ር.ሊ.ጳ፥ ናይ ሓደ ዝተሓደሰ ዓለም ለኻዊ ምድግጋፍ ዝብል ሕልና ኣስፍሑ

መንግስቲ ነገልግሎት ሰብን ነቶም ማሕበረ - ሰብን እዩ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ ግዜ በዝዕብልል ክፍሊ ሕብረተሰብ ድዩ ወይ ናይ ኤኮኖሚ መኽሰብን ብዝብል ነጻሊ ረብሓታት ክስተይ ይረኣይ

ካብ ዕለት 1 ግንቦት ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምሁራትን ሊቃውንትን ኣሳቲፉ ሓደጋን ስግኣትን ልኡላዊንተይናውነትን ብሔርተይናውነትን ብሰፊሕ ዝትንትን ብሔርን ሃገርን፥ ሃገረ መንግስትን ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 3 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ከዘጠቓለለ ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ መሰረታዊ ዕላማ ብሔርተይናውነትን ልኡላዊንተይናውነትን ዝኣመሰለ ሰለይ ኣናበለ ሕዝብን ሃገርን ዝወርር ዘሎ ስርዓተ ኣመለኻኽታ ጐዳኢ ምዃኑ ንምሕባር ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 2 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባኣያን ቃለ ምዕዳን ከምእተለገሰ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበ፥

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢ ክበሃል ይከኣል ዝሰፍሕ ዘሎ ጽልኢ መጻእተይና ብፍልያ ንስደተይናታትን ተተሓሒዙ እውን ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዕሽሽ ዝብል ብሔርተይናውነትን ብዓቢይ ስክፍታ ትከታተሎ ከምዘላ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣቦ መንበር ፕሮአሰር ዛማኚ ተጋብእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣላልዮም ቅዱስነቶም ምእንቲ ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ዘስምዕዎ ቃል ምስጋና ኣስዕቦም ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፡

ሕዝቢ፥ ካባብን ሕግን ኣገባባት ማሕበራዊ ናብራን

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ገለገለ ሃገራት ርክባተን ኣብ ምትሕብባር ዘይኰነ ኣብ ውደራ ብዝቖመ ኣገባብ ዝነብርኦ ከምዝዀናን፡ መልክዓ ምድራዊ ሕንጻጸ ንናይ ኣሕዛብ ባሕረ ሓደ-ኣውነት ግምት ዘይሃበ ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ይግብኣኒ ሕቶን ምስሕሓባትን ክለዓዓል ገይሩ እዩ፡ ይገብር እውን ኣሎ። ቅዱስ ቶማስ ከምዝብሎ፡ ሕዝቢ ልክዕ ከም ሓደ ውሕጅ ናይ ገዛእ ርእሱ መጸውዕ ስም ዘለዎ እዩ፡ እቲ ውሕጂ ዋላ’ኳ ኣብ ወሓዝነቱ ብዙሕ ናይ ስም ድዩ ቅርጽን ምቅይያራት ዘጋጥሞ ይኹን ውሕጅ ምዃኑ ነባሪ እዩ፡ ሓደ ሕዝቢ እውን ልክዕ ከምኡ ናይ ነፍሱን ወይ ውን ንናይ ሕዝባዊ መንነቱን ዘይኰነስ ካብ ናይ ሕግን ንናይ ማሕበራዊ ኣነባብራኡን መንነት ንላዕሊ ብናይ ከባቢኡ መንነት እዩ ዝግለጽ፥

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሕዝቢ ባህልን ልምድታትን ኣብ ሓባራዊ ናብራ ዝተሰርተ ናይ ሕዝብን መሬትን ፍቕሪ ተተባብዕ፡ ይዅን ደኣ እምበር እዚ ፍቕሪ’ዚ መገዱ ከይስሕትን ካልኦት ንምንጻልን ንናይ ዓመጽ ምኽንያት ዝዀነ ፈላላይ መናድቕ ዘቕውም ብሔርተይናውነትን ሓለፋ’ዚ እውን ዓሌተይናነትን ጸረ ሴማውን በጋበርያ ከይከውን ተጠንቅቕ … ሓደ መንግስቲ ሃገር እቲ ናይ ህዝቢ ብሄራውነት ጦብላሕታ ጸረ ካልእ ሕዝቢ ወይ ማሕበረሰብ መሳለጢ ክኸውን ምስ ዝገብር ኣብ ተልእዀ መግስተ ሃገርነቱ እይ ዝቦክር።

