ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም የነቓቕሑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም የነቓቕሑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም የነቓቕሑ፥ ክልቲኦም ተጻባእቲ መራሕቲ ኣብ ቫቲካን ንዘተ ሰላም

ኵሎም ናይቲ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ተዋሳእቲ ካብ ንስልጣን ንናይ ሕዝቢ ረብሓ ክተግሁ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ደቡብ ሱዳን ሰላም ምርግጋጽ፡ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ራይክ ማቻርን ንናይ ሰላም ዘተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክኣትዉ ምዃኖም ሓቢሮም፡ እዚ ናይ ሰላም ዘት ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ምዃኑ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ደቡብ ሱዳንን እቲ ኣብ ዘይርሑቕ እዋን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ኣብቲ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ጉዳይ ቀንደይና ተዋሳእቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውሽጣዊ ውጥረት ንምውጋድን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ሕይወቶም ክምለሱን ናብቲ ናይታ ሃገር ኵለንተናዊ ምዕባለ ዘሰንይ ዝበጽሕዎ ናይ ሰላም ስምምዕን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ኵነታት ዝፈቕዶ እንተድኣ ኰይኑ ንናይ ደቡብ ሱዳን ሕዝቢ ቅርበቶም ብጭቡጥ ንምርግጋጽን ናይ ሰላም ጐደና ንምትብባዕን ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም ከምዝነበሩን የዘኻኽሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ደቡብ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ጁባ ድሕሪ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ፖሊቲካ ተዋሳእቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝድገፍ እውን እንተዀነ ሕጂ እውን ውግእን ውጥረትን ከምዘሎ እዩ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዕለት 12 መስከረም ዝተበጽሔ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ ነታ ሃገር ንዓቢይ ሰብኣውን ፖለቲካውን ጸገም ዘብጽሕ ዘሎ ኣድማዪ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ደው ንምባል ብኢትዮጵያን ሱዳንን ኡጋንዳን ኬንያን እደ ሽምግልና ስዒቡ ናብ ናይ ሰላም ስምምዕ ውሳኔ ንምብጻሕ 15 ኣዋርሕ ዝወሰደ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ሱዳን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመላኺቶም፡ ናይቲ ሕድ ሕዳዊ ግጭት መሰረታዊ ጠንቂ ዘማእከለ ዘተ ይካየድ ዘሎ ከምዘይመስልን፡ ኵሎም ናይቲ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ተዋሳእቲ ካብ ንስልጣን ንናይ ሕዝቢ ረብሓ ክተግሁ ኣተባቢዖም፡ ብዘይ ሰላም ኩሉ በራሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘቃልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም የነቓቕሑ
04 April 2019, 16:46