ኢየሱስ ጥሜትና ክዕንግል ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ ንሕዝቢ ሰሜን መቆዶንያ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ሓውጾተ ኖልዎ ዘካይዱሉ ዘለው ሃገረ ሰሜን መቆዶንያ ሎሚ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ከተማ እስኮፕየ ኣደባባይ መቀዶንያ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንክንስዕቦ ዘቅርበልና ጻውዒት መልሲ ንምሃብ ነቲ ዝዕንቅጾም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ናይ ምትራፍ ባህሊ ስዒሮም ተበግሶ ንክወስዱ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ሰሜን መቀዶንያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ብጣዕሚ ውሑዳት ማለት ከባቢ ሓደ ሚእታዊት እኳ እንተኾኑ ብዝህብዎ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ግን ኣብ መላእ መቆዶንያ ህልዋት እዮም። ኣብ ሰበኻ እስኮፕየ ካብ 2,340,000 ነበርቲ 3,660 ጥራሕ ካቶሊካውያን ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ግን ካብ ከባቢ ሃገራት ከም በዓል ኣልባንያ ኮዞቮን ክሮኣሽያን ዝመጹ ደሚርካ ልዕሊ 15,000 ምእመናን ከምዝተሳተፉ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ንጥሜት ዝዕንግል ሓቀኛ ኅብስቲ ኢየሱስ እዩ!

ሽሕ’ኳ ሃገረ ሰሜን መቀዶንያ ምሥራቃውን ላቲናውን ሥርዓታት ዝዝውተረላን ብቀንዱ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትኽተል ትኹን እምበር ቅዱስነቶም በቲ ዝለመድዎ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ስለዝቀደሱ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ኅብስተ ሕይወት ከምዝኾነ ዝገልጽን ናባኡ ዝመጽእን ንኣኡ ዝበልዕን ፈጺሙ ከምዘይጠሚ ብኣኡ ዚኣምን ድማ ፈጺሙ ከምዘይጸምእ ዝገልጽ ወንጌል ዮሓንስ 6.30-35 ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነቲ ‘ናባይ ዝመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይኪጸምእን’ ንእትብል ጥቅሲ ማእከል ስብከቶም ክትከውን መሪጾም። እቲ ትረኻ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ብቑሩብ እንጌራን ዓሣን ከምዝዓንገለን ዝተረፈ ከኣ 12 መሶም ከምዝተላዕለን ንዝገልጽ ክፍሊ ስዒቡ እቶም ሰባት ደድሕሪኡ ከምዝሰዓብዎ እሞ ‘መኣስ ደኣ ኣብዚ መጺእካ’ ምስ በልዎ ትእምርቲ ስለዝረኣኹም ዘይኮነስ ከብድኹም ስለዝመላእኩም ስለዝጸገብኩም ኢኹም ትደልዩኒ ምስ በሎም ኣቦታትና መና ተመገቡ ንስኻኸ እንታይ ትብለና ምስ በልዎ ነቲ መና ኣቦኡ ካብ ሰማያት ደኣ ሰዲድሎም እምበር ሙሴ ከምዘይሃቦም ሓቀኛ መና ኅብስቲ ሕይወት ከኣ ንሱ ከምዝኾነ ይገልጸሎም።

“ጐይታ ንዓለም ሕይወት ክህብ መጸ ነዚ ከኣ በቲ ንኡስ ዓቅሚ ዘለዎ ኣእምሮና ካብ እንገብሮ ምምዝዛን ብዝለዓለ መንገዲ ይገብሮ። ድሩትነትናን ቃል ዓለም ኣነባብርናን ኣብዚ ጽናሕ ኢሉ ነቲ ንተኣማመነሉ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ኣብ ምልክት ሕቶ ከቲቱ ናብ ሓዲስ ኣተሓሳስባ ክንሰግር እሞ ነቲ ሓቀኛ ሕይወት ክንርዳእ ይዕድም።”

