ር.ሊ.ጳ.፥ ናይቲ መለለይኹም ምስጢር ኣብቲ ወንጌላዊ ሕያዋይ ሳምራዊ እዩ

ኢየስሱስ ክርስቶስ ብኣይ ኣቢሉ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተሓድጉን ዘአንግድ ቤት ሕክምና ኰይኑ ክቀርብን ከምቲ ንሱ ከገልግሎም ከምዝደልዮ ሓይልዮቱ ኰይነ ክርከብ ስለ ዝፈቐደ አመስግን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 1 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከብ ኣባይቲ ማሕበር ክንክን ጥዕና ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር - ፋተበነፍራተሊ ብዝብል ስም ናይ ዝፍለጥ ገዳማዊ ማሕበር ኣሕሉቕን ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓን ኣባላት ኣባይቲ ምኽርን ኣብቲ ናይ ማሕበሮም ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ንሳተፉ ዘለዉ ኣሓው ተቐቢሎም ልልያን ቅርበትን እንገዳን ናይ ሓባር ተልእኾን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ሰረተ ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ናይ ማሕበሮም መበል 69 ጠቕላሊ ጉባኤ ንዛተፉ ዘለዉ ጉባኤ ኣሕሉቕ ማሕበር ሓልዮ ክንክን ጥዕና ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር - ፋተበነፍራተሊ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ልልያ

ልልያ ዝብል ቃልን ተግባርን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ኣብ ናይ ክህነታውን ገዳማውይ ውፉይ ሕይወትን ጸዋዕታ ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ልልያ ናይ ምክያድ ተግባር ኣብ ታሪኽ ዝቖመን ኩነታት ዘንብብን እቲ ናይ ማሕበር መንፈሳዊ መርሆ ዘአውን ከምዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡

ዝሓለፈ ብምስትንታ ልልያ ታሪኽናን መፍነሳዊ መርሆታትናን ካብቲ ዘየድሊ ሓሰር ብምእላይ ንኽንነጽሕ ይድርኸና፡ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ከነተኵር ይገብረና፡ ልልያ ህልው ኩነት ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወትን ክህነትን ውፉይነትን ብሓልዮትን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኽንነብሮ የብቅዓና፡ ካብ ብምልምማድ ዝንበርን ተደጋጋሚ ዓይነት ኣገባብ  ኣነባብራ መንፍሳዊ መርሆ የላቕቕና፡ እዋናዊ ሰብኣዊ ስቓን ዘድልዮን ፈሊና ንኽርእይን ኣብኡ ንኽንዓዪ የብቅዓና፡

እዚ ማሕበር ኣሓው ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር ኣብ 1586 ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ሰስቶ ሓምሻይ ናይ ገዳማዊ ማሕበር መሰል ዘለዎ ከምዝዀነ ክዝከር እንከሎ

ቅርበትን - እንገዳን

ነቶም ዝተቀበልዎም ኣሓው ኣባላት ማሕበር ፋተበነፍራተሊ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 15 – 37 ዘሎ ጠቒሶም ነቲ ስኡን ሓውና ኢድካ ምዝርጋሕ እዚ ኸኣ ኵሉ ውጥናትካን መርሓ ግብርታትኵም ይጽንሓለይ ቢልካ ልክዕ ክመቲ ሕያዋይ ጓሳ ኰይንካ ምርኻብ ማለት ምዃኑ ክብርሁ እንከለዉ፥

ብኻልእ ክትትንከፉን ብኣገባብ ሕይወት ሕያዋይ ሳምራዊ ኣቢልኩም ነቲ ዝቖሰለ ኣብ ኢድ ናይ ገበን ጉጅለ ወዲቑን ተቐጥቂጡን ዘለዎ ኵሉ ተቐንጢጡን ንዝድርበይ ቀሪብኩም ዘይትን ዘቢብን ከትቐብኡ ሓደራ፡ እዚ መለለይኹም እዩ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ናይ ምሕረት ህልውና ምስ ድኻታትን ሕሙማንን ዝዓረቑን ዝመሳሰል እዩ፡ ስለዚህ ነቶም ብኣኦም ኣቢሉ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸሎም ኣሕዋት ቀረባ ንዅን ነገልግል፡ ተልእዀኹም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ድኻታትን ሕሙማንን ክብሰርን ክንበርን ዝብል እዩ፡ ብምስክርነትን ብሓዋርያዊ ኣገልግሎትኩምን ንህሙማንን ንድኻታትን ሓላፍ ዝብል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እተቕርቡን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንድኻታት እተነቓቕሑ ኢኻትኩም።

ናይ ሓባር ተልእዀ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ብኣኦም ዝተደርሰ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፥

ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ድሕነት ብኽርስቶስ ዘስተማቐረ ብሓሴት ዝወዓዋዕ ተልእዀ ኣብ ልቦም ዘለዎም ክዀኑን ምጽንናዕን ሓልዮትን ስግኣት ከይፈርሑ ንኸገልግሉ ዘብቕዕ ብቑዕን ዝተሓደሰ ፍርያም ዝዀነ ሕንጸት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕበርኵም የነቓቕሕ፡

ዓለማውያን ምእመናን ሕነጹ

እቲ ማሕበር ዘቕርቦ ሕንጸት ኣብ ውሽጡን ኣብ ኣባላቱ ጥራሕ ዘተኰረ ዘይኰነስ ኣብቲ ተልእዀኹም ዓለማውያን ምእመናን መታን ክዋስኡ ኣብ ሕንጸት ዓለማውያን ምእመናን ኣብሪቲዑ ክዓዪ ከምዝግብኦ ቅዱስ ኣቦና ኣዘካኺሮም፡ እቲ ማሕበር ኣብ  ሕይወትን ናይ ሕይወት ባህልን ተስፋ ሰኒቑ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ነቶም ብማሕበርሰብ ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ሓለፋ ዝብል ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፥

ኢየስሱስ ክርስቶስ ብኣይ ኣቢሉ  ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተሓድጉን ዘአንግድ ቤት ሕክምና ኰይኑ ክቀርብን ከምቲ ንሱ ከገልግሎም ከምዝደልዮ ሓይልዮቱ ኰይነ ክርከብ ስለ ዝፈቐደ አመስግን

ብዝብል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር ጸሎት ደጊሞም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይቲ መለለይኹም ምስጢር ኣብቲ ወንጌላዊ ሕያዋይ ሳምራዊ እዩ
01 February 2019, 17:02