ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ሕይወት ንምረጽ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ሕይወት ንምረጽ 

ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ሕይወት ንምረጽ

እዚ ሱባኤ’ዚ ብምክብባርን ብምትእምማንን ብፍላይ ነቶም ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ኣድማዪ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ትርከብ ንዘላ ደቡብ ሱዳን ምዕባለ ዝዓዩ ሓላፍነት ንዘለዎም ናይ ርክብን ዕርቅን ኣጋጣሚ-ዕድል እዩ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናይ ደቡብ ሱዳን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣካላትን ክሳብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዘስምዕዎ ቃል ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምእተበገሰን፡ ናይቲ ሱባኤ ማእከል ሓሳብ ናይታ መንእሰይ ሃገር ብሔራዊ (ሰንደቓዊ) መዝሙር ምዃኑ ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖም ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ጸጋ ግዜ፡ እግዚኣብሔር ሰላም ዝዓሰሎ መጻእን ኵለተናዊ ምዕባለን ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳንን ምህለላን ኣስተንትኖን ጸሎትን ሱባኤ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን በርገሳውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. እንክብሉ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ናይቲ ሱባኤ ቀንዲ ትርጉሙ ኣብሪሆም፡ ንተሳተፍቲ ሱባኤ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እቲ ሱባኤ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ቅዱነቶም ብዝልግዎ ቃለ ምዕዳን ዝዛዘም እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። እዚ ሱባኤ’ዚ መንፈሳውን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝኣመተ ርክብን ስነ ሜላዊ ርክባውን ብጋሴታት ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡

ምክብባርን ምትእምማንን

ካርዲናል ፓሮሊን፡ እዚ ሱባኤ’ዚ ብምክብባርን ብምትእምማንን ብፍላይ ነቶም ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ኣድማዪ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ትርከብ ንዘላ ደቡብ ሱዳን ምዕባለ ዝዓዩ ሓላፍነት ንዘለዎም ናይ ርክብን ዕርቅን ኣጋጣሚ-ዕድል እዩ፡ ኣብዚ ሱባኤ ናይ ረፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ምኽትሎም ሪክ ማቻር ተንይ ድሁርጎንን ታባን ደንግ ጋይን ናይ ነፍሰ ሄር ጆን ጋራንግ በዓልቲ ቤት ረበካ ንያንደንግ ደማቢዮን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን ኣባላትን ከምእተሳተፉን፡ ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሰበኻ ጉሊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆን ባፕቲስት ኦዳማን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ገዳማውያን ማሕበራት ኣሕሉቕ ኣቦ መንበር ኣባ ኣግቦንኪያንመገ ኦሮባቶር ከምዝዀኑ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ጻውዒት

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መፈሳዊ መራሒ ብፁዕነቶም ጁስቲን ወልባይ ናብ ሮማ ቅድሚ ምእታዎም፥ ንተሳተፍቲ ሱባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ሱታፊ ንኽሳተፉ ፍቓደይናታት ብምዃኖምን እዚ ሱባኤ’ዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካይድ ዝደለዩን ዝፈቐዱን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ንዘነቓቕሑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ንዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገርን ስለ ኵሉ ጻዕርታቶም ከምዘመስገኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ምስ እዚኣብሔር ምርኻብ

ኢየሱሳዊ ካህን ሰባኬ ሱባኤ ኣባ ኦሮባቶር፡ እቲ ናይ ሱባኤ እዋን፡ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻብ ግዜ፡ ሰብ ምስቲ ንሰብ ንኽራኸብ ቢሉ ቀዲሙ ምስ ዝብገስ እግዚኣብሔር ዝራኸብሉ ግዜ እዩ፡ እግዚኣብሔር ብናይ ኢድ ተለፎንን ብተለግራምን ወይ ብትዊተር ማሕበራዊ መረብት ወይ ብፈይስ ቡክን ብኢንስታግራም ዘይኰነ ንኽፍውሰናን ንኸንጽሓናን ናይ ሰላም ኣንጠረይና ንኽንከውን ብቓሉን ብሕያውነቱ ይራኸበና ቢሎም፡ እቲ ናይ ሰላም ናይ ስምምዕ ውሳኤ ኣብ ልብና ንኸትሞን ንሰማማዓሉን ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ኣስተንትኖ ኣብ ብሔራዊ መዝሙር ደቡብ ሱዳን

ኣባ ኦሮባቶር፡ ናይ ደቡብ ሱዳን ሰንደቓዊ መዝሙር ኣማእኪሎም፡ ኣብቲ ሰንደቓዊ መዝሙር እግዚኣብሔር ክልተ ሳዕ ይጥቀስ፡ ኣብ መጀመሪያን ፍጻሜን እቲ ሰንደቓዊ መዝሙር፡ ናይታ ሃገር ህዝቢ ኣብ ጐይታ ዘለዎ ኣመኔታ ዘረጋግጽ እዩ፡ ናይታ ሃገር ቀንዲ ሃብቲ ሕዝባ እምበር ካልእ ኣይኰነን ቢሎም፡ ምልስ ቢሎም እውን ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. መዓልቲ ናጽነት ደቡብ ሱዳን እናሓሰቡ፡ እታ ዕለት ብዘይ ምንም ዓይነት ኣፈላላይ ናይ መላእ እታ ሃገር ኢዮበልዩ እዩ ዝነበረ፡ ሰላምን ፍትሕን ናጽነትን ምዕባለን ዘማዕደወ ሓሴት፡ ሎሚ 7 ሚሊዮን ዳርጋ ፍርቂ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ዝሽፍን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ይርከብ፡ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝዀኑ ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ተመዛቢሎም፡ እቲ ኣብ እዋን ሓርነት እታ ሃገር ዝተራእየ ኵሉ ተስፋታትን ሕልምታትን ናብ ተጻብኦነትን ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ተቐየረ፥ ናይታ ሃገር ሰንደቓዊ መዝሙር፥

ኦ እግዚኣብሔር

ናባኻ ንጽልን ነኽብረካን

ስለ ናይ ድቡብ ሱዳን ናጽነትና …. ብዝብል ቃል ዝብገስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እቶም መራሕቲ ነቲ ናይ ሃገሮም ሰንደቓዊ መዝሙር ካብ ብልምዲ ምድጋሙ ተላቒቖም ቀንዲ መልኽቱ ብምስትውዓል ነቲ ኣብ እዋን ናጽነት ዝተቓልሐ ዕሴት ምልስ ቢሎም ብምስትንታን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ከድህቡ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ሱባኤ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ሕይወት ንምረጽ
11 April 2019, 17:24