ሻድሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ተልእዀ ወንጌል ካብ ሕውነታዊ ሱታፌ ዘይንጸል እዩ ሻድሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ተልእዀ ወንጌል ካብ ሕውነታዊ ሱታፌ ዘይንጸል እዩ 

ሻድሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ተልእዀ ወንጌል ካብ ሕውነታዊ ሱታፌ ዘይንጸል እዩ

ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ብዛዕባ ማሕበራውነት ዝብል ቃል ምስ እዋናዊ ኩነት ኣተሓሒዞም፡ “ዕሴታትን ተበጽሖታትን መሰልን ክብርን ግቡእነትን ምምቕራሕ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብሓባር ዕለት 10 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዝጀመርዎ ሱባኤ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፡  ናይ ዓቢይ ጾም ሱባኤ ሰባኬ ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ዕለት 14 መጋቢት 2019 ዓ.ም፥ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከተማ ትእምርቲ ናይ ሓቀይና ሕውነታዊ ሱታፌ እያ፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ከተማን ሰብን ዘሎ ድላይ ሕውነታውነት ተበጻሕነቱን ተኸዋንነቱን ትምስክር ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዘቕረብዎ ሻድሻይ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓላፍነት፡ ዝተቐበልካዮ ፖለቲክዊ ድዩ መንፈሳዊ ስልጣን ንናይ ውልቅኻ ረብሓ ናይ መፈጸመን ንናይ ውልቃዊ ሓለፋነት ከተውዕሎ እንከሎኻ፡ ንኻልኦት ከእምን ዝፍትን ዘየእምን ኰይንካ ትተርፍ፡ እቲ ዝገደደ ከኣ ሕብረተሰብ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣሜነታ ከይህልዎ ትድርኽ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ሰላም መሰረት ገይሮም ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ሓቀይና እንገዳ ካብ ሓቀይና ሕውነታዊ መንፈስ ዝነቅል እዩ

ኣብ 201 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ በኒን ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ናይ መንግስትን ናይ ፓለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ፊት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ስለ ዝብል ዝርጉሕ ኢድ፥ ደላይ ዘተ ዝገልጽ ምስሊ ብምጥቃም ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽቱ፡ ገጣማይ ማሪዮ ሉዚ እውን ብወገኑ፡ ኣብታ ነዚ ኢና ኣብዚ ዘለና ኣብ ዘርእስታ ግጥሙ፡ ሰላምታ ንለዋወጥ ኣብ መገዲ ከተማታትና ይብል፡

ቤተ ክርስቲያንን ከተማን፡ ኣብ ውሽጠን እውነተይና ሕውነታውነት ዝንበረን ምስ ዝዀና ናይቲ ሓቀይና እንገዳ ተመክሮ ይህልወን፡ … ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውነተይና ሕይወት ማሕበረ-ሰብኣውነት ምንባር፡ ማሕበረሰብ ኰይንካ ምንባር፡ ማሕበራውነት ክንበር ኣለዎ።

ብርቱዕን ነባርን ፍቕሪ

ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ብዛዕባ ማሕበራውነት ዝብል ቃል ምስ እዋናዊ ኩነት ኣተሓሒዞም፡ “ዕሴታትን ተበጽሖታትን መሰልን ክብርን ግቡእነትን ምምቕራሕ” (ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍጻሜ ንሃገረ ኢጣሊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ ጠቒሶም) ኵሉ ኣብ ውሽጡ ናይ ሓባር መጻእነት እናማዕደወ ማሕበራውነት ምንባር፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ኣስተንፍሶ ዝገበረ ሕይወት ኣብ ልቢ ዓለምን ልቢ ከተማታትን ምምስካር፡ … ብርቱዕን ነባርን ፍቕሪ - ከምቲ ኢየሱስ ብቓልን ብሕይወትን ዝመሃረና - ምንባር።

ውልቃዊ ፈተናታት ምውጋድ

ብርሃነ ኣሕዛብ ዘእርስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም፡ እግዚኣብሔር ሰብ ክቕድስን ከድሕንን ይደልይ፡ መላእ ዘርእሲ ሰብ እምበር ንንፈሲ ወከፍ ሰብ ብውልቂ ኣይኰነን፡ እዚ እዩ ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ብሓቂ ዝፈልጦን ብቕድስና ዘገልግሎን ሕዝቢ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ውፉይ ሕይወት ዘርእስታ ናይ 1996 ዓ.ም. ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም፡ ውፉያን፡ ናይ ሕውነትን ስላሴኣውነትን ትእምርቲ፡ ታሪኽ ስላሴኣውነት ዘንጸባርቕ ሕይወት፡ እንክብሉ ይገልጽዎ፡

