ካብ ንመደባትኩም ቀዳምነት ንደቂሰባት ሃቡ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ግብረ ሠናይ ካሪታስ

ብካሪታስ ኢንተርናስዮናሊስ ዝፍለጥ ዓለምለኸ ግብረሠናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ ትማሊ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋባእቲ ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ጥራይ ትምልከት ጒድለት ዘይብላ ማሕበር ክትከውን ዘይኮነስ ንግለሰባት ከም ሰባት ንክተገልግል ስለዝኾነ ካብ ቀዳምነት ንመደባትኩም ዘይኮነ ንደቂሰባት ሃቡ! እንክብሉ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ካሪታስ (ምግባረ ሠናይ) ዋናታት ጸሓፍትን ካልኦት ሓገዝቶምን መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ሮማ እንክርከቡ እዞም ሰባት እዚኦም ብስም ቤተክርስትያን ጸገማት ኣብ ዝርከቦ ኩሉ ተረኺቦም ንሥቃይን ገዓርን ጽጉማት ሰሚዖም ንክምልሰ ዝተኻእሎም ዝቃለሱን ነቶም ብኢፍትሓውነት ዝሳቀዩን ዝተዓብሱን ከጸናንዑን ድምጾም ኮይኖም ክዛረቡን ዝቃለሱ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዝምርሑ ኣገልግልቲ እዮም። ኣብ`ዚ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም መሪሕ ቃል ዝተመርጸ `ሓንቲ ሥድራቤት ዘመደኣዳም ሓንቲ ሓባራዊት ቤት` ዝብል እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብ ስብከቶም ነዚኣ መሪሕ ቃል እትመሳሰል ብሓባር ክንጐዓዞ ዘሎና ሓንቲ እምነት ኣላትና ኢሎም።

ብሓባር ክንስዕባ ዘሎና እምነት!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም እታ ኣብ መጀመርታ ብሓዋርያት ዝተተኽለት ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ብሓባር ምክፋል ብዝብል መንፈስ ተመሪሓ ብሓባር ኣብ ትጐዓዘሉ ዝነበረት ዘመን ሠለስተ መለለዪ ነጥብታት ነሮማ ይብሉ። እዚኦም ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ንምኽኣል ትሕትና ብሓባር ንክትጐዓዝ  ውህበት ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ጠንጢንካ መኒንካ ንምሕዳግ ትብዓት እየን ኢሎም። ቤተክርስትያንከስ ነቲ ሕይወት ዘጓንፋ ሓጐጽጐጽ ከይፈርሐት ንኩሉ ብቅርጥውና ክንፍጽም ካብ ዝብል ፈተና ክትርሕቅ ይምሕጸኑ።

“ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደልያ ቤተክርስትያን ፍጽምቲ ዝኾነት ብኩሉ መሣርዓ ጽቡቅ ተደላዲላ ጽቡቕ ሽማ ክትከላኸል እትቃለስ ኣይኮነትን። ንሱ ዝደልያ ከምታ ናይ መጀመርያ ቤተ ክርስትያን ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ዝጐዓዛ እያ። እዘን ሎሚ ብኩሉ መሣርዓተን ከዋድዳን ቅርጽታት ክሰርዓን ሒዅ ዝብላ መሻኺን እብለን። ንዓይ የጒህያኒ! ኢየሱስ ከምኡ ክንከውን ዝደሊ ኣይመስለንን። ቤተክርስትያንሲ ንሓርጐጽጐጽ ከይፈርሀት ኣብ ጉዕዞ ክትርከብ ኣለዋ። መደብ ሕይወትናን መነባብሮናን ወንጌል ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ከመይ ኩሉ ኣብኡ ኣሎ። ዘጓንፈና ጸገማት ከም መእዘዚ መድሓኒት ሓኪም ዝርዝር ጸገማትን መፍትሒኦምን ብዝሓዘ ሥነመጎት ኣይኮነን እንፈትሖም እምነትሲ ዝርዝር ዝግበርን ዘይግበርን ነገራት ዘይኮነ መንገዲ ሕይወት ኮይኑ ብመንፈስ ምትእምማን ብሓባር ወትሩ ብሓባር ክትጐዓዞ ዘሎካ መንገዲ እዩ። ብሓባር ንክትጐዓዝ ግን ምንም ትሕዝቶ ዘይብሉ ዘይጭበጥ ተስፋ ዝህቡ ቃላት ኣብ ተግባር ግን ባዶሽ ዝኾኑ ቃላት ክእለዩ ኣለዎም።”

ትሕዝቶ ዘይብሉ ናይ ምስትምሳል ቃላት ወጊድ ንበሎ!

ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሰኸም ከብዝሕ የብሉን። ከም ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብሓባር  ኣብ እንጐዕዘሉ እውን ከምኡ ነቲ ኣብ ስብከተወንጌልን ፍቅሪ እግዚአብሔር ንምስባኽ ዕንቅፋት ንዝኾነና ነገራትን ክነፋዅሶ ኣሎና። ልዕሊ ኩሉ ነታ ሓቀኛ እምነት ክትንክፍ ንዝኽእል ነገራት ለቂምና ክንኣልዮ ኣሎና በዚ ከኣ ካብቲ ጠቢቚ ክሕዘና ዝኽእል ነገራት ንነጽሕ ንገላገል እውን።

“ከም ቤተክርስትያን ብምንም ትካላዊ ውዑላት ክንእሰር የብልናን እንታይ ደኣ ብናይ ወንጌል ኣውታር ክንምራሕ ኣሎና። ንክነጽሕ ከምኡ እውን ንክንሕደስ ካብ ጠባይ ኣምሰሉነት ብዘይምንም ምምሕያሽን ለውጥን ብዘረባ ጥራይ ከምዝተመሓየሽካን ከምዝተለወጥካን ኰንካ ክትቀርብ ካብ ምፍታን ንጠንቀቅ። እዚ ፈተና እዚ ምስ ግዜ ከምእትግስግስ ንክተምስል ኢልካ ብላዕሊ ላዕሊ ክተርእዮ ዝፍተን ከም ሓቁ ግን ምንም ዘይትርልውጠሉ ኩነታት እዩ። ጐይታ ምኩሕሓል ኣይደልን ናይ ልቢ ለውጢ እዩ ዝደሊ እዚ ከኣ ብምናኔ እዩ ዝፍጸም። ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ እዩ እቲ ሓቀኛ ለውጥን ሕዳሴን። ነዚ ንክትገብር ከኣ ትሕትና የድሊ።”

ኣቃልቦ ናይ ካልኦት እንክትስሕብ ትሕትና ልበስ!

ንኩሉ ነገራት እንክትምንን ምንእቲ ጥቅሚ ካልኦት እዩ። ስለዚ ንካልኦት ጽን ኢልካ ብናይ ምስማዕ ትሕትና ንርእስኻ ካብ ማእከልነትን ስሕበት ትኲረትን ምዃን ኣግልል ኣቢልካ ንካልኦት ቀዳምነት ትህብ። በዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ወሪዱ ነቶም ናኣሽቱ ጽን ከም እትብል ይገብር።

“ወትሩ ናይ ኩሎም ድምጺ ክትሰምዕ ይምረጽ ምናዳ ኻአ ናይቶም ናኣሽቱን ድሕሪ ኩሎም ዝስርዑን ድምጺ ምስማዕ ኣድላዪ እዩ። ዓለምና ሎሚ ብዙሕ ናይ መዛረቢ መጋበሪታት ኣለዎ ኣባና ግን ከምኡ ክኸውን የብሉን እግዚኣአብሔር ብናኣሽቱን በቶም ድሕሪ ኩሎም ዝተሰርዑን ክግለጽ ይፈቱ። ንዓና እውን ማንም ንካልእ ከየቈናጽብ ሓደራ ይብለና። ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክንጥምት እንኽእለሉ ንክንሕግዝ ዝወደቀ ንክነትንሥእ ጥራይ እዩ። ነዚ ከኣ ብኣካል ምሳኣቶም ብምዃን እምበር ኣብ ቤትጽሕፈት ኰፍ ኢልካ ኣይኮነን።”

ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ጽጉማት ኣሕዋትና ኰና ንሥራሕ!

ንቤተክርስትያን ዘመሓድሩ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤትጽሕፈታቶም ኮይኖም ካብ ሰብ ርሕቅ ኢሎም ክሰርሑ ይፍትኑ ኰይኑ ግን ገጽታ እግዚኣአብሔር ኣብ ናኣሽቱን ኣብ ትሑታትን እዩ ዘንጸባርቅ።

“ቤተክርስትያን ጸዋዕታ ንክተለሊ እንከተስተንትን ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ ቅድሚ ደቂሰባት ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ሓሳባት ክትምጒት ይከኣል ብዛዕባ ኩነታት ደቂሰባት ግን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ምልላይ እዩ ዝግበር። ቅድሚ መደባትኩም ደቂሰባት ይቀድሙ። ነዚ ከኣ ኣብ ካልኦት ገጽታ እግዚኣአብሔር ሃሰስ ብምባል ብትሕትና ግበርዎ ከመይ እግዚኣአብሔር ኣብቶም ኣብ መንገድና ዘጓንፉና ትሑታትትን ድኻታትን እዩ ዝርከብ። ድኻታት ሕያው መንበረታቦት ጐይታ እዮም። ብጐይታ ነዚኦም ምፍቃር ከኣ ፍቅሪ ጐይታ እዩ። ስለዚ ነዚኦም ብምፍቃርን ምሳታቶም ሓቢርካ ብምጒዓዝን ቤተክርስትያንና ክነቍውም ንኽእል እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
24 May 2019, 16:54