ንእትገብሮ ኩሉ፡ ብዘይ ሕሜታን ዕሚም ምባልን ብጥበብን ብፍቅርን ምግባሩ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 መጋቢት 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም `ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምምራጽና ወይውን ምግባርና ንነገራት ኣለሊኻ ንምኽኣል ንዝግበር ምናዳ መማህራንን ኣዘዝትን ጥበብን ዓቅልን ከዘውትሩ ዓቢይ ሓላፍነት ኣለዎም። ከመይ ዕሚም ምባል ንሥድራስ ይኹን ንቤትትምህርቲ ከምኡን ንናይ ሥራሕ ቦታ ሰላም የዕኑ። ኩሉ ውግእ ካብ ምልሓስ ስለዝጅምር’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኮይኑ ኣብ 6ይ ምዕራፍ ብዛዕባ እቲ ዕውር ንዕውር እንተመርሖ ክልቲኦም ተመራሪሖም ኣብ ገደል ይኣትው! ኣብ ዓይንኻ ጉንዲ እንከሎ ከመይ ኢልካ ንሓውካ በሰር ከውጸኣልካ ትብሎ! ኣታ ግብዝ ቅድም ኣብቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ኣውጽእ ደሓር ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ንዘሎ በሰር ንምውጻእ ጽቡቅ ገርካ ክትርኢ! ብፍረኦም ኢኹም እትፈልጥዎ! ካብ ጽቡቅ ኦም ሕማቅ ፍረ ካብ ሕማቅ ኦም ከኣ ጽቡቅ ፍረ ክርከብ ኣይከኣልን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ስለዝዛረብ ንእትብልዎ ኩሉ ኣስተውዕሉሉ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቃል ወንጌል ተመስሪቶም እዮም እምበኣር ዕንወት ከይተኸተል እንታይ ምግባር የድሊ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ እንክመስሉ ናብታ ዕውር ንዕውር እንተመርሖ እትብል ትርጓሜ ይምለሱ።

ዕንወት ንከይተስዕብ ክትክተሎ ዘሎካ ቅኑዕ መንግዲ!

ቅዱነቶም ኢየሱስ ዕውርዶ ንዕውር ክመርሖ ይኽእል እዩ ክብል ከሎ መራሒ ዝኸውን ጽቡቅ ዝርኢ ጥበብ ዘለዎ ብጥበብ ክመርሕ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ እንተዘየሎ ኣብቶም ሃደራ ዝተዋህብዎ ሰባት ከም መምህርስ ይኹን ከም ኣመሓዳሪ ዘስዕቦ ዕንወት ብዘይመጠን ዓቢ ይኸውን።

“ኢየሱስከስ ከምዚ ብምግባር ናብቶም ንክኲስኩሱ ወይውን ንክመርሑ ሓላፍነት ናብ ዘለዎም ማለት ጓሶት ነፍሳት ኣብ ሕዝባዊ ምምሕዳር ሥልጣን ዘለዎም ሓገግቲ ኣካል መማህራን ወለዲ ወዘተ እቲ ተቀሚጦምሉ ዘለዎ ቦታ መሪሕነት ወይ ምምሕዳር ተኣፋፊ ስለዝኾነ ብዙሕ ጥንቃቄን ጽጹይ ምምልላይ ጉዳያትን ከምዘድልዮም እዚ ከኣ ንሰባት ንክትመርሓሉ ዘድሊ ቅኑዕ ጐዳና ምዃኑ ንምስትምሃር እዩ ኢሎም። ነዚ ከኣ ባዕሉ መምህርን መራሕን ብምዃን ኣብነት ኰይኑና እዩ ኢሎም።”

መምህርን መራሕን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብነት መምህርን መሪሕነትን ምዃኑን ንኣኡ ምኽታል ከምዘድልን ንኸመልክት ‘ ሓደ ረድኢ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ። ኮይኑ ግን እቲ እኹል ምስንዳው ዝረኸበረ እሞ ከም መምህሩ ዝኾነ እዚ እኹል እዩ’ ይብል።