ዓቢይ ጾም፥ ምምላስ ናብ ጐይታ

ናይ ዓቢይ ጾም ግዜ ምስጥር፡ ምምላስ ናብ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምብትታን ኣብ ሕይወት ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ሱታፌ ዳግም ንኽንረክብ ዘነቓቕሕን ዝመርሕን እዋን እዩ፡ ስለዚህ ናብቲ ናይ ጥንቲ ሓዋርያት ማሕበራዊ ሕይወት ንኽትምለስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይተዓጽወ ናብ ፋሲካ ዘማዕድው ግዜ ምዃኑ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ገሊጾም፡ ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያንን ኩሪያ ሮማናን እውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ሱታፌ ኣብ ዙሪያ ስልጣናዊ ተክለ ሰብነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብእምንቶን ብቅኑዕን ሓቀይናን ተኣዝዞ ናብ ምንባር ክትምለስ ዘተሓሳስብ እውን እዩ ኢሎም።

ወንጌል ጽን ምባል

ሕውነታዊ ሕይወት ይብሉ ሰባኬ ሱባኤ፡ መጋበርያ ዘይኰነስ ጸጋን ምስጥርን ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብልዎ ኣብ መንጐና ዕለት ብዕለት ስጋሁ ወደሙ ዝምገብን በዚ እናጐልበተ ዝኸይድ ህላዌ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ዝዀነ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብምጢረ ንስሓን ሊጡርጊያ ዕርቅን መሰረት ዝሕደስ ወንጌል ጽን ኣብ ምባል ዝንበር ተመክሮ ሰቂለ ህሊና እዩ።

ናይ ጥምረት ሓይሊ 

ቅዱስ ቁርባን እቲ ዘለዎ ክሕከኽ ዘይከኣል ዘጣምር ሓይሉ ብምስትውዓል ምቕራቡ የድሊ፡ እውነተይና ህላዌ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣብ መንጐናን ምስ ጐይታ ኢየሱስን ዘሎና ሱታፌ ጭቡጥ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ሓደ ኣካል ምዃን።

ዝሳቐዩ ኣካላት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ካብ ናይ ጐይታ ጭቡጥ ስቑይ ኣካል ዘይምርሓቕ፡ ህልወቱ ኣብቶም ዝሳቐዩ፡ ኣብ ሓሳርን መከራን ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ናይ ካልኦት ስቓይን ኣቑሳልን ምትንካፍ ንኢየሱስ ምትንካፍ ምዃኑ የዘኻኽሩና።

ቅዱስ ቁርባንን ከተማን

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቪንቸንዞ ሮሲቶ፡ ኣብታ ናይ ከተማ እግዚኣብሔር ዘርእስታ መጽሓፎም፡ ብዛዕባ ንኻልእ ቀረባ ምዃን ዝንበረሉን ምልዋጥ ዝግለጸሉ ስፍራ እንክብሉ ንከተማታትና ይገልጹ፡ ቅዱስ ቁርባን ምስ ናይ ድኻታት መኣዲ የመሳስልዎ፡ ሓንቲ መኣዲ ሓንቲ እንጌራ ኩሉ ዝካፈላ፡ ነናተይ መኣዲ ዘይበሃለሉ ቤት፡ ኢየሱስ እንኰ እንጌራ ዝዀነላ ቤት።

ተልእዀኣዊ ሓሴት

ምስቲ እሙን ህዝቢ ናይ ፋሲካ ሕይወት ብናይ ተልእዀ ሓሴት ኣቢልካ ምክፋል፡ … ኣብ ልቢ ዓለምን ልቢ ነፈሲ ወከፍ ሰብ እቲ ኢየሱስ ዝጸገወና ብርሃን ኰይንና ንኽንቀርብ፡ … ሰላም ምብህሃል፡ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ምስጢርን ጸዋዕታ ኣብ ከርሳ ዝሓዘት እያ፡ ናይ ሓባር ቤት ንኽትከውን ዝብል እዩ ጸዋዕታኣ፡ ቤት ኩሉ፡

እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ዘደንቕ ብድሆን ተስፋን እዩ፡ ኣብ ወንጌል ምስማዕ ዝጸንዔ፡ ኣብታ ምግምማዕ ዝረኣየላ ከተማ ናብ ምቅርራብን ሓደ ናብ ምዃንን ዘተባብዕ። ኣደነት ማርያም ዝስትንተነላን

እንክብሉ ዘቕረብዎ ሻድሻይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ዛዚሞም።

ሻድሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ተልእዀ ወንጌል ካብ ሕውነታዊ ሱታፌ ዘይንጸል እዩ
15 March 2019, 16:30