ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ዓቢይ መምህር ዝተፈረመ ናይ ሓባር ስምምዕ ሰነድ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስቶም ዘሰንይዎም ምስ ዝነበሩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዝፈረምዎ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝምልከት ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድን ዝተበጽሔ ስምምዕን እቲ ስምምዕ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ዝገበረ ምዃኑን ከምኡ እውን ብዛዕባ ማዱሮ ዝለኣዅሎም መልእኽቲ ኣመልኪቶም፡ ንምሽምጋል ቅሩብ ምዃኖም ግና ብኽልቲኣቶም ወገን ተቐባልነት የድልዮ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ሓጺር እዋን እውን እንተአበረ ብሓቂ ዓቢይ ተመክሮ ዝተነብሮ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻ ታሪኻዊ ይኹን ኣብ ዕለታዊ መነባሮና እነሳልጦ ኩሉ  ዘበለ መገሻ፡ ናይ ዕለታዊ ታሪኽ ዘጋቢ እዩ፡ ዓቢይን ንኡስን ታርኽ ዝበሃል የሎን፡ ኩሉ ዓቢይን ዝተገብኤን እውን እዩ። ዋላ’ኳ ጽንኵርን ደስ ዘየብል እውን ይዅን፡ ደሓር ዝገሃድ ዝተሓብኤ ክብሪ ዝሓዘ እዩ። ምስ ምስልምና ሃይማኖት ዘካየድዎ ዘተን ብዛዕባ እቲ ካብ ኒኮላስ ማዱሮ ዝተለኸሎም ዝበሃል ዘሎ መልእኽትን ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ካልኦትን ሕቶታት ከምዝመለሱ ቶርኒየሊ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ክረአይ እዩ እትብልዎ ናይዚ መገሻ’ዚ ውጽኢት እንታይ እዩ ትብሉ፡ እቲ ዘካይድክምዎ መገሻ እንታይ ጦብላሕታ ኣሕዲሩልኩም?

ብሓቂ እውንትን ዓባይን ከተማ እየ ዝረኣኹ፡ ልዑል እዋናውነት ናይታ ከተማ ብሓቂ ዘደንጽው እዩ፡ ጽሬትን ጽፈትን ኩሉ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ክነሳ ነቲ ዅሉ ዕምባባታትን ኣታኽልትን ካበይ ማይ የስትይዎ እንክብል ንገዛእ ርእሰይ እውን ሓቲተ እየ፡ ንዅሉ ዘአንግድን ንመጻኢ ርህው ዝዀነ ሃገር እየ ዝብጻኩ፡ ንምጻኢ ዘማዕድው መደብ ሕንጸት። ዋሕዲ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንምፍታሕ እውን ንመጻኢ ማያት ባሕሪ ብምጽራይ ንምጥቃም ዝብል መደብ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ከምእተሓበሮም ጠቒሶም፡ ናይ ኢሚራት ዓረብ ሃይማኖት ምስልምና ክፉት እዩ፡ ናይ ዘተናን ሕውነትን ሰላምን እዩ። ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዘይምርግጋእ ኣሎ፡ ስለዚህ እታ ሃገር ኣብ ምስፋሕ ሰላም ዘለዋ ጸዋዕታ ዓቢይ ምዃኑ ተስተውዕለ፡ ምስ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ዓበይቲ ቤት ምኽሪ ሽማግለ ጥበበይናታት ዘካይድዎ ርክብ ዓሚዩቕ ምንባሩን እቲ ዝበጽሕዎ ስፍራ ኵሉ ናይ ዓሚዩቕ ባህሊ መግለጺ ምዃኑን፡ ንናይቲ ከባቢም ክፍለ ዓለምን ኵላውን ሃይማኖታውን ርህውቲ ዝዀነት ሃገር እያ። … ኣብቲ ዘስማዕክዎ መደረ ብዛዕባ ንግድ ጸያፍ ኣሳዕል ዝምልከት ጉዳይ ጠቒሰ፡ እዚ ብሓቂ ኣብ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኢንዱስትሪ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ብዙሓት መርከቢ እቶትን መኽሰብን ንምዝመዛ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ከምዘለዉ ገሊጸ እየ፡ እታ ሃገር ነዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ግብረ እከይ ኣፍልጦ ኣለዋ፡ ብርግጽ ኣባታ ሃገር እውን ከም ኩሉ ከባቢ ዓለም እወታውን ኣሉታውን ጐድንታት ኣሎ፡ ብሓጺሩ ስለ እቲ ዝተገብረለይ ኣቀባብላን እንገዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደጊመ ከመስግን እፈቱ።

እቲ ዝተበጽሔ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ውሳኔ ኣብ መጻኢ ብኸመይ መገዲ እዩ ክትግበር?

