ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን

ቡልጋርያ ናይ ህብረ ባህልን ህብረ ስልጣነን ሃገርን ናይ ምብራቕን ደቡብን ኤውሮጳ ድልድልን በሪ ነቲ ቀረባ ምብራቕን ምዃና ገሊጾም፡ ጥንታዊ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዝተሰርታ ኣብቲ ከባብ ኰነ ብዓለም ሓቆፋዊ ደረጃ እውን ናይ ምርኻብ ጸዋዕታ እትድግፍ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሶፊያ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ንኽብሪ ሃገረ ቡልጋርያን መንግስትብ ሕዝብን ናብ ናይታ ሃገር ቤተ መንግስቲ ብምኻድ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ሩመን ራደቭ ወግዓዊ ኣቀባላ ተገይሩሎም ብናይ ቤተ መንስቲ ክቡር ዘበዐይና ብወተሃደራዊ ሰላምታ ዝተሰነየ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ቡልጋርያ ብሔራዊ መዛሙር / መዛሙር ሰንደቕ ምስ ተሰምዔ ቅዱስነቶም ብናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋርያ ርእሰ ብሔር ሩመን ራደቭ ተሰንዮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዮም ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶምን ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ስነ ስርዓት ሌላን ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ገጸ በረከት ተኻይዱ ምስ ኣብቀዔ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፊት ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኣታናስ ቡርቮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ርእሰ ብሔር ራደቭ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ቅድም ቀዳድም ስለ እቲ እተካይድዎ ዘለዅም ምብጻሕ ብልቢ አመስግን ቢሎም፡ እቲ ጥንታዊ ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝርከባ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን እምነት ክርስትና ዝተቐበለት ብዙሕ ስቓይን ፈተናን ዘሕለፈትን ነዚ ዅሉ ፈተና’ዚ ብጸጋን ብግብረ ገባውን መፈሳውን ሚዛንን ብድጋፍ ቤተ ክርስቲያንን ባህላን እምነቶም ጥበብ ክትሰግር ናይ ዝበቕዔት ሃገርን ሕዝብን ልባዊ ሰላምንታ ኣቀባብልና የቕርበልኩም።

ርእሰ ብሔር ራደቭ ኣስዒቦም፥ ነቲ ናይዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም እዚ ንገዛእ ርእሱ ካብ ቡልጋርያ ናብ መላእ ዓለም ዘቃልሕ ጻውዒት ሰላም ምዃኑ ገሊጾም፡ … ሰላም ዕዉትን ነባርን ዝኸውን ሰብኣውነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሕዝብታትን ዓሌታትን ምክብባርን ምቅብባልን ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ፡ ሕዝቢ ቡልጋርያ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፍልልያት መሰረት ዝቐውም ጽልእ ዝነጽግ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ካብዚ እቲ ርክብ ዝካየደሉ ዘሎ ስፍራ ቁሩብ ርሕቕ ቢሉ ካብ ዘመናት ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራን መስጊድን ካቶሊካዊ  ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሙክራብን ይርከብ እዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ ኢሎም።

ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፈላላይ መናድቕ ዘይኰነስ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ንዝብል መልእኽቶም ርእሰ ብሔር ራደቭ ዘኪሮም፡ … እዚ ናይ እዋንና ተልእዀ እዩ፡ ፈላላይ መናድቕ ምቛም ቀሊል እዩ፡ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ከቢድ እዩ፡ ስለ እቲ ሎሚ ኣብ መንጐ ቡልጋርያን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ ሰናይ ርክብ ነቶም ሓነጽቲ ድልድል ነመስግን፡ ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ር.ሊ.ጳ. ኣድሪያኑስ ዳግማዊ ንናይ ቡልጋርያ ፊደል ከምዝባረኹን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ቀለመንጦስ ቅዱስ ቆስጣንጢኖስ ቀርሎ ፈላስፋ ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ቡልጋርያዊ ቅዱስ ዓጽም ከምዝርከብን እዚ ስፍራ’ዚ ንቡልጋርያውያን ቅዱስ ስፍራ እዩ፡ ካብ 44 ዓመታት ኣትሒዙ ዝጀመረ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 24 ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን መጠዲዮስን ናይ ኤውሮጳ ሓባርያን ሓለውቲ ቅዱሳትን ናይ ስላቫዊ ዓለም መምሃራንን ምኽንያት ልኡካን ቡልጋርያ ክቡር ኣቀባብላ ዝገበረሎም እውን ምዃኖም ዘኪሮም፡ … ባህላውን ታሪኻውን ርክብ ቡልጋርያን ሃገረ ቫቲካንን ተወኪሶም ድሕሪ ዘስምዕዎ ዘረባ … ምንቕቓሕን ዕቃበ ሰላምን ንናይ ኩሉ ዘርኢ ሰብ ረብሓ እዩ… ምውጋድ ምልካውነትን ኣሳዶን ውርደትን ድኽነትን ጊልያነትን ተሓርጐነትን ራዕድን ብጠቓላ ፍጥረ ሰብ ዘሻቕሉን ምውጋድ የድሊ።

ኣቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ህገራት ዘሎ ርክብ ቅንዕናን ውዕዉዕ ስምዒት ዝዓሰሎን ካብቲ ሻቕሎትናን ራእይናን ሓደ ካብ ምዃን ዝነቐለ እዩ፡ እዚ ከኣ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን የበራትዕ። ናይ ኣመለኻኽታ ድዩ ካልእ ዓይነት ፍልልያት እውን ይሃሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ክብሩን ልዑልን ዝዀነ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ኣስተንፎ ብሓባር ከሓንጾን ከረጋግጾን ዝከኣል እዩ፡ ምብጻሕኩም ንሕዝቢ ቡልጋርያ ዘለኵም ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣብ ሰላማውን ቅኑዕን ሰብኣውን ዓለም ሕንጸትን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ልዕሊ ቡልጋርያ ዘለኩም እምነት ዘረጋጽ እዩ፡

ቅዱስነትኵም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠቓሊሎም።

ቃል ርእሰ ብሔር ቡልጋርያ ራደቭ

ቃል ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋርያ ርእሰ ብሔር ራደቭ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ቃል ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድም ቀዳድም ስለ እቲ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ርእሰ ብሔር ራደቭ ስለ ዘስምዕዎ ልባዊ ቃል ኣመስጊኖም፥ ንርእሰ ብሔርን ናይ መንግስትን በርገሳውያንን ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ቡልጋርያ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቡልጋርያ ናይ ህብረ ባህልን ህብረ ስልጣነን ሃገርን ናይ ምብራቕን ደቡብን ኤውሮጳ ድልድልን በሪ ነቲ ቀረባ ምብራቕን ምዃና ገሊጾም፡ ጥንታዊ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዝተሰርታ ኣብቲ ከባቢ ኰነ ብዓለም ሓቆፋዊ ደረጃ እውን ናይ ምርኻብ ጸዋዕታ እትድግፍ እውን ምዃና ዘኪሮም፡ እዚ ርክብ’ዚ  ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍልዩ መግለጽን መለለይኡን ዘኽብር እዩ፡ ህብረኣውነት ሃብቲ እምበር ምኽንያት ግርጭት ተገይሩ ዘይረኣየላ ሃገር እያ።

ናይ ኤውሮጳ ቅልውላው ሚዛን ውልደት

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘየኸብር ብዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ግዳይ ንዝዀነ ኣታናስ ቡሮቭ መዘከርታ ኣብ ዝዀነ ኣደባባይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ዴስነት ካብ ዘብቅዕ ሳላሳ ዓመታት ዘቑጸረ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶን ህልው ኩነታት ቡልጋርያ፡ ጸኣት ስደተይናታትን ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ኣመኔታ ከምዘየለ ዘነጽር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ሚዛን ውልደትን ሳዕቤኑን ገሊጾም።

ስደተይና ምእንጋድን ድጋፍ ንመንእሰያትን

ቡልጋርያ ብዙሓት ካብ ውግእን ድኽነትን ንዘምልጡ በራታ ንዝኩሕኩሕ … ውሑስ መጻኢ ዘናድዩ ስደተይናታት ዝርከብዋ ምዃና ጠቂሶም፡ ስደተይናታት ክእንገዱ ሓደራ ዝብልን ድጋፍ ንመእሰያትን ዝብል ምሕጽንታ ንርእሰ ብሔር ሩመን ራደቭ ከቕርቡ እንከለዉ፥

… ቡልጋርያ መንእሰይ ወለዶ ንምድጋፍ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ብምትብባዕ ነቲ ዝሓለፈ ቡልጋርያ ዝበደሃቶ ናይ ስደትን መከራን ኩነት ኣብ ቅድሚ እቲ ሓገዝ ዝሓትት ልባታን የዕንታን ከይትዓጽውን እዚ ኸኣ በራትካ ንዝኵሕኩሕ ምርሃው ናይ ቡልጋርያ ባህሊ መሰረት እዩ

ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮት ሃይማኖታት ብሓባር

ቅዱስ ኣቦና ሰላምታኦን ናብ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ኣቕኒዖም፡ ንመላእ ምእመና ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንን ከምኡ እውን ነቶም ኣብ እምነቶም ንምጽናዕን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶምን ክርስቲያናዊ ምስክርነቶምን ንምብርታዕ ዝመጻእክዎም ካህናትን ጳጳሳት ገዳማውያንን ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን መእመናንን ሰላምታይ ኣቕርብ ቢሎም፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ዘኪሮም፡ ኣብ ቡልጋርያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን እውን ብጠቕላላ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሰላም ዕሴት ክጸንዑ ይምዕዱ።

ቡልጋርያ እተቕርበልና ጽቡቕ ዕድል ተጠቒምና ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ስኒትን ስምምዕን ንምንቕቓሕን ሰብኣውነትን መሰልን ክብርን ምሉእ ምክብባር፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽን ግዳይ ዝገብር ኩሉ እከይ ተግባር ንዝፍሽል ተራኽቦ ስልጣኔታትን ባህልታትን ብዝብል ዕሴት ዝተመልአ ባህሊ ንምምዕባል ዝድግፍ ክኸን ንጠቀመሉ። በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢልና ነቶም ኵሉ ካልእ ንምምዝማዝ ከም መጋበርያ ንኽጥቀሙ ንዝጽዕሩ ነሰንፍ

ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያ ዘካየድዎ ምብጻሕን ከምኡ እውን ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቡልጋርያ ከም ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዘገልገሉ ድሓር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዝተሓርዩ ዮሓንስ መበል 23 ዘኪሮም፡

እዚ ንሃገርኩም ቡልጋርያ ዘለዎም ክብርን ጦብላሕታን ዘረጋግጽ እዩ፡ መንን ካበይን ሃይማኖቱኸ ዘይብል እንገዳ፡ ቡልጋርያ ክፉት በሪ ከምዘለዋ ዝምስክር እዩ፡ ኣብ መንጐ ኵሎም ክርስትያን ሕውነታዊ ምትሕብባር ክህሉን ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዘተባብዑን ብዝጸውዕዎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቢሎም እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዘቕነዔ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሑ እዮም  …

ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን

ካብ 1968 ዓ.ም. ናይ ሮማ ጳጳስ ዕለት 24 ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን መጠዲዮስን ምኽንያ ናይ ቡልጋርያ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምእንጋድ ልሙድ ባህሊ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን እዞም ክልተ ኣሕዋት ናይ ስላቭ ሕዝቢ ሰባክያንን ኣብ መጻኢ ቋንቋን ባህልን ናይቲ ከባብ ህዝብን ዘማዕበሉን ብፍላይ ናይ ቅድስናን ክርስትናን መሰኻኽር ምዃኖም ዝንገረሎም እናሓሰቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን ናይ ኤውሮጳ ሓባራውያን ሓለውቲ ቅዱሳት፡ ብጸሎቶምን ፍልጠቶምን ሓዋርያዊ ጻዕርታቶምን ኣብነት ኣያቶም፡ ድሕሪ ኣሸሓት ዘመናት ሎሚ እውን፡ ኣብነት ፍርያም ዘተን ስምምዕን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣህዛብን ኣብነት ሕውነታዊ ምቅርራባትን እያትም፡ እዚ ኣብነቶም’ዚ እቲ ኣድማዒ ኣብነቶም ኣብ እዋንና ጐደና ሰላምን ስምምዕን ክንሓልም ዝገብሩ ንኣኣቶም ዝመስሉ ዘነቓቕሕ ይኹን

ቡራኬ ቅዱስነቶም

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እግዚኣብሔር ቡልጋርያ ይባርኽ ኣብ ሰላምን ኣብቲ አንጋዲ ባህላን ይዓቅባ፡ ፍስህትን ብልጽግትን ይግበራ ዝብል ጸሎት ኣቕሪቦም፡ እዛ ብውሕጅ ዳኒዩብን ባሕረ ጸሊምን ዝተሓንጸጸት ፍርያም ሃገር ኣብ መንጐ ባህልታን ንዝህሉ ርክብን ምልውዋጥ ንግድን ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውህደት መሰረት ትኹን፡ ምስ ሩሲያን ቱርክን ዘለዋ ጽኑዕ ርክብ ንደቃ ብሩህ መጻእ እተቕርብ ትኹን እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግቶት ክፍሊ ዜና ቫቲካ ሚካኤል ራቪያርት ሓቢሮም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ መንግስታትን
05 May 2019, 13:34