ር.ሊ.ጳ ስለ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታትን ግዳይ ሓደጋ ደቡቅ ኣፍሪቃን ጻውዒት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሰንበት ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያትን ናብ ዓለምለኸ ማሕበሰብ ዘቅነዔ ንስደተኛታት ሊብያ ክከላኸሉን ብዕልቅልቅ ማይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝተጐድኡን ክሕግዙ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ድሕሪ መዓመር ቀዛፊ ጨሪሹ ዘይቀሃመ ባርዕ ውግእ ሊብያ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ዘመና ዝሓሰመ ውግእ ሓድሕድ ኣደዳ ናይ ኩሉ ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታትን እሱራትን ከምዝኾኑ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት መንጎ ክልተ ጎብለል ጀነራላት ዝጀመረ ውግእ ፈጺምካ ክትንቀሳቀስ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ብምብጻሑ ኣብ ቤትማእሰርትን ማእከል ስደተኛታትን ዝርከቡ 3,300 ዝኾኑ ስደተኛታት ሓደጋ ሞት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ እውን ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ደጊሞም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲና ብፅዕናኦም ንዝተኣወጀ ጳጳስ ሰበኻ ዝነበሩ ኣቡነ ኤንሪክ ኣንጀል ኣንጀለሊን ፍራንቸስካዊ መነኮስ ካርሎስ ደ ድዮስ ሙርያስን ካህናን ኣባ ገብርኤል ሎንገቪል መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ኣቦ ስድራን ወንቸስላኦ ፐደርነራን ድሕሪ ዘኪሮምን ምስክርነቶም ነቶም ፍትሓዊትን ትደጋገፍን ማሕበረሰብ ንምህናጽ ዝቃልሱ ደገፍ ክኸውን ተመንዮምን ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ጻውዒት ስለ እሱራት ሊብያ!

ቅዱስነቶም ስለእቶም ኣብ ሊብያ ዝሳቀዩ እሱራትን ስደተኛታትን ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ስለ እቶም ኣብ ሃገረ ሊብያ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጐኒታት ተዓጊቶም ዘለው ስደተኛታት ሊብያ ኣብ ጸሎት ምሳይ ክትጽንበሩ እምሕጸን። እቲ ኩነታት ብገዛእ ርእሱ እኳ ኣስካሕካሒ እንተኾነ በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ ተጋዲዱ ኣሎ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ሕሙማትን ብዝቀልጠፈ ግዜ ክወጹሉ ዝኽእሉ ሰብኣዊ መሰጋገሪ ቦታታት ክፍጠር እጽውዕ ኣሎኹ። እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ጸሎት ስለ ግዳያት ዕልቅልቅ ማይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ንግድያት ዕልቅልቅ ዝናም ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።

“ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ብዝወረደ ዕልቅልቅ ማይ ሕይወቶም ስለ ዝሰኣኑን ስለዝተጐድኡን ወገናት ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸሊ። ነዚኦም እውን ደገፍናን ጭቡጥ ሓገዝ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ከይፍለዮም እምሕጸን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 April 2019, 18:25