ስደተይና ስግኣት ዘይኰነስ ትዋሂዱ ክነብር ዝብቕዖ ዕድል ክፍጠረሉ እዩ ዝግባእ

መንግስቲ ነገልግሎት ሰብን ነቶም ማሕበረ -  ሰብን እዩ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ ግዜ በዝዕብልል ክፍሊ ሕብረተሰብ ድዩ ወይ ናይ ኤኮኖሚ መኽሰብን ብዝብል ነጻሊ ረብሓታት ክስተይ ይረኣይ፡ ተተሓሒዙ እውን ንስደተይናታት ዝምልከት ዝኽተሎ ሕግታት ኣብ ዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምስ ሰብኣውነትን ናይ ዝህልዎ ርክባትራእይ እዩ ዘንጸባርቕ፡ …

ስደተይና ንዘእንግዳ ሃገራት ባህልን ልምድን ዕሴታትን ስግኣት ኣይኰነን፡ ንሱ ማለት እቲ ስደተይና እውን ግብኡነት ኣለዎ ብዘእንግዶ ባህሊ ክወሓጥ ማለት ዘይኰነስ ተዋሂዱ ናይ ምንብር ሓላፍነት ኣለዎ፡ ከም ሰብ ገዛእ  ርእሱ ኰይኑ ዝነብር ግና ናይታ እተእንግ ሃገር ማሕበራዊ ሕይወት ተቛዳስን፡ … በዚ ኣገባብ’ዚ ስደተይና ነቲ ተዋሂዱ ንኽነብር ዘእንግዶን ሕዝቢ ዘሀብትም ዓቢይ ዕድል ክኸን ይኽእል

ዓውሎማውያን ብድሆታት ሓደ ሃገር ብናጽላ ዝገጥሞ ኩነት ክኸውን የብሉን

ጸኣት ስደተይናታት ብምስትውዓል ክመሓደር ዘለዎ ማሕበራዊ ክስተት እዩ፡ ስለዚህ ሕዝብታት ኣብ ናይ ምእንጋድ ባህሊ ምሕናጽ የድሊ፡ ኵለን ሃገራት ናይ ሰባት ምውህሃድ ውጽኢት እያተን፡ እዚ ማሕበራዊ ከይዲ’ዚ ቀጻሊ እዩ፡ ንምዅላፉ ዝግበር ጻዕሪ ኵሉ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ፡ ስለዚህ ዓውሎማውያን ብድሆታት ብዓውሎማዊ ደረጃ ምንባብን በዚ ኣገባብዚ መፍትሒ ክረክብ ምግባር እምበር ሃገራት ብናጽላ ንበይነን ዝገጥመኦ ጉዳይ ክኸውን የብሉን፡ ከም ኣብነት እውን ናይ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ታሪኸንን ከምኡ እውን ናይ ሲሞን ቦሊቫር ኣብ ልዕሊ ላቲን ኣመሪካ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግብኡ ክብሩ ዝኽበረሉ ዝብል ናይ ዓቢይ ሃገር ራእይ ዘመላኽቶ ጠቒሶም፡

ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ኣብ መንገኤን ዝተፈጥረ ምቅርራብን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘገብርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞን ድሕሪ ካልኣይ ውግዕ ዓለም ዝተበጽሑ ስምምዓት ዘዕሰሎ ድማዕ ከይዝንጋዕ ሓደራ፡

ናጽላ መንነት ዘኽብር መድብለ ጐናውነት ምትብባዕ

ቅዱስነቶም፥ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን መድብለ ጐናውነት ምትብባዕ እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ሓደስቱ ዝወጣወጡ ዘለዎ ብሔርተይናውነት ዝብል ዓብላሊ ኣመላኻኽት ብምስትውዓል ኽኸውን እንከሎ፡ ከምኡ እውን ኤኮኖሚያውን ጽንሰ ሓሳባውን ልዕለ ሓያላን ኣብ ልዕሊ ድኹማት ወይ ድኻታት ሃገር ዘስዕቦ ጸቕጥን እናሓሰቡ ዘመላኸትዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡

