ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞሮኮ ቅድሚ ምንቃሎም ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞሮኮ ቅድሚ ምንቃሎም ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ  

ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞሮኮ ቅድሚ ምንቃሎም ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ኣብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሓዋርያዊ መገሻኦምን መደባቱን እቶም ዝራኸብዎምን ኵሎም ንኣማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞሮኮ እቲ ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንዘካይድዎ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ምንቃሎም ከምቲ ልሙድ ናብ ሓዋርይዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ምምላሶም ዝፍጽምዎ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 29 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዝፈጸሙን ኣብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሓዋርያዊ መገሻኦምን መደባቱን እቶም ዝራኸብዎምን ኵሎም ንኣማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ከምዘወከፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ ድረ ገጽ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝሓሩ ተፈሊጡ።  

30 March 2019, 09:49