ኣብ ዝሳቀዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቅንዋት ኢየሱስ ከምእንትንክፍ ንዘክር! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያት እንክረኣዮም ዘይነበረ ቶማስ ሓዋርያት ምስ ነገርዎ ከኣ ኣነ ዝሸንከረ ኣእዳውን ኣእጋሩን በዛ ዓይነይ ከይረኣኹ ኣጻብዕተይ ድማ ኣብቲ ዝተወግኤ ጐድኑ እንተዘይመለስኩ ኣይኣምንን ዝበለ ምሳኦም እንከሎ እንደገና ድሕሪ ሾመንቲ መዓልቲ ከም ወትሩ ሰላም ንዓኻትኩም ኢሉ ምስ ተራእዮም ንቶማስ በል ከምታ ዝበልካያ ንዓ ኢድካ ኣብዚ ዝተወግኤ ጐነይ ምለስ ምስ ቶማስ ኩሉ ኣደኒቅዎ ጐይታይን ኣምላኸይን ክብል ምስ ሰገደ ንስኻ ስለ ዝረኣኻ ኣሚንካ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ግን ብፁዓን ዝብል ክፍሊ ወንጌል ዮሓንስ ነበረ።
ቅዱስነቶም እቲ ንሞትን ሓጢኣትን ከሸንፍ ዝኸኣለ ክርስቶስ ንሓዋርያት ሰላምን ሓጐስን ዝዓደለ ንዓናውን ምስ እንሓዝን ናብቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ጠሚትና ምንእንቲ ክንሕጐስ ሓጐሱ ከምኡ እውን እታ ብህላዌ መንፈስ ቅዱስ ንዓለም ምሉእ እትልውጥ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዓዲሉና ኢሎም። ከም ቅዱስ ቶማስ ሰላም ክጐድለና እንከሎ ነቲ ምንጪ መለኮታዊ ምሕረት ዝኾነ ካብኡ ከኣ መለኮታዊ ምሕረት ዝውሕዝ ቅንዋት ኢየሱስ ዘመልክት ዝሳቀ ሰብ ንብጻሕ ኢሎም።
ውህበት ሰላም ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ዘመደ ኣዳምን ዕርቂ ከምዝኾነ የመልክት!
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ተመርኲሶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ሠለስተ ነገራት ይብሉ! ነቶም ኩሉ ጨኒቍኦም ብፍርሒ ተዋሒጦም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ዝነበሩ ሓዋርያት ጐይታ ሠለስተ ዓበይቲ ጸጋታት ይዕድሎም። ሰላምን ሓጐስን ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ይህቦም። እታ ቀዳመይቲ ቃል `ሰላም ንኣኻትኩም’ ትብል ነበረት። በዚ ከኣ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሤ ጐይታ ሓቐኛ ሰላም የምጽእ ከመይ በቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ዝኸፈሎ መስዋዕቲ ኣብ መንጎ እግዚኣአብሔርር ዘመደ ኣዳምን ዕርቂ ፈጢሩስ ንሓጢኣትን ሞትን አሸነፈ።
ቅንዋት ኢየሱስ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ምልክት እዩ
ቀዳሞት እዛ ሰላም እዚኣ ተድልዮም ዝነበረት እቶም ብምትሓዝን ንሞት ምፍራድን ናይ መምህሮም ተዳሂሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኩሉ ጸልሚትዎም ብፍርሂ ተዋሒጦም ዝነበሩ እዮም። ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነ ይግለጸሎም ነተን ቅንዋቱ የርእዮም ነዚኤን ከኣ ከም ምልክቱ ዓወቱ ይዕቅበን ከም ፍረ ዓወቱ ከኣ ሰላም ይህቦም። ኰይኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምምጻኡ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ሓዋርያት ምስ ነገርዎ ባዕለይ እንተዘይኣረጋጊጸ ኣይኣምንን ይብል ድሕሪ ሾመንተ መዓልቲ ከምዚ ሎሚ ንዝክሮ ዘሎና ማለት እዩ። እቲ ራእይ ይድገም።
ሰላም እንተዘይብልካ ሓደ ዝሳቀ ሰብ ብጽሑ እሞ ንቅንዋት ኢየሱስ ተንክፉ!
ራእይ ይደጋገም! ኢየሱስ ንምጥርጣር ቶማስ ንክፍውስ ይመጽእ ነቊሳሉ ክትንክፍ ከኣ ይዕድሞ። እዚኤን ከኣ ምንጪ ሰላም እየን። ከመይ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኢየሱስ ዝገልጽ ተጻይ ወዲሰብ ዝኾና ሓጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተጐናጸፈለን እየን።
ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንመላእ ዓለም ብህላዌ መንፈስ ቅዱስ ይልውጥ!
እንክብሉ ኣስተምሂሮም። ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ደጊሞም ነቶም በዓለ ፋሲካ ዘብዕሉ ዝነበሩ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝክተሉ እንቋዕ ንበዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓኩም ኢሎም።