“እዚ ኣብነቱ ንምኽታል ዝቀርብ ዕድመ ኮይኑ እንተደኣ ጽኑዕን ጥበበኛን መራሒ ክትከውን ደሊኻ ክትስዕቦ ዘሎካ ትምህርቲ ኣውን እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ብሓጺሩ ኣብቲ ኣብ ርእሲ እምባ ኮይኑ ብዛዕባ ብፅዕና ዘስተምሃሮ ትምህርቱ ንረኽቦ። ቅድሚ ሰልስተ ሰናብቲ ኣስተንቲናዮ ከምዝነበርና ገርሀይናታትን ትሑታትን ቅኑዓትን ንክንከው የውሃንትን ምሕረትን ከምዘድሊ የወሃን ብፁዓን እዮም መሓርቲ ብፁዓን እዮም ኣናበለ ኣመላኺቱልና ነሩ። ናይ ቀንዲ መኽሰብ ከኣ ተኣማንነት እዩ።”

ተአማንነት!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ቀንዲ ዘስተምህረና ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ኣምሰሉነትን ግብዝነትን’ ክንፍንፍኖም ዘሎና ኮይኖም ብኣብነት ናይታ ኣብ ዓይንኻ ጉንዲ እንከሎ ንሓውኻ በሰር ከውጸኣልካ ኢልካ ብድፍረት ዝግበር ግብዝነት ይጠቅሱ።

“ብዙሕ ግዜ እዚ ኩልና ንፈልጦ ኢና እቲ ዝቀለለ ወይውን ዝመቸአ ኩነት ንናይ ካልኦት ጉድለታት ሓጢኣት ካልኦት ምምልካትን ምዂናንን ቀሊል እዩ። ነዚ ከኣ ነቲ ናትና ጉድለታት ማዕረ ብዝኾነ ኣገባብ ከይተመልከትና እዩ። ንሕና ወትሩ ጒድለታትና ንሓብእ እቲ ዘገርም ወላ ንገዛእ ርእስና ንሓብኦ ጒድለት ካልኦት ምርኣይ ግን ዝቀለለ እዩ ዝኾነና። እቲ ፈተና ምስ ገዛእ ርእስና መሓርቲ ምዃን ኣዩ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እንክትመጽእ ሸለል ምባል ምስ ካልኦት ግን ጽኑዕን ጨካንን ምዃን እዩ እቲ ነገሩ። ንብጾትና ማይ ዘይጠዓሙ ጥበብ ዝመልኦም ምኽሪ ምልጋስ ቀሊል እዩ ኮይኑ ግን ንሕና እውን ጒድለታት ከምዘሎና ዘይምዝንጋዕ የድሊ። ኣነ ወላ ሓንቲ ጌጋ የብለይን ንብል እንተዀና ንካልኦት ክንኩንንን ክንእርምን ኣይኽእልን ኢና። ኩልና ጒድለታት ኣለውና! ኩልና! ቅድሚ ንካልኦት ምፍራድና ንሕና ጒድለት ከምዘሎና ክንዝክር የድሊ። ውሽጥና ገዛእ ርእስና ርኢና ክንክእል ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ተአማንነት ነጥሪ ብትሕትና ከኣ ንፍቅሪ ንምስክር ኢሎም። ብቐንዱ ከኣ ነቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ሕሜታ ነወግድ።”

ሕሜታ የዕኑ እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ቃላት ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ `ዓይንና ካብ ጒንዲ ነጻ ምዃኑ ፈቲሽና ምስ ኣረጋገጽና ክንሰግሮ ዘሎና ካልእ ነገር ከኣ ኣሎ። ኢየሱስ ብፍረኦም ኢኹም እትፈልጥዎ! ካብ ጽቡቅ ኦም ሕማቅ ፍረ ካብ ሕማቅ ኦም ከኣ ጽቡቅ ፍረ ክርከብ ኣይከኣልን! ይብለና።

“ፍረ ክበሃል ከሎ ተግባር እዩ ኮይኑ ግን ንዘረባ እውን የጠቃልል። ካብ ዘረባ እውን ዓይነት እታ ኦም ክፍለጥ ይከኣል እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ጥዑይ እንተኾይኑ ካብ ኣፉ ሠናይ ነገር ሕማቅ እንተኾይኑ ከኣ ነንሕድሕድና ዘዕኑ ካብ ኣፉ ሕማቅ ነገር ይወጽእ፣ እዚ ከኣ ካብ ዕሚም ምባል ጀሚርካ ሕሜትን ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ እናተዛረብካ ስም ምጽላምን ይርከብዎም። እዚ የዕኑ! ሥድራቤት የዕኑ ቤትምህርቲ የዕኑ ቦታ ሥራሕ የዕኑ ከባቢ የዕኑ። ውግኣትከስ ካብ መልሓስ እዮም ዝጅምሩ።”

እንክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብሓባር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ኣፋነውዎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
03 March 2019, 14:10