ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ተምየን ዜና የብቅዕ፡ ተስፋ ንዝህቡ ሰናይ ሓበሬታ ቦታ ምሃብ የድሊ

እዚ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ርክብ ነቲ ኣብ ጀርመን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን ናይ ሓባር ዘተ ጭቡጥ ምስክርነት

ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ናይ ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ጋዜጠይናታት ልኡካን ፍርቂ መዓልቲ ፈረቓን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣለ ምዕዳን ከዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዚና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዘተ ምርድዳእ ይፈጥር፡ ኣድማሳት ይኸፍትን የስፍሕን፡ ምርኻብ ናጻን ግልጽን ክፉትን ዝዀነ ንምልውዋጥ ሓበሬታ ቦታ ይፈጥር፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካን ናይ ጀርመን ካቶሊካውያንን ወንጌላውያንን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መሰል ዘለወን ናይ ሕትመትን ምስማዐ ርእየትን ማዕከናት ዜና ዘገልግሉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም በዚ ሓሳብ እዚ ቃለ ምዕዳን ኣበጊሶም፡ እዚ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ርክብ ነቲ ኣብ ጀርመን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን ናይ ሓባር ዘተ ጭቡጥ ምስክርነት እዩ ቢሎም፥

ጭቡጥን ክውንን እምበር ተምየን ዜና ኣብ ዘይምቕራብ ከተባብዓኩም እፈቱ፡ ካብ ሓሶት ሓቕን ቅኑዕን ካብ ኣብ ይኸውን ዝብል ዜና ትኽክለይና ዜና ኣብ ምዝርጋሕ ክትተግሁ አተባብዕ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ካስተሊ ኣስዒበ፡

ሰናይ ዜና ምዝርጋሕ ክብረት እዩ

ኣክንዲ ናይ ሕይወት ክብሪ፡ ጥዑም ሞት ዝበሃል ቃንዛ ዘይብሉ ሞት መሰል ክኸውን ዝብል ኣመለካኽታ ዘንጸባቑ ሓቤሪታን ርእይቶን ምርኣይ ብሓቂ የሕዝብ፡ እዚ ማሕበራዊ ማዕርነት ዝጻረር ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥሩ ክብሪ ዘሕስር እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ምእንቲ ናይ ሰብኣዊ ናጽነት ክብርን ሰናይነትን ዘኽብር ከይኑ ክርከብ ሓላፍነት ዝተላበሰን ዓሚይቕ ልልያን ዘካይድ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ነቶም ጋዜጠይናታት

ስለ ገልግሎትኩምን ዕዮኽምን አመስግን፡ ከም ጋዜጠይናታት ሰብ እተማኽሉን ንሰብኣዊ ፍጥሩ ግብኡ ስፍራ እትህቡን በዚ መሰረት ሕይወት ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓነትን ጸፍሕን ይረኸብ ናይ ህልውና ክብሪ ከምዘለዎ ተረዲኡ ከንብር መታን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ እተበርክቱ ኢኻትኩም፡ ኣብ ዕዮኹም ሰናይ ሓበሬታ ክይጐድል ተስፋ እገብር፡ ክንገሩን ክፍነዉን ዝግብኦም ሰናይ ሓበሬታ ኣለዉ፡ ሰናይ ሓበሬታ ተስፋ ዝህብ እዩ

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከዘጠቓለሉ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ተምየን ዜና የብቅዕ፡ ተስፋ ንዝህቡ ሰናይ ሓበሬታ ቦታ ምሃብ የድሊ
05 April 2019, 17:05