ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ  

ኣብ ዘመነ ጾመ አርባዓ ክርስትያን ዘቦኡ ነቲ ሕማም ቅልውላው ዝኾነ ለውጢ ንስሓ ይንበሮ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ብዝግበር ልማድ መሠረት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንናይ ሎምዘመን ዘመን ጾመ አርባዓ ዝምልከት መልእኽቲ ‘‘ፍጥረት ንባዕሉ ነቲ ንደቂ እግዚአብሔር ዚግለጸሉ ጊዜ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ኣሎ’’ (ሮሜ 8.19) ብዝብል መሪሕ ቃል ጽሒፎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ `ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከምእነተኲር ዝገበርና ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ጠንጢና ናብ ፋሲካ ኢየሱስ ቊሊሕ ንበል እሞ ንዘሎና መንፈሳውን ንዋታውን ሃብትና ምስቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምክፋል ጐረቤት ንኹኖም’ እንክብሉ ይምሕጸኑ።  ቅዱስነቶም ካብታ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰት መልእኽቲ ዕብራውያን ይነቅሉ እሞ ቀቅድሚ ዘመን ፋሲካ ዝመጽእ ዘመን ጾመ አርባዓ ዘቅርበልና ጻውዒት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዝተጐናጸፎ ዓወት ኣብ ሕይወትና ከምዝፍጸም ንምግባር ነዚ ዝቀበርልና ጸጋ ብቚምነገር ሒዝና ክንጥቀመሉ እሞ ነቲ ንኣና ዝጽበ ዘሎ ፍጥረት ኩሉ ነዚ ናይ ግልጸትን ለውጥን ጸጋ ከምዝካፈል ንግበሮ ኢሎም።  ኣብ ግዜ ጾም ቀንዲ መጋበሪና ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን!

ቅዱስነቶም ንጾም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትእምርታዊ ዝኾነ ትርጉም እንክህቡ `ጾም ወልደ እግዚአብሔር ነቲ ቅድሚ ውድቀት ኣቦና ኣዳም ዝነበረ ውህደት እግዚአብሔርን ተፍጥሮን ዳግም ንምምላስ ናብ ምድረበዳ ፍጡራት ብምእታው ካብ ገበሮ ንሕና እዞም ክርስትያን ንበሃል ከኣ ነቲ ምሥጢረ ፋሲካ ቢልና እንጽውዖ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዳግም ሕይወት ንክነልብሶን ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ናትና ከምዝኾኑ ንክንገብሮምን ኣን ዕለታዊ ሕይወት ግላዊ ናብራናስ ይኹን ኣብ ቤተሰብ ከማኡ ኣብ ማሕበረሰብ ክውን ክንገብሮ ኣሎና።  ነዚ ከኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብመንገዲ ጾምን ጸሎትን መባእን ክንገብሮ ኣሎና። ጾም ማለት ከኣ ካብቲ ንስስዔና ንምርዋይ ንዝረኽብናዮ ናይ ምዂላስ ፈተና ኣይፋል ምባል ኮይኑ ምጽላይ ከኣ ነቲ ኣነ ባዕለይ ንኩሉ ዝብል ናይ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና መንፈስ ምውጋዝ እንክኸውን መባእ ምሃብ ከኣ ንኩሉ ንገዛእ ርእስና ናይ ምእካብ ዕሽነት ከምእንሰግርን ነቲ ንዓና ዘይግባእ መጻኢ ውሕስነት ንክንፈጥር ካብ እንገብሮ ሕልሚ የድሕነና።

ነዘን መሥመራት እዚኤን ብዝግባእ እንተደኣ ተኸታቲልና ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ተፈጥሮን ኣብ ልባትናን ንዓና ክኸውን ኢሉ  ኣቀሚጡልና ንዘሎ መደብ ታሕጓስ ዳግም ንምርካብ እዩ። ናይ ሓቀኛ ሓጐስ እውነተኛ ምንጭኸስ ፍቅሪ እያ፣ ኢሎም።ን

ናይ ለውጥ/ንስሓ ሕማም ቅልውላው!

