ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተስፋ ኣብ መንጐ ስልጣነታት ድልድል ምቛም ማለት እዩ

ኣገልጋሊ ተስፋ፡ ኣብዚ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ስልጣነታት ድልድል ምቛም ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 3 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን፡ እቲ ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ኣገልጋሊ ተስፋ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮም ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዘተኰረ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ስለ እቲ ኣብ ሞሮኮ ዝተገበረሎም እንገዳን ውዕዉዕ ኣቀባብላን ንዝቐረበሎም ምሉእ ምትሕብባርን ንንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይን ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃማኖታት ኣለዋ፡ ኵለን ሃይማኖታት ከኣ ናብ ሰማይ ዘንቃዕርራ እያተን፡ እዚ እግዚኣሔር ዘንበሮ ድርዀት ክኽውን እንከሎ፡ ዘሎና ፍልልያት ከፍርሓና የብሉን፡ ስለዚህ ንሕውነት ብፍላይ ከኣ ከም ደቂ ኣብርሃም ምስ ኵሎም ደቂ ኣብራሃም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምእንቲ ምርግጋጽ ሕውነት ብሓባር ንዕየይ።

ቅዱስ ኣቦና በዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ናይ ሎሚ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም፡ እቲ ኣብ ሞሮኮ ዘካየድዎ መገሻ ከረድኡ እንከለዉ፡ ትርጉሙ ኣብ ናይ ዘተን ምርኻብን ጐዳና ንቕድሚት ንምባል ዝብል እዩ፡ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣስር ዝተኸተለ ምብጻሕ እውን እዩ፡ ቅድሚ 800 ሚእቲ ዓመት ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ናብ ሱልጣን ኣል ማሊክ ኣል ካሚል ናይ ሰላም መልእኽቲ ብምብጻሕ ዘካየዶ ርክብን ከማኡ እውን ኣብ 1985 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዎይቲይላ ኣብ ሞሮኮ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ንጉስ ሓሰን ዳግማዊ ተራኺቦም እዮም፡ እዚ ናተይ ምብጻሕ ነዞም ርክባት ዝኽሪ ዝገበረ እዩ፡ ኣገልጋሊ ተስፋ፡ ኣብዚ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ስልጣኔታት ድልድል ምቛም ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየዱ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤታት ብምዝካር ምስ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምክልኻል ንሰላምን ፍትሕን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ማለት ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ኵለን ሃማኖታት ዘለወን ዓቢይ ተራ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸትናን፡ በዚ ምልክታ’ዚ ብሓባር ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ናይ ሓባር ናይ ጻውዒት ሰነድ እውን ኣቕሪብንና። ስለምንታይ እታ ቅድስቲ ከተማ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ውርሻን ብፍላይ ነተን ኣብ ኣሃዱ እግዚኣብሔር ዝኣምና ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ምእመናን ናይ ሰላማዊ ርክብ ስፍራ ስለዝዀነት።

ናይ ምንም ዓይነት ቅጽል ጊልያ ዘይምዃን

ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ሞሮኮ ሞሓመድ ሓምሻይ ናይ መቓብር ኣዳራሽ ዘካይድዎ ምብጻሕን ኣብ ተቕዋም ሕንጸት ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራንን (ዒማምን)፡ ንስደተይናታት ኣተኵይሮምን ኣብ ራባት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ካሪታስ ዘካየድዎ ምብጻሕን ዘኪሮም፡ ኣብ ማራኸሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ስደት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስምምዕ ውዕሊ ከምዘረጋገጸን፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ተበጽሖ ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ስምምዕ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ክለብስ ዝደረኸ እዩ፡

ንዓይ ስደተይና ዝብል ቃል ኣይፍተወንን፡ ዝስደዱ ሰባት ምባል እየ ዝመርጽ፡ ንምንታይ ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? ስደተይና ቅጽል እዩ፡ ሰብ ዝብል ቃል ግና ስም እዩ፡ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ናብ ቅጽልነት ዝወደቐ ኰይኑ ኣሎ፡ ብዙሕ ጊዜ ስም እንርስዕን ማእለያ ዘይብሉ ቅጽል ስም ንጥቀም ኰይንና ኣሎና፡ ቅጽል ብሓደ ስም ዝሰዓብ ክኸውን ኣለዎ፡ ሓደ ሰብ፡ ስደተይና ዝብል ቃል ግና ንበይኑ ኣይፋል ንበል። ስለዚህ ስደተይና ሰብ፡ ናብቲ ናይ ቅጽል ባህሊ ኣይንውደቕ፡ …

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ እንገዳን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድን ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዝጸንዔ ምቕባልን ምሕደራን ዝስደዱ ሰባት ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓሳብ ዘሮም፡ እዚ ከብሃል እንክሎ ካብ ላዕሊ ረድኤት ምዝናም ዘይኰነስ በዘን ኣርባዕተ ተግባራት እዚኣተን ዝተሰነየ ባህላውን ሃማኖታውን መንነተን ዓቂበን ንፍልልያት ክፉታት ዝዀና ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ዕሴት ዝጸንዓን ነዚ ዓቢይ ክብሪ ዝህባን ከተማታትን ሃገራትን ምሕናጽ ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም

ኣብ ሓደ እስላማዊ ሃገር  ልቢግልጸት እግዚኣብሔር ዝዀነ ሕዝቢ

ኣብ ሞሮኮ ምስቲ ውሁድ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብቲ ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ዝመሓደር ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከል ዘካየድዎ ምብጻሕን፡ ራባት ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቲድራል ምስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምስ ኣባላት ጨንፈር ሞሮኮ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ራባት ዓቢይ ናይ ስፖርት ሜዳ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን እናሓሰቡ፡

ንኡስ መጓሰ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ እቲ ጨውን ብርሃንን መባዅዕትን ዝብል ወንጌላዊ ምስላ ዝተጠቐምኩ ኣብዚ ኣብ መኽፈቲ ናይ ሎሚ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ማቴ. 5,13-16, 13. 33 ክንበብ ዝመረጽኹ እቲ ምኽንያት ንሱ እዩ፡ ንኡስ መጓሰ፡ ብዝሒ ኣይኰነ እቲ ዘገድስ፡ እንታይ ደኣ መቕረት ዘለዎ ጨው ምዃኑ ዝተዀለዔ ብርሃን ምዃን፡ ከቡክዕ ኣኽእሎት ዘለዎ መባዅዕቲ ምዃን እዩ ዘድሊ። እዚ ካባና ኣይኰነን ካብ እግዚኣብሔርን ካብቲ ብኣገባብ ዘተን ምሕዝነትን መሰኻኽር ክርስቶስ ንኽንከውን ዘብቅዓና መንፈስ ቅዱስ እዩ፡

ኣብቲ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ 60 ሃገራ ዝተዋጽኡ ምእመናን ከምእተሳተፉን፡ ብሓቂ ኣብ ልቢ ሓደ ሰዓቢ ሃይማኖት ዝዀነ ሃገር ግልጸት ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ ቢልካ ክትገጽሎ ይከኣል፡ እግዚኣብሔር መላእ ሕዝቢ ኣብቲ ናቱ ሓሴትን ኣብቲ ናይ ምሕረት በዓልን ዕርቅን ክሳተፉ እዩ ዝደልይ፡ እቲ ዳግም ዝውለድ ጥራሕ እዩ ኣብ ሕቕፎ እግዚኣብሔር ዝነብር። ኣብ ዓለም ናይ ተስፋ ድልድል ክኸውን ዝኽእል እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተስፋ ኣብ መንጐ ስልጣነታት ድልድል ምቛም ማለት እዩ
03 April 2019, 17:33