ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ጓለንስተይቲ ብልሓት ግቡእ ቦታ ምሃብ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ጓለንስተይቲ ብልሓት ግቡእ ቦታ ምሃብ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ጓለንስተይቲ ብልሓት ግቡእ ቦታ ምሃብ

ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣንስትነት ምስጢር ምእታው ማለት ብስነ በርጐሊዮ ኣገላልጻ፡ ንሕይወት ብኵለ ማዕዝናቱ ምስትውዓል ማለት እዩ

ዕለት 22 ለካቲት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ውዕሎ ካልኣይ ዓውደ ኣኼባ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ሊንዳ ጊሶኒ ድሕሪ ዘስምዖኦ መደረ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጓለንስተይቲ ቦታ ምሃብ ማለት ብዙሕ ዕማም ክህልዋ ምግባር ማለት ዘይኰነስ ኣብቲ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና ተክለ ሰብነታዊ ፍካሬ ምውሃድ ማለት ምዃኑ ዘብርህ ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ከምዘስምዑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ መደረ ጊሶኒ፥

ጊሶኒ ዘስምዐኦ ቃልን ንሰን ክዛረባ እንከለዋ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ትዛረብ ከምዘላ ኰይኑ እዩ ዝተሰመዓኒ፡ ማለት ኵላትና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ክንዛረብ እንከለና ጊሶኒ ግና ልሳን ቤተ ክርስቲያን ኰይነን እየን ዝተዛረባ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ትዛረብ፡ እዚ ክብል እንከለዀ ኣቀራርባ መደረኣን ዝተኸተሎ ስልቲ ዘይኰነስ ነታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ ኰይኑ ስለ ዝረኸብክዎ እዩ፡

ጓለንስተይቲ ተክለ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን

ቅድመ ግብራዊ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ንቕድሚት ምስጓም የድሊ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዛዕባ ቤት ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ጉዳይ ክትዛረብ እንከላ መክብባዊ ጓለንስታውነት ዝገልጽ ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ትዛረብ ከምዘላ ዘመላኽት እዩ።

ጓለንስታውነት ርእየት ክኸውን እንከሎ ቅሚሽ ዝተዓጥቀ ተባዕታውነት ኣብ ምዃን እዩ ዝዛዘም፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዛዕባ ኣቝሳል ቤተ ክርስቲያን ክትዛረብ ምዕዳም ማለት ቤተ ክርስቲያን ባዕላ ብዛዕባ እቲ ዝወረዳ ኣቝሳል ክትዛረብ እዩ ዝኸውን፡ እዚ እዩ ብብርቱዕ ጻዕሪ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና፡ ጓለንስተይቲ ናይታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሰብነት እያ። ብዘይ እዚ ኣገባብ’ዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ውድብ ወይ ናይ ሰራሕተይና ዓይነት ማሕበር እምበር ካብታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዝተወልደ ስድራ ቤት ኣብ ዘይምዃን እዩ ዝተርፍ።

ቤተ ክርስቲያን ብስብእና ጓለንስተይቲ ምስትውዓል

ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣንስትነት ምስጢር ምእታው ማለት ብስነ በርጐሊዮ ኣገላልጻ፡ ንሕይወት ብኵለ ማዕዝናቱ ምስትውዓል ማለት እዩ፡ ልክዕ ሓንቲ ኣደ ክትሓርስ ወይ ክትወልድ እንከላ ኣብ እትነብሮ ኵነት ምስታፍ ማለት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዋና ዋና ቦታ ዝለዓለ ሓላፍነት ክህልወን ምግባር ኣብ ዝብል ኣመለኽኽታን ተግባርን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ማለት ዘይኰነስ፡ ቤተ ክርስቲያን ብስብእናን ኣገባባትን ጓለንስተይቲ ምሕሳብክ ከምዘድሊ ንምምልካት እዩ።

ስለዚህ ኣገዳሲ እውን እንተዀነ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንደቀንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ዕዮ ሓላፍነት ምዕዳል ጥራሕ ማለት ዘይኰነስ፡ ጓለንስተይቲ ከም ተክለ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣእምሮና ክትስቆረና ምግባር እዩ ዘድልይ። ንቤተ ክርስቲያን ብኣገባባትን ብስብእናን ጓለንስተይቲ ምስትውዓል የድሊ።

ከምዝበሉ ሰፒያ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ጓለንስተይቲ ብልሓት ግቡእ ቦታ ምሃብ
23 February 2019, 17:27