ንፋሲካ ገጽካ ዝግበር ጒዕዞ ዘቅርበልና ጻውዒትከስ ንዝተዓደልናዮ ገጽታን ልብን ክርስትያን ብጣዕዛን ንስሓን ምሕረትን ዳግም ንምሕዳስ እዩ። እዚ ጻውዒት እዚ ንዓና ንበይንና ዘይኮነ ንኩ ፍጡር እዩ ዝቀአርብ ከመይ ኩሉ ፍቱር ካብ ባርነት ናይ ብርሰት ክወጽእ እሞ ኣብቲ ነጻነት ናይ ክብሪ ደቂ እግዚኣአብሔር ክጽንበር እዩ።

እዛ ምሕጻር ትዕግስቲ እዚኣ እዛ ትጽቢት ናይ ፍጥረት ኩሉ እዚኣ ደቂ እግዚአብሔር ብክብሪ ክግለጹ እንከለው እዮም ፍጽምና ዝረኽቡ ማለት ኩሎም ክርስትያንን ኩሎም ደቂ ሰባትን ነዚ ሕማም ሕርሲ ዝኾነ ናይ ንስሓን ለውጥን ግዜ ከተግብርዎ እንከለው እዩ። ከመይ ሓጢኣት ንኩሉ ደምሲስዎ እዩ።

ደምሳሲ ሓይሊ ሓጢኣት!

ቅዱስነቶም ኣብዚ መልእኽቲ እዚ ብንጹር ዝዛረቡሉ ቀንዲ ነጥቢ እቲ ብሓጢኣት ዘጥፍእናዮ ጸጋ ኮይኑ ነዚ ከኣ ናብቲ ናብ ፋሲካ ክርስቶስ ዘመልክት መኣዝን ትንሳኤ ብቀጻሊ እንተዘይኣማዕዲና ሳዕቤኑ ፍሉጥ እዩ ከመይ እታ ምስ እግዚአብሔር ዘላ ውህደት ሓንሳእ እንተተበጢሳ ናይ ኩሎም ፍጡራትን ከባብን ብሓንሳብ ክነብሩ ዝወሰኖም  ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ እውን ይብጠስ እሞ ከምቲ ጃርዲን ምድረበዳ ዝኾነ ኩሉ ፋሕ ይብል።

እዚ ሓጢኣት እዚ ከኣ ወዲሰብ ንእሽቶ እግዚአብሔር ናይ ፍጡራት ክከውንን ናይ ኩሉ ፍጹም ወናንን ኰይኑ ኣብ ዝተሰመዓሉን እሞ ንኩሉ ከም ድላዩ እምበር ከምቲ እግዚኣአብሔር ዝወሰነሉ ዘይኮነስ ተጻይ ፍጥረትን ተጻይ ካልኦትን ንገዛ ርእሱ ጥራይ ክጥቀመሉ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ ዝተፈጸመ ሓጢኣት እዩ።

ወዲሰብ ነቲ ሕጊ ፍቅሪ ዝኾነ ሕጊ እግዚኣአብሔር  ክጥንጥን ምስ ወሰነ ግድን እዩ እቲ ሕጊ ናይ ዝሓየለ ኣብ ልዕሊ ድኹማት ክዕምጽ።

እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝነብር ሓጢኣት (ማር 7.20-23) ከም ስስዔ ምስ ተገልጸ ግድን እዩ ደረት ኣልቦ ከንቱነትን ንኣይ ይጥዓመንን ዝመለኾ ሕይወት ብዛዕባ ካልኦት ምንም ተገዳስነት ዘይብሉ ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብዘይመንገዱ ምምዝማዝ ከምኡ እውን ንሰባትስ ይኹን ንከባቢ ነቲ ዘይረዊ ሃረርታት ንምዕጋስ ንኩሉ ግቡኡ ገሩ ዝግምት ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ዋና እየ ዝብል እውን ዘዕኑ ኩነት ይፍጠር። እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!

 

26 February 2019, 16:31