ፍልልያት ኣብ ጽፍሐ ማያት ዘውርድን ከባብውያውነት መንነት ዝዕፍንን ዝረአይ ዘሎ ዓውሎማውነት ርኢኻ ብሔርተይናውነትን ዓብላሊ ስርዓተ ሃጸይነት ብቐሊሉ ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ምስትውዓል ብዙሕ ዘጸግም ኣይኰነን፡ ስለዚህ ኩሉ ቅድመ ክፍለ ኣካላት ዝብል መትከል መሰረት፡ ዓውሎማውነት ክሳብ ንናይ ሓባር ሕድ ሕዳዊ ኣፍልጦ ምሃብ ንናይ ሓባራውን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሕዝብታትን ብሔራትን ንገዛእ ርእሱ ንናይ ዓውሎማ መንነት ዘኽብር ኰይኑ ብሓፈሻኡ ሰላምን ስምምዕን ዘረጋግጽ ሓባራዊ ስርዓት ዘህሉ ንናይ ኩሉ ድማዕ ክኸውን ብዘብቅዕ ብዝሓ ወጅሃውነት መሰረት ክትግበር ኣለዎ።

ንንጽገት ናይ ሓደ ሓድሽ ኑክለሳዊ ውጥረት እዋን

ቅዱስ ኣቦና በቲ ንናይ ኩለን ሃገራት መንግስታት ብዝውክ ኣገባብ ዝቖመ ንውስጠ ሃገረ መንግስታውያን ተቕዋማት ርክብ እናሓሰቡ፡ እዚ ቅዋሜ’ዚ ናይ ሕነ ምፍዳይ ዝብልን እደ ኣታውነትን ወረራን ግጭትን ዝብል ስነ መጐት ብዘተን ሽምግልናን ብዝብል ኣመክንዮ ክትካእ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም እቲ ሃገራትን መንግስታትን ዝገማሞ ብሓድሽ ምትሕብባር ዘተባብዕ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክትካእ መታን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንኢዶም፥

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ካብ ጥንቲ ተተሓሒዞም ዝመጹ ብዝሓ ምዕባሌታት ዘምክን ዘጨንቕ ናብ ውግእ ዘሰንይ ኑክለሳዊ ምስሓባትን እቲ ክትግምቶ ዘጸግም ተፈጥሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ ትሕቲኡ ዘአትው ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን ንገዛእ ርእሱ፡ ካብ እነበረሉ መሬት ሓሊፉ ኣብ ጠፈር እውን ኑክለሳዊ እጽዋር ንምትካል ዝግበር ተኻላኻልን ኣጥቃዕን ሜላ ዝኽተል ውደራ ብሓቂ ኑክለሳዊ ሕልቂት ዘርኢ ሰብ ዘስዕብ ከምዝኸውን ንምግማት ዘጸግም ኣይከውንን፡

ምትሕብባር ዝብል ሓደ ሓድሽ ሕልና ምስፋሕ የድሊ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንነፍሲ ወከፍ መንግስታት ንናይ ኩሉ ሕዝቢ ረብሓ ምርግጋጽ ክዓዩ ዝብል ዝለዓለ ሓላፍነቶም ምስል ቢሎም ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ጥቕሚ ሕንጸት ከተኵሩ ከምዘለዎም ጻውዒት ብምቕራብ፥

ፍቱዋት ኣዕሩኽ … ብሓባር ምሳይ ኰይንኩም ናይ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ጥቕምን እንነብረላ መሬት ምኽባርን እቲ ዓቢይ ጸጋ ዝዀነ ሰላም ዓለም ለኻዊ ተኸባርነት ክህልዎ ዘብቅዕ ምትሕብባር ዝብል ሕልና ክሰፍሕ ኣብ ምግባር ጻዕሪ ክትሓብሩ እላበው!

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ፥ ናይ ሓደ ዝተሓደሰ ዓለም ለኻዊ ምድግጋፍ ዝብል ሕልና ኣስፍሑ
03 May 2019, 18:21