ንእትገብሮ ኩሉ፡ ብዘይ ሕሜታን ዕሚም ምባልን ብጥበብን ብፍቅርን ምግባሩ የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኮይኑ ኣብ 6ይ ምዕራፍ ብዛዕባ እቲ ዕውር ንዕውር እንተመርሖ ክልቲኦም ተመራሪሖም ኣብ ገደል ይኣትው! ኣብ ዓይንኻ ጉንዲ እንከሎ ከመይ ኢልካ ንሓውካ በሰር ከውጸኣልካ ትብሎ! ኣታ ግብዝ ቅድም ኣብቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ኣውጽእ ደሓር ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ንዘሎ በሰር ንምውጻእ ጽቡቅ ገርካ ክትርኢ! ብፍረኦም ኢኹም እትፈልጥዎ! ካብ ጽቡቅ ኦም ሕማቅ ፍረ ካብ ሕማቅ ኦም ከኣ ጽቡቅ ፍረ ክርከብ ኣይከኣልን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ስለዝዛረብ ንእትብልዎ ኩሉ ኣስተውዕሉሉ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቃል ወንጌል ተመስሪቶም እዮም እምበኣር ዕንወት ከይተኸተል እንታይ ምግባር የድሊ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ እንክመስሉ ናብታ ዕውር ንዕውር እንተመርሖ እትብል ትርጓሜ ይምለሱ።
ዕንወት ንከይተስዕብ ክትክተሎ ዘሎካ ቅኑዕ መንግዲ!
ቅዱነቶም ኢየሱስ ዕውርዶ ንዕውር ክመርሖ ይኽእል እዩ ክብል ከሎ መራሒ ዝኸውን ጽቡቅ ዝርኢ ጥበብ ዘለዎ ብጥበብ ክመርሕ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ እንተዘየሎ ኣብቶም ሃደራ ዝተዋህብዎ ሰባት ከም መምህርስ ይኹን ከም ኣመሓዳሪ ዘስዕቦ ዕንወት ብዘይመጠን ዓቢ ይኸውን።
መምህርን መራሕን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብነት መምህርን መሪሕነትን ምዃኑን ንኣኡ ምኽታል ከምዘድልን ንኸመልክት ‘ ሓደ ረድኢ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ። ኮይኑ ግን እቲ እኹል ምስንዳው ዝረኸበረ እሞ ከም መምህሩ ዝኾነ እዚ እኹል እዩ’ ይብል።
ተአማንነት!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ቀንዲ ዘስተምህረና ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ኣምሰሉነትን ግብዝነትን’ ክንፍንፍኖም ዘሎና ኮይኖም ብኣብነት ናይታ ኣብ ዓይንኻ ጉንዲ እንከሎ ንሓውኻ በሰር ከውጸኣልካ ኢልካ ብድፍረት ዝግበር ግብዝነት ይጠቅሱ።
ሕሜታ የዕኑ እዩ!
ቅዱስነቶም ናብ ቃላት ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ `ዓይንና ካብ ጒንዲ ነጻ ምዃኑ ፈቲሽና ምስ ኣረጋገጽና ክንሰግሮ ዘሎና ካልእ ነገር ከኣ ኣሎ። ኢየሱስ ብፍረኦም ኢኹም እትፈልጥዎ! ካብ ጽቡቅ ኦም ሕማቅ ፍረ ካብ ሕማቅ ኦም ከኣ ጽቡቅ ፍረ ክርከብ ኣይከኣልን! ይብለና።
እንክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብሓባር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ኣፋነውዎም።