ቅድም ቀዳድም እቲ ሰነድ ናይ ጥልቂ ኣስተንትኖን ጸሎትን ውጽኢት ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ፡ ብወገን ዓቢይ መምህርን ኣማኸርቶምን ብወገነይ እውን፡ ብዙሕ ዝጸለናሉ ሰነድ እዩ። ንዓይ እዚ እዋን’ዚ እቲ ዓቢይ ስግኣት ዝብሎ ዕንወትን ውግእን ጽልእን ኣብ መንጐና እዩ፡ ኣንሕና ኣመንቲ፡ ሰላም እንተድኣ ዘይተበሃሃልና እንተዘይጠሓቛቖፍና እንተዘይጸለናን እምነትና እዩ ንስዕረት ዝቃላዕ። እቲ ሰነድ ካብቲ ኣቦን ጐይታ ሰላምን ካብ ዝዀነ እግዚኣብሒር እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ ዕንወትን ግብረ ሽበራን ካብቲ ቀዳማይ ግብረ ሽበራ ዝዀነ ቃኤል ዝፈጸሞ ኵሉ ዝኹንን እዩ። ንምስንዳዉ ዳርጋ ዓመት ዝሓተተን ብዙሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተገበረሉ እዩ፡ ከይበጽሔ ከይውለድ ብዙሕ ጥንቃቔ ዝተገበረሉ እዩ።

እቲ ዘካየድክምዎ ምብጻሕ ብዙሕ ርክባትን ጦብላሕታውን ምስላውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝተረፈ ንስኹም ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዅም ዘተገበረልኩም ብወትሃደራዊ ስነ ስርዓት ዝተዓጀበ ናይ ኣቀባብላ ስርዓተ ኵነት እዩ፡ ኣብ ሰማይ እታ ሃገር ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰንደቕ ዕላማ ሕብሪታት ዝፍንዋ ዝነበራ ነፈርትን፡ እዚ ዅሉ ምስቶም ናይ ሰላም መልእኽተይና ዝዀኑ ምብጻሕ ዘካይዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንታይ የራኽቦ? ኣብ የመን ሰላም ክወርድ ዘቕረብክምዎ ጻውዒት እንታይ ግብረ መልሲ ረኺብኩምሉ?

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዝግበረለይ ኣቀባብላ ካብ ሰናይ ፍቓድን ድላይን ዝነቐለ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎኒ፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከከም ባህሉ ይገልጾ። ንምቕባለይ ኩሉ እዩ ተገይሩለይ፡ እዚ ኸኣ ናተይ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘለዎ ቅቡልነት ልዑል ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ … ብዛዕባ ውግእ .. ምስቶም ዝተራኸብክዎም ኣካላት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጠሉ እየ፡ ብርግጽ ሓጺር ምብጻሕ እዩ ነይሩ፡ ናይ ሰላም ዘተ ንምኽዋን ጽቡቕ ድላይ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢለ፡ ስለዚህ እዚ እዩ እቲ ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ዘስተውዓልክዎ፡ …. ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ውግእ፡ ከምቲ ዝገለጽክምዎ ናይ የመን ውግእ ጥራሕ ኣይኰነን!

ድሕሪ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ወግዓዊ ምፍርራን ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኣብ እስላም ሃገራት እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኸውን ትብሉ? ብፍላይ የመንን ሶሪያን ብምሕሳብ?  ሓደ ናይ ካቶሊክ ወገን ዝዀነ ንኡስ ክፍሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ይጥቀሙልኩም ኣለዉ ቢሉ ዝሓስብ ኣሎ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ካቶሊካውያን እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

