ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን

ድሕሪ እቲ ዝፈጸምዎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታ ቤተ ክርስቲያን ብባርዕ ሓዊ ከምዘባደሙ

ዕለተ ሰንበት 12 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጅሃዳውያን ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንክሎ ብዝፈጸመጽዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ቀዳሲ ካህንን ሓሙሽተ ምእመናን ቀቲሎምን ነታ ቤተ ክርስቲያን ብባርዕ ሓዊ ከምዝቃጸሉን ምስ ተነግረ ቅዱስ ኣቦና ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ከምዝገለጹ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ከተማ ዳብሎ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ ሽbeራዊ  ዘስዓቦ ሞትን ውድመት ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ስለ እቶም ዝተቐትሉን ኣባይቲ ስድራኦምን ንመላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቡርኪና ፋሶ ይጽልዩ እንክብሉ ብዘፈነውዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ከተማ ዳብሎ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ብፁዕ ኢሲዶረ ባካኒኣ ዕለት 13 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣስታት 20 ዝግመቱ ዕጡቓት ጅሃዳውያን መኽረርቲ ሃማኖት ምስልምና መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንከሎ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከቢቦምን ገሊኣቶም ንውሽጢ ብምእታው ናይታ ሰበኻ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ድርገት ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልግሉ ንዝነበሩ ወዲ 34 ዓመት ዝእድመኦም ኣባ ሲመኦን ያምፓ ንምቕታል መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉን፡ ነቶም ካህን ምስ ቀተሉ ካብቶም ምእመናን ሓሙሽተ ፈልዮም ሓርዮም ከምዝቐተሉ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዝፈጸምዎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታ ቤተ ክርስቲያን ብባርዕ ሓዊ ከምዘባደሙ ዝሓበረ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ እቶም ኣሸበርቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓሊፎም እውን ኣብታ ንእሽተይ ከተማ ፍርሕን ራዕድን ከምዘተኣታተውን ነቲ ከባቢ ንምርግጋእ ተባሂሉ ካብ ከተማ ባርሳሎጎ ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ከምእተላዅን ምሉእ መዓልቲ ኣብታ ከተማ ተፍታሽ ከካይዱ ከምዝወዓሉ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዕለት 29 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣሸበርቲ ኣብ ዞባ ሱም ኣብ እትርከብ ከተማ ሲልጋድጂ ብዝፈነውዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ስነ ስርዓት ጸሎት ዝመርሑ ዝነበሩ መጋቤን ካልኦት ሓሙሽተ ምእመናን ንሞት ዳሪጐም ናብ ማሊ ገጾም ከምዝሃደሙን ዕለት 1 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ በኒን ተጨውዮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ዜጋታት ናጻ ንምውጻእ ናይ ፈረንሳ ፍሉይ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ብስፈጸመዎ ወተሃደራዊ ስርሒት እቶም ዝተጨውዩ ናጻ ክወጹ እንከለዉ ክልተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ምክልኻል ፈረንሳ ከምእተቐትሉ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎ የዘኻኽር።

ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ፈረንሳ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ሳሕል 4,500 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻም ከምዘስፈረትን ኣብዚ ጸረ ጅሃዳውያን ባርክሃነ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ቡርኪና ፋሶን ጫድን ማሊን ማውሪታንያን ኒጀርን ይሳተፋ ከምዘለዋ። እቶም ኣሸበርቲ ኣብቲ ዓቢይ ዞባ ሳሕል እስላማዊ መግስቲ ንምቛም ይንቀሳቐስ ከምዘሎለዉን ኣብ ቡርኪናፋሶ ጥራሕ ካብ 2015 ዓ.ም. ንነጀው ልዕሊ 350 ንጹሓን ዜጋታት ከምእተቐትሉ ኣንሳ ኣገልግሎት ዜና የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን
13 May 2019, 16:58