ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ዋሽግንተ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ተሰምዮም ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ዋሽግንተ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ተሰምዮም 

ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ዋሽግንተ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ተሰምዮም

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 12 ጥቅምቲ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ብፁዕ ካርዲናል ዶናልድ ዊሊያም ወርል ንቕዱስ ኣቦና ሕቶ ኣቕሪቦምን ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ብምጽዳቕ ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ሰበኻ ውሽንግቶን ሓዋርያዊ መስተናብር ንዀኑ ንዝሓረይዎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣትላንታ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ጸሊም ኣመሪካው ወዲ ሰብዓን ሓደን ዓመት ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጎርይ ናይ ዋሽንግቶን መጥሮፖሊታ ንኽዀኑ ከምዘሰምይዎም ናይ ቅስስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 12 ጥቅምቲ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ብፁዕ ካርዲናል ዶናልድ ዊሊያም ወርል ንቕዱስ ኣቦና ሕቶ ኣቕሪቦምን ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ብምጽዳቕ ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ሰበኻ ውሽንግቶን ሓዋርያዊ መስተናብር ንዀኑ ንዝሓረይዎም ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ዋሽንግተ ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ሊቀ ጳጳሳት ግረጐርይ ዕለት 7 ታሕሳስ 1947 ዓ.ም. ኣብ ቺካጐ ዝተወልዱን ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቐቢሎም ካብኡ እውን ብዝነበሮም ጸዋዕታ ምኽንያት ኣብ ናይ ቺካጐ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነተ ኣትዮምን ዕለት 9 ግንቦት 1973 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ኣብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ኣልፎንሶ ተቕዋም ብስነ ሊጡርጊያ ሊቕነት ከምዘመስከሩ የዘኻኽር።

ኣብ 1983 ዓ.ም. ናይ ቺካጐ ተሓባሪ ሊቀ ጳጳስ ከይኖን ተሓርዮም ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ኢሎኖይስ ናይ በለቪለ ሰበኻ ጳጳስ ተሸይሞም ከምዘገልገሉን ኣብ 2004 ዓ.ም. ናይ እትላንታ ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳስ ተሸይሞምን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ሓላፍነታት ዘገልገሉን ካብ 1998 ክሳብ 2001 ዓ.ም. ናይ ሃገሮም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ 2004 ዓ.ም. እውን ኣቦ መንበር ኰይኖም ከምዘገልገሉን ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ዛዕብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝምልከት ናይ ውሳኔ ሰነድ እቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዘጽደቐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ዋሽንቶን ሊቀ ጳጳስ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሸሙላ  ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 51 ዓመት መስዋዕትነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጐርይ ናይ ዋሽግንተ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ተሰምዮም
05 April 2019, 17:17