ካብ ገለ ገለ ሰዓብቲ ሃይማኖ ምስልምና ጥራሕ እይኰነን ከምዚ ዝበሃል፡ ካብ ጋዜጠይናታት እውን ዝመጽእ ወቐሳ እዩ፡ እዚ ክፍሊ ዕዮ እዩ፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ክብሎ ዝደልይ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ሓደ ሚሊ ሜትር እውን ካብ ውሳኤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍንትት ኣይበለን፡ … እቲ ሰነድ ቅድም ኣቢለ ብብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን በቶም ዶመኒካውያን ዝዀኑ ናይ ቤተ ጳጳስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እውን ብዕምቆት ክጽናዕ ገይረ እየ፡ ይኹንታ እውን ሂቦምሉ እዮም፡ ደስ ዘይብሎ እንተሎ፡ ይርድኦ እየ፡ … ካብ ርሑቕ 60 ዓመታት ኣትሒዙ ዝተበገሰ ጉዳይ እዩ፡ … ከም ኣብነት ኣብቲ ሰነድ ቅድም ክብል ዘንበብክዎ ሓሳብ ነይሩ፡ ሰንቢደን እዚ ከምይ ኢሉ ኣብዚ ይኣትው ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ ኣውን ኣቀላቒሉለይ ነይሩ እዩ፡ ደሕር ግና እቲ ዘንበብክዎ ሓሳብ ኣብ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ እዩ፡ … ኩሉ ክቕበሎን ክሰማምዓሉን … ኣብ መንጐ እቲ ቤት ምኽሪ ሰብ ጥበብ ሽማግለ ሃይማኖት ምስልምና እውን ናይ ኣመለኻኽታ ፍልልይ ክህሉ ንቡር እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ከይዲ እዩ፡ ከም ዕንባባን እትክልትን ቀስ እናበለ እዩ ዝበስል።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ሓዋርያዊ መገሻ ፈጺምኩም ድሕሪ ቑርብ እዋን ናብ ሞሮኰ ክትገሹ ኢኹም፡ ምስቶም እትራኸብዎም ብርግጽ ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምና ከምእትመያየጡ ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ሰነድ ብሓቂ ብዛዕባ ሕንጸት ዘመልክቶ ነጥቢ ህንጡይ እዩ፡ ምእመናን ዝትንክፍ ስለ ዝኸነ …

ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እቲ ሰነድ ኣብ መናብርተ ጥበብ ክጽናዕን ምርምር ክግበረሉን ዝግብኦ ሰነድ እዩ ዝብል ርእይቶ ይህብሉ ኣለዉ፡ ብርግጽ ኣብ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን እውን፡ ብጸቕጢ ዝቐርብ ዘይኰነ ንኽጽናዕን ምርምር ንኽግበረሉን እዩ፡ በጋጣሚ እቲ ናይ ኢሚራት ዓረብን ናብ ሞሮኮ ዘካይዶ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተቐራረበ እዩ፡ ኣብቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማራከሽ(ኣብ ሞሮኰ) ኣብ ዝተካየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ስደተይናታት ክሳተፍ ደልየ ነይር፡ ናብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ከየካየድኩም ኣብ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፍ ብናይ ስነ ርክብ ሜላ  ቅቡል ኣይኰነን ስለዚህ ከም ሃገር ክኽበር ዘለዎ ኣካይዳ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ኣሎ፡ ስለዚህ እቲ ናብ ሞሮኮ ከካይዶ ተሓሲቡ ዘሎ ብምጻሕ ስለ ዝተሰጋገረ እዩ፡ ምስቲ ናይ ኢሚራት ዓረብ ሃገራ ምብጻሕ ዘቀራረቦ፡ እቲ ናብ ሞሮኮ ዝገብሮ ምብጻሕ ኰነ ተባሂሉ ምስቲ ናይ ኢሚራት ዓረብ መደብ ክቀራረብ ኣይተገብረን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ናይ ማራከሽ ዋዕላ ተሳቲፎም እዮም። ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር ስዒበ ኣብ ሞሮኮ ምብጻሕ ከካይድ እየ፡ ካብ ብዙሓት እስላም ሃገራት ናይ ይብጽሑና ዕድመ ተገይሩለይ እዩ፡ እዚ ቀስ ብቐስ ዝርአይ ጉዳይ ይኸውን፡ ኣነ ድየ ወይ ኣቲ ብድሕረይ ዝመጽእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ …

ናይ ሃገረ ቫቲካን ከይዲ ናይ ስነ ርከባዊ ሚላ ቀስ ኣናበለ ርሑቕ ዝጓዓዝ ናይ ነዊሕ ዘመናት ተመክሮን ታሪኽን ዘለዎ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ 1978 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ኣርጀቲናን ቺለን ዝነበረ ምስሕሓብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዝፈጸምዎ ሽምግልና ካብ እውግእ ከምዝደሓነ ይዝከር፡ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. እቲ ኣብ ቨነዝወላ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብኣዅም ክሽምገል ኒኮላስ ማዱሩ ናባዅም ወግዓዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ይግለጽ፡ እንታይ ክትገብሩ ትሓስቡ … ?

