2019.05.31 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ዮሴፍ ቡካረስት 2019.05.31 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ዮሴፍ ቡካረስት 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ዮሴፍ ቡካረስት ዘስምዕዎ ስብከት።

መዝሙር ተስፋ ኮይኑ ንዓና እውን ካብታ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሎሚ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ዝግበኣና ሠለስተ ነገራት ይሕብረና። ማርያም ትጐዓዝ ንኤልሳቤት ትረክብ ምስኣ ትሕጐስ ዝብላ እየን።

ዝሰማዕናዮ ወንጌል ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ዝግበር ብታሕጓስን ውዳሴን ዝወቀበ ሰላምታ እዩ፣ ኣብ ማሕጸን ኤልሳቤጥ ዘሎ ዕሸል ብታሕጓስ ይሰራሰር ኤልሳቤጥ ከኣ ንዘመዳ ማርያም በቲ ዘርኣየቶ እምነት ተመጒሳ። ማርያም ከኣ ብግዲኣ ኣብ ትሕቲ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ንዝገበሮ መስተንክር ነገራት  ነቲ ዓቢ ማሕሌት ተስፋ ነቶም ድምጾም ኣጥፊኦም ክዝምሩ ዘይከኣሉ ትዝብር። መዝሙር ተስፋ ኮይኑ ንዓና እውን ካብታ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሎሚ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ዝግበኣና ሠለስተ ነገራት ይሕብረና። ማርያም ትጐዓዝ ንኤልሳቤት ትረክብ ምስኣ ትሕጐስ ዝብላ እየን።

ማርያም ትጐዓዝ፥ ድሕሪ ብሥራት ገብርኤል ድንግል ማርያም ካብ ናዝሬት ተላዕላ ናብ ቤት ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ትጐዓዝ። እዚ ጉዕዞ እዚ ቀዳማይ ጒዕዞ ድንግል ማርያም እዩ። ከመይ ድሕሪኡ ዝስዕብ ብዙሕ ጉዕዞታት ኣለዋ። ካብ ገሊላ ንቤተልሔም ክትጐዓዝ ከላ ልደት ኢየሱስ የጋጥም! እንደገና ካብኡ ንግብጹ ንስደት ትጐዓዝ! ካብኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ንክትምለስ ትጐዓዝ! ኣብቲ ዓመት መጸ ዝገብርዎ ንግደት ኢየሩሳሌም ንወዲ 12 ዓመት ኢየሱስ ሒዛ ትጐዓዝ ከምኡ እውን ኣብታ ናይ መጨረሽታ ናይ ስቅለት ዕለቱ ክሳብ ቀራንዮ ትጐዕዝ።  ናይዘን ኩለን ጉዕዞታት ሓባራዊ ረቋሒ ቀለልቲ ጒዕዞታት ከምዘይነበሩ ኰይኑ ትዕግስትን ትብዓትን ዝሓቱ ምንባሮም እዩ። ድንግል ማርያምከስ ዓቀበት ምድያብ እንታይ ምዃኑ ስለእትግንዘብ ዓቀበታት ሕይወትና እውን ካባና ንላዕሊ ስለእትፈልጦም ናይ ጉዕዞ መሰነይታ እያ። ኣብ ዘድክም ጒዕዞ ኣኽል ታርፍ ተመኲሮ ዘለዋ ኰይና ክመረና እንከሎ ብኢድና ሒዛ ክትድግፈና ከተሰንየና እትኽእል ምዃና ይግለጽ። እዚ እናታዊ ፍቅሪ እዚ ንማንም በዓቲ ምስ ቊሩባት ኣጭርቅቲ ኣብ ገዛ ኢየሱስ ክልውጥ ዝኽእል ፍቅሪ እዩ።   ብዛዕባ ድንግል ማርያም እንክነስተንትን ብዛዕባ እተን ናይ ዘመንና ማርያማት ክንብለን እንኽእለ ብዙሃት ኣደታትን ኣደ ዓባያትን እንከዘኻኽረና እዚኤን ወደረ ኣልቦ ብዝኾነ መሥዋዕትነትን ንሰንን እግዚአብሔርን ብዝፈልጥዎ ሕቡእ ሕይወትን ንናይ ሎሚ ቊስልታት ዘኒነን ናይ ጽባሕ ሕልምታት ክውን ከምዝኸውን ዘእመና ነቢያት እየን። ድንግል ማርያም ንቅድስት ኤልሳቤጥ ትበጽሕ (ሉቃ 1.39) እዛ ዕድሚኣ ዝሓለፈ ሽማግለ ኤልሳቤጥ ኣረጊት ክንብላ ንኽእል ኮይኑ ግን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ብዛዕባ መጻኢ እትዛረብ ንሳ እያ። ንድንግል ማርያም ብፅዕቲ ትብላ እዚ ከኣ ኢየሱስ ንቅዱስ ቶማስ ድሕሪ ትንሣኤ ዝበሎ እዩ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብፁዓን እዮም (ዮሓ 20.29)። እነሆ እምበኣር እታ መንእሰይ ጐርዞ ድንግል ማርያም ሡር መሠረታ ክትደሊ ናብታ ዝሸምገለት ኤልሳበጥ ትበጽሕ። እታ ሽማግለ ትጒብዝ ትንቢት ትንበ ብዛዕባ መጻኢ ትዛረብ።  በዚ ከምዚ መንእሰያትን ሽማግለታትን ተራኺቦም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከነቃቅሕ ይኽእል። ተኣምር ምርኻብ ወለዶታትከስ እዚ ኣዩ።  

ብሣልሳይ ደረጃ ድንግል ማርያም ትሕጐሥ ብመንፈስ ቅዱስ መሊኣ ከኣ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር የዕብዮ እንክትብል ትዝምር። ብዘይ ታሕጓስ ክንበር ኣይከኣልን! ምናዳ ንኢየሱስ ሒዝካ ምሕዛን ጨሪሽካ ዘይከኣል እዩ። ጥርዚ እምነት ከኣ እዚ እዩ። ስለዚኸስ ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ድንግል ማርያም ትጐዓዝ ትበጽሕ ትሕጐስ ዝብል ኣምር ንክርስቶስ ዝተቀበል ኩሉ ብእምነት ክገብሮ ዘለዎ ጉዕዞ እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 May 2019, 19:00