ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ዘፍቅራ ብመልሓሱ እናቝሰለ ዘዕንዋ ማለት ኣይኰነን

ነገራት ዘተኻኽል ባዕሉ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ እዩ፡ ናይ ካልእ ጌጋ ምሕባር ንምእራም እምበር ንምውቃስ ኣይዅን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጌጋታት ምሕባር ካብ ምፍቃራ ዝነቕል እዩ ክኽውን ዘለዎ

ቅዱስ ፒዮ ዘፔትራልቺና ኣስተንፍሶ ገይሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 20 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብጳጳሶም ንዝተሰነዩ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ በነቨንቶ ምእመናን ተቐቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ምፍቃር ማለት ይቕረ ምባልን ምምሓርን ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቶም ብናይ በነቨንቶ ርእሰ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊቸ ኣክሮካ ዝተሰነዩ ልዕሊ 2,500 ዝግመቱ ምእመናን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብታ ሰበኻ ንዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ሞሳ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ሰማይ ምውላድ ቅዱስ ፒዮ ዘፐትራልቺና ተረኺቦም ንቕዱስነቶም ዝተፈላለዩ ገጸ በርከት ከምዝለገሱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ካፐሊ ኣስዒበን፥ ንቤተ ክርስቲያን ጥልቂ ፍቕሪ ኣብቲ ካፑቺን ሓው ስግው ከምዝዀነን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ፐትራልቺና ተገይሩሎም ንዝነበረ ኣቀባብላ እናሓሰቡ እቲ ምዉቕ ኣቀባብላ ናይቲ ሕዝቢ ለዋህ መንፈስ መግለጺ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ ኣምነት ሕይወት እቲ ፒዮ በዓል ፐትራልቺና ናይ ዝመስከሮ እምነት መግለጺ እውን እዩ ቢሎም፡

ፓድረ ፒዮ ንቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኵሉ ዘለዋ ጸገማታን ተጻባእነትን ዝነበረ ኩነት ሓጢኣትን ኣፍቀራ፡ ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ እያ፡ መርዓት ክርስቶስ ስለ ዝዀነት፡ እቲ ሓጢኣት ካባና ደቂ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ፓድረ ፒዮ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምፍቃራ ኣይቦኸረን፡ ልክዕ ክመቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገባብ ኰይኑ ዘሎ ንቤተ ክርስቲያን ብመልሓሱ ዘዕንው ዘይኰነስ ኣብ ስቓያ ኩሉ ኣፍቀራ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቅር ምምሓርን ይቕረ ምባልን ዝፈልጥ እዩ፡ ስለምንታይ ንሱ እውን ሓጢኣተይና ምዃኑ ስለ ዝፈልጥን ምሕረት እግዚኣብሔር ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝኣምንን እዩ።

መላእ ሕይወትካ ንቤተ ክርስቲያን እናኸሰስካ ኣይንበርን

ነገራት ዘተኻኽል ባዕሉ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ እዩ፡ ናይ ካልእ ጌጋ ምሕባር ንምእራም እምበር ንምውቃስ ኣይዅን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጌጋታት ምሕባር ካብ ምፍቃራ ዝነቕል እዩ ክኽውን ዘለዎ፡ ፓድረ ፒዮ፡ ንቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኵሉ ጸገማታ ኣፍቀራ፡ ምስ ናይ መላእ ደቃ ሓጢኣት ኵሉ ኣፍቀራ።

ወትሩ ቤተ ክርስቲያን ኣናወቐስካ እናኸሰስካን እናጸለምካን ኣይንበርን፡ ናይቲ ዝኸስስ ቤት ጽሕፈት ናይ መን እዩ፡ ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ዓቢይ ከሳሲ ቢሉ ዝገልጾ መን እዩ? …. ኣወ ዲያብሎስ እዩ፡ ከሳስን ወቓስን ንሱ እዩ፡ ዲያብሎስ ደቂ የብሉን፡ የዕሩኽ ግና እወ ክህልውዎ ዝከኣል እዩ፡ ….

ካብ ጽልእ ፍቕሪ ኣዚዩ ሰናይን ጽቡቕን ምዃኑ ምምስካር

እቲ ናይ ሕይወትና እውነተይና ሓሴትን ምኽንያት ሓሴትን ዝዀነ እግዚኣብሔር ንኸነአንግድ ቅዱስ ኣቦና ምዒዶም፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ሕይወት ዝልውጥ ብፍላይ እቲ ድኹምን ድኻን፡ ዝልውጥ ፍቕሪ ካብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና መለኰታዊ ፍቕሪ ብምስፋሕ ቅኑዕን ተሓባባርን ዝዀነ ዓለም ንሕነጽ፡ እዚ ዅሉ ዝከኣል ግና መሰኻኽር ፍቕር ምስ እንኸውን ጥራሕ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡

ናይ ሕይወትን ቃልን ምስክርነት፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕሰቡ፡ ጳጳስኩም ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ እዩ፡ ንሰዓብቱ እንታይ እዩ ዝበሎም፡ ኵሉ መስክሩ፡ ቃላት ኣየድልን እዩ፡ መስክሩ ጥራሕ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ቃል የድልይ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ቅድም ቀዳድም ከም ክርስቲያን ምንባር እዩ፡ ፍቕሪ ካብ ጽልእ ኣዚዩ ሰናይን ግሩምን ምዃኑ ምምስካር፡ ምሕዝነት ካብ ጽልእ ኣዚዩ ግሩምን ሰናይን እዩ፡ ሕውነት ኣብ መንጐና ካብ ውግእን ወረ ውግእን ኣዚዩ ሰናይ እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን።

ቤተ ክርስቲያን ዘፍቅራ ብመልሓሱ እናቝሰለ ዘዕንዋ ማለት ኣይኰነን
20 February 2019, 17:13