እቲ ኣብ መንጐ ኣርጀንቲና ቺለን ዝነበረ ውጥረት ናብ ውግእ ከይቕየር ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቆራጽ ሽምግልና ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩን ውግእ ከይኽሰት ምግባሩ እውን ይዝከር … ዘተን ሽምግልናን ናይ ቫቲካን ጥራሕ ኣይኰነ ናይ ኩሉ ስነ ርክባዊ ሜላ ዕላማ እዩ፡ ስነ ርክባዊ ሜላ ቀስ እናበለ ርሑቕ ዝጓዓዝ እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ እዩ ዝፍጸም። እቲ ማዱሮ ዝለኣኹለይ መልእኽቲ ገና ኣየንበብክዎን ኣለዅ … እንታይ ከምእንገብር ዝርአይ ይኸውን፡ እቲ ሽምግልና ብሓደ ወገን ምስ እትዕደም ኣይኰነን፡ እቲ ዕድመ ካብቶም ክልተ ተሟጐትቲ ኣካላት ክቐርብ ኣለዎ። … ቅድስቲ መንበር ኣብ ቨነዝዋላ ህልውቲ እያ፡ ….

ምስቶም ናይ ምስልምና ሃይማኖት ዓበይቲ ሰብ ጥበብ ሽማግለ ብዛዕባ እንታይ መኺርኩም፡ መልእኽትኩም ዝበጽሔ ኰይኑ ዶ ይስምዓኩም?

እቶም ጉጅለ ቤት ምኽሪ ሃይማኖት ምስልምና ብሓቂ ሰብ ጥበብ እያቶም፡ ብቐዳምነት ምስ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ እየ ዝተዘራረብኩ፡ ድሓር ምስ ነፍሲ ወከፍ እቶም ሽማግለታት፡ ሓደ ካብኣቶም እውን ቋንቋ ስፓኒሽ ዝፈልጥ ኣጋጢሙኒ እዩ፡ ካብ ምዋሪታኒያ ዝመጹ እዮም፡ ምስቶም ካብ ኵሎም ብዕድመ ዝነኣሱ ብምስማዐ ርእየት ዝተራኸብክዎም ናይታ ሽማግለ ሰብ ጥበብ ሃይማኖት ምስልምና ዋና ጸሓፊ፡ ናይቲ ዘካየድናዮ ዘተ መርሕ ቃል ጥበብ ዝብል ክኸውን እንከሎ ብምትሕሓዝ እውን ተኣማንነት ዝብል እዩ፡ ካብዞም ክልተ ቃላት እዚኣቶም እዩ ዓሚይቕ ምሕዝነት ዝውለድ፡ ሓደ ካብኦም ሺዓዊ እዮም። ካልኦት ካብ ዝተፈላለየ ጨንፈር እያቶም። ናይ ጥበብን ተኣማንነት ጉዕዞ እዩ ናብ ሕንጸት ሰላም ዝመርሕ፡ ሰለምንታይ ሰላም ናይ ጥበብ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ብሓቒ ኣብ መንጐ ሰብ ጥበብ እየ ዝነበርኩ፡ ካብቲ ርክብ ብዙሕ እየ ዝረወዅ ኢሎም።

ሓንቲ መንእሰይ ነቲ ዝነበረ መኻልፍ ሰጊራ ናባኹም ቀሪባ ሰታሪት እውን ሂባትኩም፡ ኣንቢብክምዎ ዶ?

ግዜ ስለ ዘይነበረኒ ኣየንበብክዎን፡ እቲ ኵሉ ዝተቐብልክዎ ደብዳቤታት ደሓር ከንብቦ እየ፡ ብሓቂ ብርትዕቲ ሕጻን እያ፡ እታ ሕጻን ብርታዔኣ ርኢኻ ብሓቂ መጻኢ ዘለዋ ምዃና ተስተውዕል …..

ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ብዛዕባ ፍርሒ ንሃማኖት ምስልምና ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣልዒሎም ነይሮም፡ ስለምታይ ደሓር እውን ብዛዕባ ፍርሒ ንእምነት ክርስትና ዝብል ነጥብ ዘይተለዓለ፡ ብዛዕባ ኣሳዶን መከራን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ከመይ ዘይተለዓለ?

