖቭ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ዕለት 24 ግንቦት 2002 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቡልጋሪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዘካይድዎ ምብጻሕን ምስ ርእሰ ኵሉ ፓትሪያርክ ዘቡልጋሪያ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ዘካይድዎ ርክብ ኣብ ዓለም ናይ ክርስቶስ ብርሃን ብሓባር ምምስካር ንዝብል ተልእዀ ዘበራትዕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቡልጋሪያ ይብሉ ፕሮፈሰር ዲያቆን ኢቫን ስቶያኖቭ ኢቫኖቭ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ኣባይቲ ሃይማኖትን ናይ ሓባር ዘተ ካብ ጥንቲ ዝጸንሔን ዝቕጽልን ዘሎ ባህሊ ክኸውን እንከሎ ካብ ዝሓለፍ ዓመታት ንነጀው ብማሕበራውን ብናይ ሕንጸትን ንጥፈታት ኣቢሉ ዝነቓቓሕ ኰይኑ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም፡ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ምትሕብባር ዘተባብዕ እውን እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይዚ ርክብ’ዚ ረባሒ መላእ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበራትዕዎን ሓድሽ መልክዕ ዘትሕዝዎን ዘለዉ ምስ ቤተ ምስልምና ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ብሓቂ ዝነኣድ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ግምት ዝወሃቦ ዘሎ እውን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ቡልጋርያ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ታሪኽ ናይ ታሪኻ ክፍሊ ዝገበረትሉን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ምልካዊ ስርዓት ዴስነት ክውገድ ዘበርከትዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦን ኣብ ታሪክ ቡልጋሪያ ዓቢይ ስፍራ ዘልዎ እዩ፡ እቲ ናይ ቡልጋሪያ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተነኦፊትን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶምን ዘካይድዎ ርክብ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕውነታውነት ዘቃልሕ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ቡልጋሪያ ንሕውነታዊ ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ነኦፊት
03 May 2019, 18:15