ንእግዚኣአብሔርርን ንሕውነትን እንክትጠሚ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሕዝቢ ዝዕዘቦ ጥሜት ናይ እንጌራ ጥሜት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ እግዚኣአብሔርን ናይ ሕውነትን ጥሜት ናይ ምርኻብን ብሓባር ኰንካ በዓል ናይ ምግባር ጥሜት ንኩሉ ብሓባር ናይ ምስታፍ ጥሜት ከምዘሎ የገንዝብ። ንሕና እውን እዚ ጥሜት እዚ ኣሎና። ከመይ ንኩሉ ኩነታት ምስ ተዓዘብናን ገደብ ኣልቦ ሓሶት ንልብና ከዕግቦ ሒዂ ኢሉ ምዃን ምስ ኣበዮን ልብና ገና ጥሜት የጥቅዖ። ንኣብነት ብገበታ ሓሶት መራኸቢ ብዙሓን ለይትን ቀትርን ሆ እንተበሉና ዳርጋ ንኩሉ ኣብ ዘይምእማን በጺሕና ንዓይ ይጥዓመኒ እምበር ኣብ ዝብል ደረጃ ወዲቅና ኣብ ሸለልትነት ወዲቅና ንርከብ። ርግጽ እዩ ዓበይቲ ሕልምታትን ባህግታትን ነይሮምና ኮይኑ ግን ንኩሉ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ነንብረሉ ደረጃ በጺሕና። ተስፋታትና በኒኑ ግብዝና ገኒኑ ነቲ ርግጸኛታት ኰና እንኣምኖን መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና እንማጐተሉን ዝነበረና ነገራት ሸለል ክንብሎ ጀሚርና። ስለዚ ናብ ንቡር ክንምለስ ሓዲስ ኣመለኻኽታ ክነጥሪ እሞ ሓዲስ ዓለም ክንሃንጽ ንጽዓር ኢሎም። ስለዚኸስ ነዚ ጥሜት እዚ ኣይንኽሓዶ! ጥሜት ቃል ኣምላኽን ጥሜት ሥጋኡን ደሙን ጥሜት ኣሕዋትናን ከምዘሎና ከይተሰክፈና ክንልምኖ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮ።

“ብምሉእ ሓይልናን ብዘይ ምንም ፍርሕን ኦ ጐይታ ጥሜት ኣሎና! ጥሜት ናይ ኅብስተ ሕይወት! ጥሜት ናይ ቃል ሕይወት! ካብዚ ዓጽዩ ሒዙና ዘሎ ኩነታትን ብሕትውናን ሓራ ዘውጽኣና ጥሜት ናይ ሕውነት ኣሎና! ካብዚ ኣሳሲሩ ሒዙና ዘሎ ናይ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰንን ሕሜትን ዘውጽኣና ጥሜት ናይ ፍቅርን ተወፋይነትን ኣሎና! ንተስፋና ንምድንፋዕስ ይኹን ንምድግጋፍ ዘበራትዕ ንልብና ንለውጥን ንስሓን ዝኩሕኩሕስ ይኹን ነእዳውና ነሕዋትናን ንኣሓትናን ንምርዳእ ዘንቀሳቅስ ናይ ህያው ቃልካ ጥሜት ኣሎና ኢልና ናብኡ ንማህለል እሞ ክዕንግለናን ከጽግበናን እዩ ኢሎም።”

ንዑ ናባይ ኢሉ ክዕድም ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ካብ ጐይታ እንተዘይኮኑ ካባና ብዙሕ ከምዘየለን እጃም ሥራሕና ነቲ ንነፍስወከፍና ዘቅርቦ ጻውዒትን ዕድመን ኣዎንታዊ መልሲ ብምሃብ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብኡ ገጽና ንጐዓዝ ኢሎም።

“ጐይታ ንዑ ናባይ ይብለና ኣሎ። እዚ ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጽ እንታይ ደኣ ጐይታ ከንቀሳቅሰካ ምፍቃድ ቃሉ ኣብቲ እንገብሮ ምርጫታትስ ይኹን ኣብ ስምዒታትናን ቋንቋናን ምውስዋስናን ክልውጠና ክንፈቅደሉ የድሊ። ነገረ ኅብስቲኸስ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር የዘኻኽረና ርሕራሔን ፍቅርን ብዝመልኦ ኣገባብ ንካልኦት ኣብ ምሕጋዝን ተወፋይነትን የዘኻኽር። እዚ ከኣ ዕለት ዕለት ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ፍቅርና ብግብሪ ክንገልጽ ይዕድመና::”

ምስ በሉ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ንዝርከብ ኢየሱስ ልዑል ክብሪ ብምሃብን ስለኡ ነቶም ኣሽንኳይ ክትቀርቦምን ክትሕግዞምን ብማዕዶ እኳ ንክትርእዮም ዘፈንፍኑ ቊሱላትን ድኻታትን ሕሙማትን ንምቅባልን ንምእላይን ወፊረን ዝተዓወታን ንተኸተልተን ነዚ ከይጠልማ ሓደራ ዝበላን ቅድስት ማዘር ተረዛ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ኣብ ድኻታትን ስለ ዝርከብ ነዙ ኩሉ ይገብራ ምንባረን ብምዝካር ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

07 May 2019, 19:17