ኣነ ተዛሪበሉ እየ፡ ኣብቲ ዓቢይ ጉባኤ ዘይኰነስ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝገልጾ ርእሰ ጉዳይ እዩ፡ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት እዩ፡ ስለዚህ ዝዀነ ይዅን ብውልቂ ድዩ ብጉጅለ ዝፍጸም ዓመጽ ዝዅንን እዩ፡ እቶም ሰብ ጥበብ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝብልዎ ብስም ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ዓመጽ ዘየስላማይን ንሃይማኖት ምስልምና ዝውክል ኣይኰነ እንክብሉ ገሊጾምለይ እዮም። ሓደ እዋን ሓደ ኣቦ ኣብ ለስቦ ምስ ደቁ፡ እናነበዔ፡ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና እየ፡ በዓልቲ ቤተይ ክርስቲያን እያ፡ ኣባላት ዳዒሽ መጺኦም ኣብ ቤተይ ናይ በዓልቲ ቤተይ መስቀል ምስ ረአዩ፡ እምነትኪ ኪሕድኪ መስልሚ ምስ በልዋ ብፍጹም ምስ በለቶም ኣብ ቅድመይ ቀቲሎምዋ እንክብሉ እናነብዑ ዝበሉኒ ምስክርነት ይዝከረኒ፡ ኣሸበርትን ግብረ ሽበራን ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ ዘዕንው፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ድማ እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኒ ሰነድ ዓመጽን ግብረ ሽበራን ካብ ዝዀነ ይኹን ብዝዀነ ይዅን ኣካል ይፈጸም ዝዅንን እንክብሉ ይምልሱ።

ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተዛሪብኩም፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክንየው ናይ ስግደትን ኣምልዀን ናጽነት ምዃኑ እውን ሓቢርኩም። ሎሚ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግኵምሉ ናይ ስፖርት ሜዳ ብዙሓት ካቶሊክ ምእመናን ተረኺቦም ነይሮም፡ ንመጀመሪያ ግዜ እምነቶም ብወግዒ ኣብዒሎም፡

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ከይዲ ይቐድም ይድሓር ናይ ገዛእ ርእሱ መፈለምታ ኣለዎ፡ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ሕጻን ዝበለኒ ክነግረኩም፡ ንስኹም ር.ሊ.ጳ. እትብልዎ ብዙሕ ባህ እዩ ዝብለኒ ኣገዳሲ እውን እዩ፡ ኣነ ግና እምነት ኣልቦ እየ፡ ናይ ሰላም ሰብ ንምዃን ከም ዘይኣማኒ እንታይ ክገብር እንክብሉ ከምዝሓተቶም ገሊጾም፡ ኣነ ኽኣ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ጽን በል ግበሮን በልክዎ፡ ዘይኣምን ግና ሰናይ ነገር ዘናድይ፡ ብሓቂ ብርቱዕ ቆልዓ፡ ንኹሉ መጀመርታ ኣለዎ ኢሎም።

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣኣብ ሰሙን ሓንሳብ ዘሕትሞ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ዝዛረብ መጽሔት ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕትመቱ ኣብ ልዕሊ ገለ ገለ ውፉያን ኣባላት ማሕበር ድናግል ዝተፈጸመ ዓመጽ የዘንትው፡ ናይ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ናይ ዝሓቁፍ ማሕበር ኣደ መንበር ዘውጽአኦ ጽሑፍ እውን እዩ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝትይ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ፡ ክዘራረበሉ ዶ ይኸውን?

እወ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ብዙሕ ዓይነት ዓመጽ ኣሎ፡ ሎሚ ኣውን እንተዀነ ደቀንስትዮ ከም ካልኣይ ደረጃ ዝረኣያሉ ከባቢ ውሑድ ኣይኰነን፡ ባህላዊ ጸገም እዩ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ጸቕጢ ክሳብ ቅትለት ደቀንትዮ የብጽሕ ኣሎ፡ …. ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እቲ ጸገም’ቲ ኣሎ ማለት ዓመጽ፡ ካህናት ድዮም ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ምዝመዛ ዝፈጸሙ ነይሮም እዮም፡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ እያቶም፡ ስለዚህ ሕብረተሰብ ንምልዋጥ ብዙሕ ምዕያይ ከድሊ እዩ፡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ስልጡን ካብ እምነት ዝምንጨው ባህሊ ብቓልን ሕይወትን መሰኻኽር ኰይኖም ክርከቡ ብዝበለጸ ምዕያይ ከድሊ እዩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ብስልጣን ዓመጽ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ሓደ ማሕበር ደናግል ክዕጸው ከምዝገበሩ ይዝከር፡ ዓመጽ ካብ ውሽጢ ድዩ ካብ ደገ ክመጽእ ዝኽእል እዩ፡ … እነ ብዛዕባ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ኣበርቲዐ ክዓዪ እየ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ድማ ንበይነይ ኣይኰንኩን ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያንን እዩ፡ ጉዕዞና ናብ ሓቂ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።   

(Andrea Tornielli)

ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ዓቢይ መምህር ዝተፈረመ ናይ ሓባር ስምምዕ ሰነድ
06 February 2019, 16:42