ካብ ንመደባትኩም ቀዳምነት ንደቂሰባት ሃቡ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ግብረ ሠናይ ካሪታስ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ካሪታስ (ምግባረ ሠናይ) ዋናታት ጸሓፍትን ካልኦት ሓገዝቶምን መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ሮማ እንክርከቡ እዞም ሰባት እዚኦም ብስም ቤተክርስትያን ጸገማት ኣብ ዝርከቦ ኩሉ ተረኺቦም ንሥቃይን ገዓርን ጽጉማት ሰሚዖም ንክምልሰ ዝተኻእሎም ዝቃለሱን ነቶም ብኢፍትሓውነት ዝሳቀዩን ዝተዓብሱን ከጸናንዑን ድምጾም ኮይኖም ክዛረቡን ዝቃለሱ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዝምርሑ ኣገልግልቲ እዮም። ኣብ`ዚ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም መሪሕ ቃል ዝተመርጸ `ሓንቲ ሥድራቤት ዘመደኣዳም ሓንቲ ሓባራዊት ቤት` ዝብል እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብ ስብከቶም ነዚኣ መሪሕ ቃል እትመሳሰል ብሓባር ክንጐዓዞ ዘሎና ሓንቲ እምነት ኣላትና ኢሎም።
ብሓባር ክንስዕባ ዘሎና እምነት!
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም እታ ኣብ መጀመርታ ብሓዋርያት ዝተተኽለት ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ብሓባር ምክፋል ብዝብል መንፈስ ተመሪሓ ብሓባር ኣብ ትጐዓዘሉ ዝነበረት ዘመን ሠለስተ መለለዪ ነጥብታት ነሮማ ይብሉ። እዚኦም ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ንምኽኣል ትሕትና ብሓባር ንክትጐዓዝ ውህበት ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ጠንጢንካ መኒንካ ንምሕዳግ ትብዓት እየን ኢሎም። ቤተክርስትያንከስ ነቲ ሕይወት ዘጓንፋ ሓጐጽጐጽ ከይፈርሐት ንኩሉ ብቅርጥውና ክንፍጽም ካብ ዝብል ፈተና ክትርሕቅ ይምሕጸኑ።
ትሕዝቶ ዘይብሉ ናይ ምስትምሳል ቃላት ወጊድ ንበሎ!
ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሰኸም ከብዝሕ የብሉን። ከም ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብሓባር ኣብ እንጐዕዘሉ እውን ከምኡ ነቲ ኣብ ስብከተወንጌልን ፍቅሪ እግዚአብሔር ንምስባኽ ዕንቅፋት ንዝኾነና ነገራትን ክነፋዅሶ ኣሎና። ልዕሊ ኩሉ ነታ ሓቀኛ እምነት ክትንክፍ ንዝኽእል ነገራት ለቂምና ክንኣልዮ ኣሎና በዚ ከኣ ካብቲ ጠቢቚ ክሕዘና ዝኽእል ነገራት ንነጽሕ ንገላገል እውን።
ኣቃልቦ ናይ ካልኦት እንክትስሕብ ትሕትና ልበስ!
ንኩሉ ነገራት እንክትምንን ምንእቲ ጥቅሚ ካልኦት እዩ። ስለዚ ንካልኦት ጽን ኢልካ ብናይ ምስማዕ ትሕትና ንርእስኻ ካብ ማእከልነትን ስሕበት ትኲረትን ምዃን ኣግልል ኣቢልካ ንካልኦት ቀዳምነት ትህብ። በዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ወሪዱ ነቶም ናኣሽቱ ጽን ከም እትብል ይገብር።
ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ጽጉማት ኣሕዋትና ኰና ንሥራሕ!
ንቤተክርስትያን ዘመሓድሩ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤትጽሕፈታቶም ኮይኖም ካብ ሰብ ርሕቅ ኢሎም ክሰርሑ ይፍትኑ ኰይኑ ግን ገጽታ እግዚኣአብሔር ኣብ ናኣሽቱን ኣብ ትሑታትን እዩ ዘንጸባርቅ።